ድለ

2026.05.21 Membri della Presidenza della Commissione degli Episcopati dell'Unione Europea (COMECE) 2026.05.21 Membri della Presidenza della Commissione degli Episcopati dell'Unione Europea (COMECE)  (@VATICAN MEDIA)

ጳጳሳት ኤውሮጳ ብዛዕባ መጻኢ እታ አህጉር ኣንጻር ሕዝባዊ ምውጋንን ውግእን ዝርዝር ራእያት ይገልጹ

ኣቦ መንበር ሽማግለኤ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ዕለት 22 ግንቦት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገበርዎ ኣኼባን፣ ኣብ ቀውዒ 2027 ዓ.ም. ዝሕተም ሓድሽ ሰነድ "ዳግመ እማሜ ኣውሮጳ" ንምቕራብን ሓሳባቶም ኣካፊሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ጳጳስ ማሪያኖ ክሮቺያታ ኣቦ መንበር ሽማግሌ ኣኼባታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ኣብ ሳላ ማርኮኒ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ደድሕሪ እቲ ትማሊ ንግሆ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝገብርዎ ርክብ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ የመላኽቱ፦

"ናይ ሎሚ ኣኼባና ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ እተመያየጥናሉ ጕዳያት፣ ቅኑዕን ቀጥታውን ግሉጽነት ዝነበሮን ኢዩ ዝንበረ። እቲ ቐንዲ መዘኻኸሪ ኣብ መንጎ ዕዮናን ኣብ መንጎ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘስተምህርትዎን፣ ዝምስክርስዎን ዘለዉ ሥልጣነ ኣስተምህሮትን፣ ኣቕዋሞምን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ዝወስድዎ ዘለዉ ተበግሶታትን ድልዱል ስኒት እዩ ዝነበሮ ኢዩ" ክብሉ መስከሩ።

ምድኻም ተልእኾታት ሕብረት ኣውሮጳ

ብፁዕ ኣቡነ ክሮሺያታ ከም ዘመልከትዎ፣ "ሕብረት ኤውሮጳ ከም መጠን ውጥን ሰላም እዩ ተወሊዱ፣ ሰላም ከኣ ኣብ ሱሩን መንነቱን ዘሎ ኣምር እዩ። ስለዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብግልጺ ዘመልከትዎ፣ ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን ዘተ ንምድንፋዕ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ" በሉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ኣቦ መንበር ሽማግለኤ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝገለጽዎ፣ ንተልእኾ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዛ ሓያል ምክፍፋል ዝመልኣ ዓለም፣ "ብሰንኪ ሕጽረት ሓድነት ከም ዝተዳኸምን፣ ብምኽንያት ሕዝቢ ዘወገነ ፖለቲካዊ ኣቕተም እውን ይምህምን ከም ኣሎ" በሉ።

ንክብርታት ምትብባዕ

ንብፁዕ ኣቡነ ክሮሺያታ፣ "ቃላት ወንጌልን ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያንን፣ ኣብቲ ሎሚ ዘገድሰና ዘሎ ጕዳያት ዝውዕል ዘሎን" መሰረታዊ ጉዳይን እዩ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፣ እዚ ቐንዲ ነጥቢ ምዃኑ ኣትሪቶም ተዛረቡ፣ "ኣብዚ መዳይ እዚ ብፍርሂ ምቾት ወይ ካብኡ ዝገደደ ብምኽንያት ፖለቲካዊ ምርጫታት ንድሕሪት ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና። ዕዮና ካብ ምክፍፋልን ብዙሕነትን ምውጋን ውሑዳንን ሓሊፉ፣ ንደቂ ሰብን ንኣውሮጳን ንምግልጋል ክብርታት ንምድንፋዕ ዝዓለመ እዩ" በሉ።

ኣቡነ ክሮሺያታ ወሲኾም፣ ጳጳሳት ሕብተት ኤውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀውዒ 2027 ዓ.ም. ሓድሽ ሕታም "ዳግመ እማሜ ኣውሮጳ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሰነድ ንምስንዳው ዝቐረበ ሓሳብ ኣመልኪቶም እውን ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሕረብዎ እሜሚ ኣጕልሑ።

ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14
ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14   (@VATICAN MEDIA)

እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣስታት 300 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ዝዝትይሉ ናይ መጀመርታ ሕታም ኮይኑ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሑ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ፣ እዚ ድማ ፖለቲካውያን ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮጳን፡ ኣባላት ሃገራቱን፡ ምሁራት ሊቃውንትን፡ ተወከልቲ ኣብያተ-ክርስትያንን ዝርከብዎም ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ።

