ድለ

መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣየርላንድ ንጸረ ሃይማኖት ምስልምና ተግባራት ይኹንኑ መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣየርላንድ ንጸረ ሃይማኖት ምስልምና ተግባራት ይኹንኑ 

መራሕቲ ቤተክርስትያን ኣየርላንድ ንጸረ ሃይማኖት ምስልምና ተግባራት ይኹንኑ

ምእመናንን ጳጳሳትን ካቶሊካዊትን ኣንክግሊካዊት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኣየርላንድ ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ክኽበር፡ ንማሕበረሰብ ኣስላም ርሕራሄን ቅርበን ብምርግጋጽ፡ ሃይማኖታት ንሰላም እምንበር ንዓመጽ ዝድርኻ ክኾና ከም ዘይግባእ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣየርላንድ ናይ ኣርማግ ሊቀ ጳጳሳት ኢሞን ማርቲንን ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳሳትን ጆን ማክዶወልን ነቲ ተግባር "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ" ብምባል ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘጋጠመ ናዕቢ ውጥረት ከጋድዶ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

እቶም ክልተ ሊቀ ጳጳሳት ኦል ኣይርላንድ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ጸብጻብ ወንጌል ኬስተንትኑ ኸለዉ የሱስ ንሰዓብቱ ነቶም ብሃይማኖትን ባህልን ካባታቶም እተፈልዩ ኺጻወሩ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ጐረባብቶም መጠን 'ኬኽብሩን ኪከናኸንዎምን ኬፍቅርዎምን" ከም ዚመሃሮም፡ ድሕሪ'ቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሃይማኖት ምስልምና ዘርክስ ዕንወት ዘስዓበን ንውልቀሰባትን ኣባይቲ ስድራን ርኡይ ጸገም ዘስዓበ ናዕቢ ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ኣስሚሮም፡ ንማሕበረሰብ እስላም ብጽዩፍ ምልክታትን ብእኩያት ሓይልታት ዓመጽን ምፍርራህ" ምስቲ ወንጌል ንምክብባርን ርሕራሐን ዘቕረቦ ጻውዒት ብቐጥታ ዝጋጮ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናጽነት ሃይማኖት ዝጥሕስ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቶም ክልተ መራሕቲ ኣቢያተ ክርስቲያን ንክርስትያንን "ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን" ቃላቶምን ተግባራቶምን ወይ ንሰላም ወይ ኣብ ዓመጽ ከመይ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ብጥንቃቐ ክምርምሩን መጋበርያ ሰላም ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኣምሳል እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ስለዝኾነ ክብርን ምክብባርን ርህራሄን ዝግብኦ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሳስቡ ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ሊቀ ጳጳሳት ማርቲንን ሊቀ ጳጳሳት ማክዶወልን መግለጺኦም ኣብ ዝዛዘሙሉ እዋን፡ ንኣባላት ማሕበረሰብ ኣስላም፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝነብሩን ዝሰርሑን ሰባት፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ብዝርከቡ ልዕሊ ዓቐን ዝኾኑ ሰባት ዘርኣይዎ ሰናይ ድሌትን ኣኽብሮትን ነረጋግጽ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

11 Jul 2026, 16:48