ድለ

ጳጳሳት ሕ. መ.  ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ምውሳኽ ዘስዕቦ ስግኣት ጳጳሳት ሕ. መ. ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ምውሳኽ ዘስዕቦ ስግኣት  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ሕ. መ. ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ምውሳኽ ዘስዕቦ ስግኣት

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣቦ መንበር ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ቴህራን መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክትከፍቶ እንተዘይተሰማሚዓ "ንሙሉእ ስልጣነ ኢራን ከጥፍእ እየ" ዝብል ዘቕረቦ ምፍርራሕ ኣብ ግብሪ ከየውዕል ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ርእሰ ብሔር ትራምፕ ካብ ገደል ኲናት ንድሕሪት ተመሊሱ ምእንቲ ሰላምን ቅድሚ ተወሳኺ ህይወት ምጥፋእን ፍትሓዊ ፍታሕ ክዝትይ እጽውዕ” እንክብሉ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ኮክለይ ዕለት 7 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ፡ ኣጒሊሖም፡ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ንንግዲ ኣገዳሲ ዝኾነ መተሓላለፊ ናይ ጽንዕነት መራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ንምኽፋት ኢራን ኣብ ስምምዕ ንኽትበጽሕ ባዕሉ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዕለት 7 ሚያዝያ ምሸት ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ ዘቐመጦ ናይ መወዳእታ ናይ ግዜ ገደብ እንተዘይኽቢራ ልዕሊ እታ ሃገር ኩሉ መዳያዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ምዃኑ ዘቕረቦ ምፍርራሕ ብኣጽንዖት ከም ዝነቐፉ ዜና ቫቲካን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳስት መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፡ ኣብ ኢራን ንሰብኣዊ መሰረተ ልምዓት ዒላማ ምግባር ሓዊሱ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ምውሳኽ ዘስዕቦ ስግኣት ሊቀ ጳጳሳት ኮክለይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ሰሙነ ሕማማትን ፋሲካን ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣጉሊሖም ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንቀዳም ዕለት 11 ሚያዝያ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዝካየድ ናይ ጸሎት መደብ ክሓብሩ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ክሕባሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም፡ "ንኣሕዋተይ ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን ንዅሎም እቶም ናይ ሓቂ ሰላም ሃረር ዝብሉ ሰባትን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ምእንቲ ሰላም ዝካየድ መደብ ጸሎት ብምናባዊ ወይ ኣብ ቁስምናታት ኣባይቲ ጸሎት ወይ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልቦም ህልው ዝኾነ ጎይታ ኣተኩይሮም ክሓብሩ ብትሕትና እላበው” ከም ዝበሉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

09 Apr 2026, 17:05