ድለ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ ንህይወት ሰብ ክኽበርን ሃገራዊ ሕዳሴን ይላበዉ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ ንህይወት ሰብ ክኽበርን ሃገራዊ ሕዳሴን ይላበዉ 

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ ንህይወት ሰብ ክኽበርን ሃገራዊ ሕዳሴን ይላበዉ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ፡ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሸለልትነትን እታ ሃገር ዘጋጥማ ዘሎ ግብረ ገባዊ ብድሆታትን ስክፍታኦም ብምግላጽ፡ ንኽብሪ ህይወት ሰብ፡ ፍትሕን ሃገራዊ ዘተን ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 23 ሰነ 2026 ብኣቦ መንበር ናይ ኪሱም ሊቀ ጳጳሳት ሞሪስ ሙሃቲያ ማኩምባ ዝምራሕ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኬንያ (KCCB) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኩሎም ጽላታት ሕብረተሰብ ድምጺ ህዝቢ ክሰምዑን ሰብኣዊ ክብረት ንምሕላው ብሓባር ክዓዩን ተማሕጸኖም፡ እቶም ጳጳሳት ነቲ ክርስቶስ “ኣነ ግና ህይወት ብብዝሒ ምእንቲ ኺረክቡ እየ ዝመጻእኩ” (ዮሃንስ 10 10) ብምጥቃስ ብመርኣያታት ጭውያ ሓደጋታት ማካይን ከምኡውን ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሓዘን ዜጕሂ ኻልእ ፍጻመታት ዝጠፍእ ዘሎ ሕይወት ኣዚዩ ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም፡ "ናይ ላዕለዎትን ሓያላትን ጥራይ ዘይኰነስ ህይወት ኵሎም ኬንያውያን ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ንመንግስቲ፡ ፍርዳዊ ኣካል፡ ህዝባዊ ባይቶ፡ ዞባታት፡ ወለዲ መራሕቲ ሃይማኖት ከምኡውን ናይ ትካላት ጽላት ክብረት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ማእከል ሃገራዊ ህይወት ከንብሩ ድማ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።

ኬንያ ምሉእ ኣኼባ ኣሜሴኣ ከተአንግድ እያ።

ጳጳሳት ኬንያ ካብ ዕለት 17 ሓምለ ክሳዕ 26 ሓምለ 2026 ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (CUEA) መበል 21 ሓፈሻዊ ኣኼባ ጉባኤ ጳጳሳት ምብራቕ ኣፍሪቃ (AMECEA) ከተአንግድ ምዃና ሓቢሮም፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ትሕቲ "ናይ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጉባኤ ጳጳሳት (AMECEA) ጉዕዞ ሲኖዳውነት ምስ መንእሰያት፦ ድልድል ናይ ሕብረት፣ ተስፋ፣ ፍትሕን ጽቡቕ ምምሕዳርን ምህናጽ" ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ተመሪሑ ዝካየድ ጉባኤ ካብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ልዕሊ 130 ጳጳሳትን ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህየትን ዘራኽብ ከም ዝኸውን ትጽቢት ይግበር።

እቶም ጳጳሳት ነቲ ፍጻመ "ናይ ጸጋ ህሞት" ከምኡውን ዞባዊ ሓድነት ንምድልዳል እምነት ንምዕማቝ ኣብ መንጎ ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታት ዘጋጥሞም መንእሰያትን ማሕበረሰባትን ናይ ቤተ - ክርስትያን ጒስነታዊ ተልእኾ ንምሕዳስ ኣጋጣሚ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን ኵሎም ካቶሊካውያንን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ብጸሎትን ተሳትፎን ነቲ ኣኼባ ኺድግፍዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ ጠቒሱ ይሕብር።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸም ዓመጽ

ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ናዕቢ ኣብያተ ትምህርትን ባርዕን ሓዊሱ ኣብ ኡቱሚሺ ኣብ ስነ ትምህርቲ ማእከል ዘጋጠመ ዘሕዝን ባርዕ መደቀሲ ተመሃሮ ሓዊሱ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብምዝካር፡ ነቶም እተጐድኡ ኣባይቲ ስድራ ቅርበቶም ብምርግጋጽ እቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተተንከፉ ኩሎም ትምህርቲ ንውሁድ ሰብኣዊ ሕንጸት ክኸውን ከም ዘለዎ ዘጒልሕ እዩ - ቢሎም - "እዚ ዜሕዝን ፍጻመታት እዚ ኣብ ሰብኣውን ስነ - ምግባራውን ኣሰራርሓ ዓሚቝ ቅልውላው ምህላዉ ዜርኢ እዩ። ኣብያተ - ትምህርቲ ድማ ቈልዑ ሓላፍነትን ምይይጥን ንህይወት ኣኽብሮትን ዚመሃሩሉ ቦታ ኪኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ንወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ዘለዎም ኣገዳሲ ግደ እንደገና ክመልሱ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ድልዱል ናይ ምኽርን ምቁጽጻርን መደባት ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብተወሳኺውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ምምሕዳር ትምህርታዊ ትካላት ኣብ እምነት እተመስረተ ድጋፍ ዘቕርቡ ኣካላት በብቝሩብ ምውጋድ ከም ዘተሓሳስቦም ድማ ገሊጾም፡ ሓላፍነት ዝስምዖም ዜጋታት ንምምዕባል መንፈሳውን ስነ - ምግባራውን ስልጠና ኣድላዪ ምዃኑ ኣጽኒዖም ከም ዘዘኻኻሩ ናይ ኬንያ ጉባኤ ጳጳሳት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ቦታታት ኣምልኾ ዝፍጸም ዓመጽ

እቶም ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኩሎም ቅዱሳን ዝተኻየደ ጉባኤ ብኣባላት ዓመጽቲ ጕጅለታት ዝተፈጸመ ናዕቢ ኣበርቲዖም ብምኹናን ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ህዝባዊ ኣኼባታትን ዝወርድ መጥቃዕቲ መዋቕራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ስኒትን ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ኣጠንቂቖም፡

ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንቕዱስ ቦታታት ከም ዜርክስ ገሊጾም፣ ናይ ኣምልኾ ጉባኤን ምጥርናፍን ናጽነት ድማ ዝያዳ ክኽበር ተማሕጺኖም፡ ኣብ መደምደምታ ኬንያ ናይ ምሕዳስን ናይ ምልዋጥን ክእለት ምትእምማን ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ነታ ሃገር ንማላድነት  ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ብምሃብ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ፍትሕን ሰላምን ምይይጥን ሓባራዊ ጥቕምን ንምድንፋዕ ምስ ህዝቢ ኬንያ ሓቢራ ንኽትጓዓዝ ዘለዋ ቘራጽነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ኬንያ ጠቒሱ የመላኽት።

25 Jun 2026, 16:56