ወሲኾም ድማ፣ "እዚ ፍጻመ እዚ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣውሮጳን ዓለምን ብሓፈሻ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ንምስትንታንን ንምይይጥን ኣገዳሲ ህሞት ክኸውን ኢዩ" በሉ።

ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን

ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ዲጆን ብፁዕ ኣቡነ ኣንትዋን ሄሩዋርድ ከም ቀዳማይ ምኽትል ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ብወገንሮም፣ ብዛዕባ ኣህጉር ኤውሮጳ "ኣብ ሓድነትን ሰላምን እተመስረተ" ሓሳባት ኣካፈሉ።

"ዘተን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን ንምድንፋዕ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ነዚ ኵነታት እዚ ምፍጣር ካብ ሕግታትን ተቕዋማትን ንላዕሊ ሓላፍነት ዝሓትት እዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ኣብዚ ነጥቢ እዚ፣ እዞም ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣውሮጳ ብብዙሓት ካልኦት ሃገራትን ኣህጉራትን ትጽቢት ይግበራለ ከም ዘሎ ውን ኣትሪሮም ተዛረቡ፣ "ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተኸሲቱ ዘሎ ውግኣት ዝመልኦ ታሪኻዊ ህሞት" ድማ እዚ ኣገዳስነት ኣለዎ ክብሉ ተላበዉ።

ከም ቤተክርስትያን መጠን ክንነብርን ክንምስክረሉን ዝተጸዋዕናሉ ሓቂ ምዃኑ እውን ገለጹ። "ንሕና ፖለቲከይናታት ኣይኰንናን፣ ፖለቲካዊ ውጽኢት እውን ኣይንስዕብን ኢና፣ እንተዀነ ግን ገሊኡ መሰረታዊ ስርዓታት ምስ ውጥን ኣውሮጳ ከም ዝሰማማዕ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና" በሉ።

ስደተይናታትን ንሓፋሽ ሕዝቢ ዘወገነ ፖለቲካን

ከምኡ ውን ምክትል ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ  ቼስላቭ ኮዞን ናይ ሰበኻ ኮፐንሃገን ብወገኖም፣ ኣብ ኵነታት ስደተይናታት ኣተኲሮም፣ "እቲ ዘሕዝን ግን፣ ስደተይናታት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ምኽኒት ወቐሳ ናይ ካልኦት ሰባት ከም ዝኾኑን ከምኡ ውን ከም ጸረ ሕብረተሰብ ኮይኖም ከም ዝቐርቡን" ዝተሰምዖም ጓሂ ገለጹ።

"ጕዳይ ስደት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኢዩ፣ ኣጸቢቑ ዝፍለጥ ግን ብተዛማዲ ሓድሽ ዝመስል ነገር እቲ ንሓፋሽ ሕዝቢ ዘወገነ ፖለቲካዊ ኣቕዋም ኮይኑ ንብዙሓት ሕብረተ-ሰባት ናብ ስግኣት ከም ዝኣትዉ ዝገብሮም ዘሎ መገዲ ኢዩ" በሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ኮዞን ወሲኾማ፣ "ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ሰሜናዊ ኣውሮጳ እትርከብ፣ ብዓብዪኡ ብሰብኣዊ ምኽንያታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ከም ህያው ክፍሊ ቤተ-ክርስትያን መጠን ተቐባልነት ብዝረኸቡ ስደተኛታት ዝቘመት እያ" ብምባል ኣዘኻኸሩ።

እዞም ሊቀ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ህላወኦም "ከም ሃብታም ህላዌ ጌርካ እዩ ዝርአ፣ ገሊኡ ሰበኻታት ኪጠፍእ ኣብ ዚኽእለሉ ኵነታት፣ ምምጻእ እዞም ስደተይናታት ሓድሽ ህይወት ከም ዝፍጠር ገይሩ ኣሎ” ክብሉ እውን መስከሩ።

"በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ሃገራት እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ከም ምዃንና መጠን፣ ምስ ስደተኛታት ደው እንብል፣ እንተ ወሓደ ኽልተ ምኽንያታት ኣሎና፣ በቲ ሓደ ሸነኽ ሰብኣዊ ምኽንያታት እንክኸውን፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ናይ ሓቀይና ህላዌ ቤተ-ክርስትያን ምኽንያታት ኢዩ" በሉ።

22 May 2026, 09:44