ድለ

2026.03.31 I cardinali Reina e Mathieu durante la veglia di preghiera alla Basilica di Santa Croce in Gerusalemme 2026.03.31 I cardinali Reina e Mathieu durante la veglia di preghiera alla Basilica di Santa Croce in Gerusalemme 

ናይ ተህራን ካርዲናል፦ 'ክርስቶስ ኣብ እዋን ፈተናታት እውን ከይተረፈ ሓድሽ ህይወት ይህበና'

ውግእ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝገደደ ስቓይ ኣብ ዘውርደሉ ዘሎ፣ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ተህራን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሓድሽ ህይወት ኢራናውያን ክርስትያን ነዚ ሕጂ ዘሎ ፈተናታት ንኽጻወሩ ከተባብዖም ተስፋ ከም ዝገበሩ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ናይታ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ተህራንን-ኢስፋሃንን ብፁዕ ካርዲናል ዶሚኒክ ጆሴፍ ማቲዩ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ብዙሓት ኣሕዋቶም ካርዲናላትን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተሳቲፎም።

ብፁዕነቶም ብዕለት 9 መጋቢት ምስ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኢጣልያ እቲ ውግእ ድሕሪ ምኽሳቱ ካብ ኢራን ናብ ሮማ ከም ዝተዓቝቡ "ብዘይ ጣዕሳን ሓዘንን" ኣመልኪቶም።

ብፁዕ ካርዲናል ማቲዩ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ሮማ ድሕሪ ምኽባሮም፣ ነቶም ኣብ ኢራን ዝርከቡ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ዘጠቓልል ምእመናን ሰበኻኦም ዘለዎም መንፈሳዊ ቅርበት ንምርግጋጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

ብፁዕነቶም ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ ኣብ ኣገልግሎት ዜና ፊደስ እተሓትመ መልእኽቶም፣ እቲ ኣብ በዓል ትንሳኤ ዘሕለፍዎ ተመክሮ፣ "ተዛማዲ ርሕቀት" ከምኡውን ኣብ መንጎ ቅርበትን ርሕቀትን ዘሎ ውህደት ከም ዘመልክት ገለጹ።

"ካባኻትኩም ኣብ ርሑቕ እየ ዘለኹ፣ ካብታ ብሕድሪ እተዋህበኒ መጓሰ ብኩነታት ኲናት ተፈልየ ብምህላወይ፣ እንደገና ኽረኽበኩም እየ ዝጽበ ዘለኹ" በሉ። "ግናኸ በታ ቅድስቲ ለይቲ ንዅላትኩም ኣብ ልበይ ሒዘ ኢየ ኣብ መደባት ጸሎትን መሥዋዕተ ቅዳሴን በዓለ ትንሳኤ እሳተፍ ዘለኹ፣ ካብ መጓሰይ ርሒቐ እኳ እንተ ሃሎኹ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ብምስጢራዊ መገዲ ንነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ቀረባኹም ኢየ ዘሎኹ" ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ማቲዩ ኣብ ትሕቲ ጉልላት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ "ኣብ ትሕቲ ሕቑፊ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ምስ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ኩሎም ካቶሊካውያን ብምሕባር፣ ብዓይኒ ኣብ ዝርአ ሕብረት" ደው ኢሎም ከም እተረኽቡ እውን ገለጹ።

ኣብቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ በዓለ ትንሳኤ፣ ብፁዕ ካርዲናል ማቲው ካብ መጓሰኦም ዘለዎም ኣካላዊ ርሕቀት፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ኣብ ክርስቶስ ብዘለዎም ሓድነት ዜሕብር ድልድል ኰይኑ፣ ኣብ ርሑቕ ቦታ ንኺነብር ኣጋጣሚ ኸም ዝኾኖም እውን ኣረጋገጹ።

"ኣብ ሕብረት ቅዱሳንን ብጸጋ ቅዱስ ቍርባንን ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዋላ እውን ብንጹር ክንራኸብ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን እንተሃሎና፣ ኣማናዊ ሓድነት ኣሎና" በሉ። "እቲ ኣብ የዒንቲ ደቂ ሰባት ርሑቕ ዚመስል ብእምነት ግን ሕብረትን ቅርበትን ኣለዎ።

በዓለ ትንሳኤ ነቲ ኣብ መንጐ ጸልማትን ብርሃንን ዘሎ ዶባት የመልክት፣ ነዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ብነጸብራቕ ብርሃን ክርስቶስ ዝበርሀት ለይቲ ኢሎም ብምጽዋዕ ብዛዕባኣ የስተንትኑ፣ ልክዕ ከምቲ ወርሒት እተጸባርቖ ድማ ንድንግል ማርያም ዘኪሮም የስተንትኑ።

"ከምቲ ወርሒ ንብርሃን ጸሓይ እተንጸባርቕ፣ ነቲ ምንጪ ዅሉ ህይወት ማለት ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ሓቀይና ኣምላኽን ሓቀይና ሰብን እያ እተመልክት" በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ማቲዩ እተን ነቲ ጥርሑ ዝነብረ መቓብር ኢየሱስ ዝረኸባ ኣንስቲ ካብቲ "ንእምነት ክፉታት ዝገብር ቅዱስ ፍርሃት" ዝመልአ ተዘክሮኦን ተብርጊገን ካብ ሞትን ጸልማትን ኪሃድማ ኸለዋ ብኸመይ ከም ዝተለወጣ ድማ የስተንትኑ።

ክርስትያን ምእመናን ነቲ ናይ መወዳእታ ትንሳኤ ኺጽበዩ ኸለዉ "እዚ 'መጻኢ' ትንሳኤ እዚ ምስቲ ድሮ ዝተፈጸመ ምሥጢር ማለት ምስጢረ ትንሳኤ ኣብ ህይወት ኣማኒ ብጸጋ ዚዓዪ ትንሳኤ ኺሓብሩ ኣለዎም" በሉ። ኣብቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እቲ ሓድሽ ህይወት ዋላ እውን ብፈተና እኳ እንተ ሓለፈ፣ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ" እውን በሉ።

ብፁዕ ካርዲናል ማቲዩ ምስቶም ኣብ ኢራን ዝነበሩ ላቲናዊ ሥርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምእመናን ልባዊ ቅርበት ከም ዘለዎ እውን ገለጹ፣ ከመይሲ ነታ እንደገና ኣካላዊ ምቅርራብ ዝረኽቡላ መዓልቲ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ።

ብፁዕ ካርዲናል ማቲው ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ተህራን "ኣብ ክርስቶስ ብህያው ምትንስሳርን ቅርበትን ዘሎና ርሕቀት ተቐዪሩ እዩ" ክብሉ መልእኽቶም ደምደሙ። "ከም መጓሰ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ኽሳዕ እንእከብ ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብርን ዝሕልወናን ዚመርሓናን ንሱ ጥራይ እዩ” ድማ በሉ።

08 Apr 2026, 11:37