ድለ

2026.05.20 ጳጳሳት ኦቻይና ኣብ ጉዋም ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ 2026.05.20 ጳጳሳት ኦቻይና ኣብ ጉዋም ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ  

ጳጳሳት ኦቻይና ኣብ ጉዋም ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ

ፈደራላዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዞባ ኦቻይና ኣብ ጉዋም ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ሓድሽ ጊልያነትን ስደትን ሕንጸትን ሓዋርያዊ ጉስነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም እተመያየጠ ዜና ቫቲካን ናይ ዞባ ኦቻይና ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ኦቻይና ዝመጹ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ካብ ዕለት 18 - 20 ግንቦት ኣብ ጉዋም ተኣኪቦም ብዛዕባ ዘመናዊ ጊልያነት፣ ስደትን መጻኢ ኣገልግሎት ኣብ ኦቻይናን ሓዊሱ ዞባዊ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ፈደራላዊ ጉባኤ ካቶሊካውያን ዞባ ኦቻይና (FCBCO) ፈጻሚት ሽማግለ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ጌራ ንዝተቓልዑ ስደተይናታት ሰራሕተይናታት ክትድግፍን ኣብ መላእ ዞባ ክቡርን ሰብኣውነት ሚዛን ዘለዎ ስደት ከተዕቢ ከምእትኽእል ዝገምገመ እውን ምዃኑ ናይቲ ጳጳሳዊ ጉባኤ ወግዓዊ መግለጺ ተወኪሱ የመላኽት።

እቲ ቀንዲ ኣትኵሮ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብዚ ቐረባ ኣዋን ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ብዛዕባ ሓድሽ ጊልያነት ሓደጋታት ኣብ ገጠራትን ዞባታትን ዘጋጥሞም ግዝያዊ ስደተተይና ሰራሕተይናታት ዘቕረቦ ሕቶ ከም ዝነበረን

ብፍላይ እቶም ጳጳሳት ነቲ ንመሰላትን ድሕንነትን እተመዛበሉን ማሕበረሰብ ስደተይናታትን ዝጣበቕ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኦቻይና ዝከታተል መርበብ ዘለዎም ቀጻሊ ደገፍን ተወፋይነትን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጭቡጥ ዘጋጥም ዞባዊ ብድሆታት ዘማእከለ ዘተ

እቲ ምይይጥ ብዛዕባ እቲ ስደት ኣብ መበቈልን ዘአንግድን ሃገራት ዘሕደሮ ሰፊሕ ጽልዋ፣ ከምኡ'ውን ጉስነታዊ ክንክንን ህንጸት ምእመናን ካህናትን ጳጳሳትን ንምድልዳል ዘኽእል ሜላታት እውን ከም ዝመመየን ብተወሳኺውን ተሳተፍቲ ኣብ መላእ ሰፊሕ መልክዓ ምድሪ ኦቻይና ርክብ ንምዕቃብ ስነ ኣሃዛዊ መራኸቢ መሳርሒታት ምጥቃም ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዘጒለሐን፡ ቤተ - ክርስትያን ንዓለምለኻዊ ብድሆታት ከባቢያዊ - ምህዳራዊን ማሕበራዊ ምጕዳል ፍትሕን ብኸመይ ምላሽ ክትህብ ከም እትኽእል እውን ከም ዘስተንተነን

እቶም ተጋባእያን ጳጳሳት እቲ ኣብ መበል 17 ዘመን ኣብ ጓም ናይ እምነት ሰማእት ዝኾነ ኢየሱሳዊ ካህን ልኡካነ ወንጌል ተወላዲ ስጳይና ብጹዕ ዲየጎ ሉዊስ ደ ሳን ቪቶረስ ኣብ እትወፈየ መካነ ንግደት ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ የረጋግጽ።

ንመጻኢ ብእምነት ምጥማት

ብተወሳኺ፡ እቶም ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ 2028 ኣብ ሲድነይ ንኽካየድ ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን፡ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ተሳትፎ መንእሰያት ዕቝባ ኣገልግሎት ደቀባት ከምኡውን ኣከባብያዊ ክንክንን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን እቲ ካብ ዕለት 18 ግንቦት - ዕለት 20 ግንቦት ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ልዕሊ 1,000 ምእመናን ኣሳቲፉ ኣብ ዱልሰ ኖምብሬ ደ ማሪያ ካቴድራል - ባሲሊካ ብዝዓረገ መስዋእተ ቅዳሴ ከም እተዛዘመን ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ሊቀ ጳጳሳት ኺመነዝ

ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት እታ ኣብ ኦቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "ሓድነት" "ትብዓት ዝመልኦ ምስክርነት" ከምኡውን "ዘይፍትሓውነትን ምህዳራዊ ቅልውላውን እናኣጋጠመ ኽነሱ ትንቢታዊ መጋቢት ፍጥረት" ክትከውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ናይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ወግዓዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

21 May 2026, 15:36