ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ኣብ ዘመነ ጾም መንፈሳዊ ለውጢ ክንገብር ተማሕጺኖም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናብ ዘመነ ጾም ኣብ እትኣትወሉ ዘላ እዋን፣ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ንካቶሊካውያንን፡ ንኵሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይን፡ ብጸሎትን፡ ጾምን፡ ግብረ ሰናይን ዓሚቝ ውሽጣዊ ለውጢ ክገብሩ ተማሕጺኖም።
ብፁዕ ካርዲናል በርሃነ ኢየሱስ ካብ ወንጌል ማቴዎስ 6፡ 17-18 ብምጥቃስ ንምእመናን ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም፦ ንስኻ ግና ክትጸውም ከሎኻ፡ ከም ዝጾምካ ነቲ ብሥዉር ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ምእንቲ ኸይተርኢ ርእስኻ ቅባእ፥ ገጽካ’ውን ተሓጸብ። እቲ ብኅቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ።” ጾም ንመንፈሳዊ ሕዳሴ ዝሓትት ቅዱስ ኣጋጣሚ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንኵሎም ኣመንቲ ካብቲ ኣቓልቦኦም ዝሰርቕ ኩነታት ዓለም ርሒቖም፡ ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ተማሕጺኖም።
እዛ ዓውደ ኣዋርሕ ግዕዛዊ ሥርዓት እትስዕብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ንጾም ብመሰረት ክልቲኡ ዓውደ ኣዋርሕ ብምብራቓዊ (ግእዛዊ ሥርዓትን) ከምኡውን ብላቲናዊ ሥርዓት ናይ እትኽተል ቤተክርትያንን እያ እተኽብሮ ዘላ። ኣብ 2026 ዓ.ም. ምብራቓዊት ቤተ-ክርስትያን ዘመነ ዓቢይ ጾም ብዕለት 16 ለካቲት ክትጅምር እንከላ፡ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተ-ክርስትያን ከኣ ንዘመነ ጾም ሎሚ ዕለት18 ለካቲት ትጅምሮ ኣላ። እዚ ብሓንሳብ ዝጅምር ዘሎ ዘመነ ጾም፡ ነቲ ሃብታም ውርሻ ቤተ-ክርስትያን ዘንጸባርቕ ትውፍቲዊ ሥርዓተ ግእዝ ምስ ኣድማሳዊ ዝኾነ ሥርዓት ላቲን ኰይኑ፡ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዘለዉ ካቶሊካውያን ምእመንና ፍሉይ ቦታ ከም ዘለዋ ዘጕልሕ ኢዩ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣብ መልእኽቶም፡ ሓቀይና ጸሎት ኣብ ቃላት ጥራይ ዝተምስረተ ዘይኰነስ ምስ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዚሰማማዕ ሕይወት እተመስረተ ምዃኑ እውን ገሊጾም። ጾም ብዛዕባ ሕማምን ሞትን ትንሳኤን ይጐታንና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እነስተንትነሉ እዋን ኰይኑ፡ ምስ እግዚአብሔር ኣቦን ምስ መንፈስ ቅዱስ ዓሚቝ ርክብ ንምምስራት እዩ። ምእንቲ ጐረባብትናን፡ ምእንቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባትን፡ ምእንቲ እቶም ብምኽንያት ግጭታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ሰባት፡ ምእንቲ እሱራትን፡ ከምኡውን እንቲ እቶም ብጥበብን ብንቅንዕናን ክመርሑ ዝደልዩ መራሕትን ክንጽሊ ተማሕጺኖም።
ካብ ምግቢ ምጻም ንላዕሊ ዘድሊ ጾም
ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየስሱ ከም ዝገለጽዎ፡ ጾም ካብ ምግቢ ኣብ ምጻም ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ሓቀይና ጾም ኪበሃል ከሎ፡ ካብቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ኣቓልቦ ዝሰርቁ ነገራትን፡ ካብ ሓጢኣትን፡ ጐዳኢ ዘረባን፡ ከምኡውን ንኻልኦት ካብ ዝጐድእ ተግባራት ምርሓቕ እዩ። ብትዕግስቲ፡ ብይቕረ ምባል፡ ብልግሲ ከምኡውን ንሰብኣዊ ክብረት ብዘሎና ጽኑዕ መርገጽን ሓልዮትን ከኣ ይግለጽ። "ብቕንዕና ምስ እንጸውም፡ ልብና ናብ ኣምላኽ የቕልብ፣ ብስቕታን፡ ብኣስተንትኖን ከኣ ንክርስቶስ ንረኽቦ።"
ብፁዕ ካርዲናል ኣብ መልእኽቶም፡ ጾም ውሽጣዊ ለውጢ ዝግበረሉ እዋን ኰይኑ፡ ስነ-ምግባራዊ ንቑሓት እነዕብየሉ፡ ምስ ካልኦት ሰባት እንዕረቐሉ ከምኡውን ብናይ ምሕረት ተግባራት እንዓየሉ እዋን ኢዩ ድሕሪ ቢሎም፣ ካብታ “ኣኃው ኩልነ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ፡ "ኣብዛ ጫውጫውታን፡ ግጉይ ሓበሬታን፡ ምጕዳል ፍትሕን ዝመልአት ዓለም፡ ሓቀይና ልዝብን፡ ክርስትያናዊ ምስክርነትን ኣድላዪ ምዃኑ ጠቒሶም።”
ጻውዒት ንሰላምን ፍትሕን
ብፁዕ ካርዲናል ኣስዒቦም፡ ኣብ ኢትዮጵያን፡ ኣብ መላእ ዓለምን ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን፡ ካብ ባህርያውን ሰብ ዘምጽኦ ሓደጋታትን ክንሕሎ፡ ከምኡውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ጽንኩር እዋን ኣብ መንጎ ምእመናን ጽኑዕ እምነት ክህሉ ንክንጽሊ ተማሕጺኖም።
ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ኣብ መዛዘሚ መልእኽቶም፡ ኣማልድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን፡ መላእኽትን፡ ሰማእታትን፡ ኵሎም ቅዱሳንን ድሕሪ ምልማን፣ ንኵሎም ምእመናን ኣብዚ ናይ ጾም ጕዕዞ፡ ብቕንዕና ልብን፡ ብጸሎትን፡ ተወፋይነትን ከምኡውን ብፍቕርን፡ ዕርቅን፡ ኣገልግሎትን ንኽጐዓዙ ብምውፋይ ጻውዒት ኣቕሪቦም።