ድለ

ጳጳስ ሃይቲ መራሕቲ ዓለም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ ጳጳስ ሃይቲ መራሕቲ ዓለም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ 

ጳጳስ ሃይቲ መራሕቲ ዓለም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክሕግዙ ጻውዒት የቕርቡ

ኣብ መንጎ ዓመጽ ጕጅለታት፡ ሰፊሕ ድኽነትን፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ትካላውን ፖለቲካውን ቅልውላው፡ ናይ ሃይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኣንሰ-ኣ- ቬው - ሚራጎኣነን ጳጳስ ፒየር - ኣንድረ ዱማስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ሃገር ካሪብያን ክሕግዝ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብኹሉ ሰብ ዝተረሰዐት ሃይቲ ተስፋኣ ኣብ ጸሎት ከም ዝኾነ ናይ ሓይቲ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኣንሰ-ኣ- ቬው - ሚራጎኣነ ጳጳስ ፒየር-ኣንድረ ዱማስ ምስ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ብዙሕ ግዜ ናይ ጸሎት ደገፍ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፡ "ህዝብና ዋላ ሓደ ዝግደሰሉ ሰብ  ዘይብሉ ንዓመታት ኣብ ከቢድ ስቓይ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ዓለም ብጸሎት ኣቢላ ምስ ሃይቲ ጭቡጥ ሓድነት ብምግባር ክትሕግዛ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ውልቀ - ሰባት፣ ቍምስናታት፣ ትካላት፣ ኣባይቲ ስድራን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበረሰባትን ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ንሃይቲ ኪእከቡ ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ" እንክብሉ ምስጋናኦም የቕርቡ።

ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝነቅል ጻውዒት

እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ንሓያሎ ዓመታት ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጻውዒት ከተቕርብ ጸኒሓ እኳ እንተ ነበረት፡ ምላሽ ግን ኣይረኸበትን። እቲ በብመዓልቱ ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ሰባት ዚቕትል ዓመጽ ናይ ገበን ጉጅለታት ክቱር ድኽነት ከምኡውን ዘይፍትሓውነትን ዘይማዕርነትን ዜምጽእ ሕዱር ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘተኵራ ኣህጉራውያን መንግስትታት ቀዳምነት ክህባ ኣይከኣለን - ቢሎም - ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኣህዛብ እቲ ዝበርትዐ ሓው ነቲ ዝደኸመን ዝቘሰለን ሓው ኪርስዖ ኸም ዘይክእል እኣምን እየ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ሃይቲ ዝካየድ ዘሎ ነገራት ክቃወሞ ኣለዎ። ሃገረይ ካብታ ኣብ ዓለም እትርከብ ሓያል ሃገር ተባሂሉ ዝንገረላ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናይ ሓደ ሰዓት ርሕቐት እዩ ዘለዋ። እንተዀነ ግን ንሕና ኣብ ጥቓኡ ክንሳቐ እንኮለና ንውግእ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ እያ እትሰልዕ። ሃይቲ ደጋዊ ድንጋጽ ዘይኮነ ጭቡጥ ሕውነት ኢያ እትሓትት ዘላ" እንክብሉ የጒልሑ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ስቓይ

መራሕቲ ዓለም፡ ንዓመታት ዝቐጸለ ስቓይ ህዝቢ ሃይቲ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም፡ “ዓመጽ ዕጡቓት ጕጅለታት ፍርሕን ሞትን ዕንወትን ይቕጽል ኣሎ። መብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት እያ ዘላ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ስድራ ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ይግደዱ ኣባይቶም ብሓዊ ይቃጸል ወይ ይዓንው። ህጻናትን መንእሰያትን ኣደዳ ዓመጽ ኮይኖም ኣብ ቀዋሚ ሃዋህው ዘይውሕስነት ይነብሩ” ኣለዉ እንክብሉ ይገልጹ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ሰብኣዊ ቅልውላው ኣሎ። ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ብጥሜት ኣብ ሓደጋ ሞት ከም ዝርከቡን መብዛሕትኡ ህዝቢ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረኽበሉ ዳርጋ የሎን፡ ምኽንያቱ ገለ ኣባይቲ ሕክምና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዕጡቓት ጉጅለታት ስለ ዝወደቓ፡ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተማሃሮ መሰል ትምህርቲ ተንፊግዎም ኣብ ከቢድ ስቓይ ይርከቡ ኣለዉ። እቲ ፖለቲካውን ተቕዋማውን ሸነኽ እውን ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ወዲቑ ይርከብ። መንግስታዊ ትካላት ኣብ ከቢድ ቅልውላው እየን ዝርከባ፡ ኣቡኡ ድማ ሰፊሕ ዘይምትእምማን፡ ዓሚቕ ብልሽውናን ዘይምርግጋእን እዩ ዘሎ። ሃይቲ ኣብ ጎድኒ ዓለም ሕልና ኩሉ ሰብ ክትንክፍ ዝግበኦ ቁስሊ እያ” ይብሉ።

ደገፍ ካብ ቅድስቲ መንበር

ከምዚ ዓይነት ስክፍታ ከም ንቡር ክውሰድ የብሉን - ቢሎም - ቅድስቲ መንበር ንእትፈትዎ ህዝቢ ሃይቲ ብዘይ ምቁራጽ እተቕርቦ ደገፍን ጻውዒት ሰላምን ኣመስጊኖም “ቅድሚ ሒደት መዓልታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14ን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ልኡኽ መንግስቲ ሃይቲ ዘካየድዎ ርክብ ንዓና ናብ ሰላም ዝወስድ ጭቡጥ ጻዕሪ ዝውክል እዩ። ንመጀመርያ ግዜ ንናጽነት ሃገርና ኣፍልጦ ዝሃበ ሃገር ቫቲካን እያ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።

ዓቢ ሕልሚ

ኣብ ልቢ ናይቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ሰላም ንምሽምጋል ዝገብርዎ ጻዒሪ ዝቃወሙ ጕጅለታት ካብ ዘውረዱሎም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምድሓኖም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ - ፍሎሪዳ ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዘዉ ናይ ሰበኻ ኣንሰ-ኣ- ቬው - ሚራጎኣነን ጳጳስ ዱማስ “ሓደ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሃይቲ ክበጽሑ ምርኣይ ዝብል ዓብይ ምንዮቶም ገሊጾም፡ ህላወኦም ዓሚቝ ሰላም ከምጽእ ከም ዝኽእል ርግጸይና እየ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

14 May 2026, 14:11