ድለ

2026.04.02 ordine di Malta Lebano 2026.04.02 ordine di Malta Lebano  (Ordine di Malta)

ሥርዓት ማልታ፣ ንደቡባዊ ሊባኖስ ቀጻሊ ሰብኣዊ ደገፍ ከም ዝገብር ዘሎ የረጋግጽ

ኣቦ መንበር ማሕበር ስርዓት ፈረሰይናታት ማልታ፣ ሃገረ ሊባኖስ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ከባቢ በይሩት ኣብ እትርከብ ዓይን ኤል-ረማኔህ ዝተኣከቡ ዓሰርተታት ከንቲባታትን ተወከልቲ ኣቝሻት ደቡባዊ ዶባት ሊባኖስን ሕጅን ኣብ መጻእን፣ ሰፊሕን ብዘይ ቅድመ ዅነትን ደገፍ ከም ዝህቡ ተመባጺዖም ኣለዉ። ማርዋን ሰህናዊ "ስቓይኩም ናትና እዩ። ትብዓትኩም ድማ የተባብዓና እዩ" ክብል ኣመልከተ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከቡ መራሕቲ ኣቝሻት ዶባት ናብ በይሩት ምብጻሕ ኣካይዶም፣ "ጸገማትን ምጥርጣራትን እናሃለወ ኽነሱ እቲ ብዕለት 2 መጋቢት ዝጀመረ ኲናት ከም ብሓድሽ ናብ በይሩት ደብዳባት ኣኸቲሉ የርከብ ኣሎ። ኣብ መንጎ ሂዝቦላህን እስራኤልን ዝካርየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዜስግእ ኩነታት ብምዃኑን እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉን ኣብዚ እዋን እዚ ዓሰርተ ከንቲባታትን ተወከልቲ ደቡባዊ ኣቝሻትን ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 31 መጋቢት ካብ ራሚች፡ ዓይን፡ ኢበል፡ ቅዋዛ፡ ያሩን፡ ኣልማ፡ ኣል-ሻዓብ፡ ጀይዴት፡ ማርጃዩን፡ ክሊያያን ዝመጹ ናብ ርእሰ ኸተማ በይሩት ምብጻሕ ኣካየዱ።

ኣቦ መንበር ሥርዓት ማልታ ኣብ ሊባኖስ ማርዋን ሰህናዊ "ትብዓት ዝመልኦ ተግባር" ክብል ድማ ይገልጾ። ሥርዓት ማልታ ኣብ ሰሙን ሕማማት ካብ ጸልማት ናብቲ ትንሳኤ ዝህበና ብርሃንን ተስፋን ንኽሰግሩ ተኣኻኺቦም ኣብ ነዊሕ እዋን ኣብ መሬቶም ጸኒዖም ንኽጸንሑን ክብረት ዝመልኦ ናብራ ንኽነብሩን ዘኽእሎም፣ ናይ ትሕትና ጻዕርታት ከም ዘካየዱ እውን ኣፍሊጡ።

ዘይነቓነቕ ሓድነት

ካብ 1953 ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ሊባኖስ ዝርከብ ሥርዓት ማልታ ካብ 1980 ኣትሒዙ እውን ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ንጥፈታቱ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ እተፈላለየ ማሕበራውን፡ ክንክን ጥዕና ንደቂ ኣንስትዮ፣ ክንክን ጥዕና ዝህባ ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካትን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ልብን፡ ኣገልግሎት ምግብናን ከምኡውን ኣብ "ሕርሻን ሰብኣዊ ምዕብልናን" ዘጠቓልል ውጥናትን ወፍርታትን ይገብር ኣሎ። እቲ ሥርዓት ነዚ ጻዕርታት እዚ "ብዝዀነ ይኹን ዋጋ" ከስፍሖ ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። ሓደ ኻብቶም ወለንተኛታት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ደቡብዊ ክፋል እታ ሃገር ብዘጋጠመ ደብዳብ ቦምብ ተቐቲሉ ኣሎ።

ዝሃለፈ ሰሉስ "ምንቅስቓሳት ሃብትን" ከምኡውን ናይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ስጕምትታት ተኣዊጁ ድማ ኣሎ። ማርዋን ሰህናዊ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ዓበይቲ ዓዲ "ኣብ ዝኸድናሉ ዘበለ ድምጽኹምን ምስክርነትኩምን ድሌታትኩምን ንምግላጽ ቈራጽነት ዝገበሩ ከም ኣምባሳደራትኩም ክትቘጽሩና ትኽእሉ ኢኹም" ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።

ገምጋም ግድነታት

ብንጹር ክርአ እንከሎ ኣብ መወዳእታ ጽምብላት በዓለ ትንሳኤ ብናጻ ክኢላታት ዝቘመ ኮሚተ ክምስረት ኢዩ። ምስ መራሕቲ ናይቲ ኸባቢ ብምትሕብባር ድማ "ብግቡእ እተዳለወ ቀጻልነት" ዘለዎ መደብ ንምድላው ክዓዪ ኢዩ። ማርዋን ሰህናዊ ከም ዝገለጾ፣ "ብሓቂ ዅሉ ነገር የድልዮም እዩ" ይብል፣ ግንኸ እቲ ሸቶ ካብ ህጹጽ ምላሽ ሓሊፉ ንደቡባዊ ኣቝሻትን ማሕበረሰባትን ናይ ነዊሕ ግዜ ርእሰ-ምምሕዳር ምርግጋጽ ኢዩ፣ "ምኽንያቱ ሓደ መዓልቲ እዚ ውግእ ክውዳእ ኢዩ" ብምባል እውን ኣመልከተሎም።

ኵሉ ነገር ገና ክግለጽ ኣለዎ፣ እንተዀነ ግን እተፈላለየ መገድታት ይፍጠር ኣሎ - ንሕክምናዊ-ማሕበራዊ ማእከላት ዝሓሸ መሳለጥያታትን ክንክንን ብምድላው፣ ንተቐማጦ እቲ ከባቢ ብፍላይ ንኣረጋውያንን ስንኩላንን ሰፊሕ ሓገዝ ንምሃብ ምቕጻልን ምስፋሕን ኣድላዪ ኢዩ በለ። ወሲኹ ድማ "ድሕሪ እዚ ውግእ እዚ፣ ቍጽሪ ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከም ዚውስኽ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ" ድሕሪ ቢሉ ድማ፣ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ሥርዓት ማልታ ነዚ ኩነታት ክበድ ከም ዘለዎ ገለጸ። ስራሕ ንማሕበረሰብ ኣብ መሬቶም ንምቕጻል ወሳኒ ረቛሒ ስለ ዝዀነ፣ ዳግመ ህንጸትን ስራሕን ንምርግጋጽ ሲቪላዊ ወይ ፍሉይ ናይ ትምህርቲ ውጥናትን መደብትን ምውጻእ ኣድላዪ እዩ ክብል እውን ኣስፊሑ ገለጸ።

ማርዋን ሰህናዊ ብምቕጻል፣ "ትብዓት እምነት ክህልወና እምበር፣ ተስፋ ክንቈርጽ የብልናን፣ ንምሕጋዝ ድማ ኵሉ ነገር ኣብ ከነወፊ ኣሎና" ክብል ደምደመ።

08 Apr 2026, 11:39