ኣብ ማዳጋስካር ትሮፒካዊ ህቦብላ ገዛኒ ዘስዓቦ መጉዳእቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ገዛኒ እተሰምየ ትሪፒካዊ ህቦብላ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ማዳጋስካር ንዝርከባ 25 ንኡስ ዞባታት ድሕሪ ምዕናዉ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ንሓደጋ ሞት ከም ዘቃለዐን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ንኽመዛበሉ ከም ዘገደደን ትሕተ ቅርጺ እውን ከም ዘዕነወ ክንገር እንከሎ፡ ነዚ ኣብ ጸገም ዝርከብ ህብዚ ኣድላይ ሓገዝ ክግበር መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣህጉራውያን ትካላትን ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ብመሰረት ዕለት 16 ለካቲት ብማዕከን ዜና ቫቲካን ፊደስ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ሓደጋን ዕንወትን (BNGRC)፡ ጉጅለታት ህጹጽ ረድኤት ኣብ መላእ ሓሙሽተ ዞባታት ማዳጋስካር ዘጋጠመ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ጸብጻብ ንምቕራብ ይዓዪ ከም ዘሎ ይሕብር።
ክሳራን ጻውዒት ሓገዝን
ክልተ ኣባይቲ ሕክምናን ሸውዓተ ብመንግስቲ ዝመሓደራ ኣባይቲ ሕክምና ሓዊሱ ኣስታት 49 ሺሕ ሕንጻታት ከም እተጎድአን፡ ክሳብ ሕጂ 59 ሰባት ከም ዝሞቱን 15 ድማ ገና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን፡ 804 ሰባት ድማ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ፊደስ ኣገልግሎት ዜና እንከመላኽት፡ ኣባይቲ ብማይ ከም ዘዕለቕለቐን ዓለም ለኸ ፈደራላዊ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን 16,428 ሰባት ማለት 4,045 ኣባይቲ ስድራ ከም እተመዛበሉ የመላኽቱ።
ጻዕሪ ቤተ ክርስቲያንን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን
ዕለት 11 ለካቲት ጉባኤ ጳጳሳት ማዳጋስካር ነቲ ዕንወት ምላሽ ንምሃብ ግዳያት ህቦብላ ሓገዝ ክረኽቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ብናይ ማዳጋስካር ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ጳጳስ ዣን ክላውድ ራኮቶኣሪሶኣ ዝተኸተመ መልእኽቲ፡ ካቶሊካውያን ምእመናን ንዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ማዳጋስካር ኣብ ዝርከብ ሃገረ ስብከት ቶማሲና ሓገዞም ክህቡ ጻውዒት ከም ዝቐረበን ምእመናን ነቲ ንሓገዝ ዝምልከት መምርሒ ብምስዓብ ከቅርብዎ ዝኽእሉ ሓገዝ ከወሃህዱ ጳጳሳት ማዳጋስካር ከም ዝሓተቱ የመላኽት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰንበት ዕለት 15 ለካቲት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ዝተጎድኡን ግዳያትን ሰባት ዘለዎም ቅርበት ገሊጾም ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።