ድለ

VIETNAM-RELIGION-CHRISTIANITY-CATHOLIC VIETNAM-RELIGION-CHRISTIANITY-CATHOLIC  (AFP or licensors)

ካርዲናል ታግለ፦ ሰማእት ነዛ እተደናገረት ዓለምና ንሓቂ ኢየሱስ ንኽትፈልጥ ይሕግዝዋ

ልዑል ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ፣ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስበከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ብምኽንያት ኣዋጅ ብፅዕና ናይ ክቡር ኣባ ፍራንሲስ ኻቪየር ትሩዎንግ ቡ ዲየፕ ቨርናማዊ ካህን ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ እዚ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ህይወቱ ንመጓሰኡ ዘወፈየን ቬትናማዊ ካህን ዝፈጸሞ ክርስቲያናዊ ጅግንነት ጥቒሶም የስተንትኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ምስክርነትን ሰማእትነትን ክቡር ኣባ ፍራንሲስ ኻቪየር ትሩንግ ቡ ዲየፕ፣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፣ ፍቕሩ ንኽንእውጅ ዘቕረቦ ጻውዒት ምላሽ ክንህበሉ ይዕድመና ኣሎ፣ ክብሉ ብምምሕጻን ልዑል ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ኣብቲ ብዕለት 2 ሓምለ ኣብ ቬትናም ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅድሴ ተማሕጺኖም።

ክቡር ኣባ ዲየፕ ኣብ ደቡባዊ ቬትናም ኣብ እትርከብ ቶክ ሺዪ፣ ሰበኻዊ ካህን ኢዮም ዝንበሩ፣ ኣባ ዲየፕ ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ምእመናን፣ ህይወቱ ኽሳዕ ዘወፍየሎም ደኺመ ከይበለ ገዛዕ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ፣ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት ሓደገኛ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ ንመጓሰኡ ክሓድጐም ዘይተረኽበ ሰማእት ኢዩ።

ብ1946 ዓ.ም. ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብዘጋጠመ ዓመጻ፣ ምስ ካልኦት 70 ዝኾኑ ሰባት ሒዞም ዘፈራርሕዎምን ብህይወቶም እከለዉ ዘቃጽልዎም ጃፓናውያን ሚሊሽያ ተቐትለ። ክቡር ኣባ ዲየፕ ነቶም ዕጡቓት ሸፋቱ ኣብ ክንዲ ካልኦት ሓራ ንምውጻእ ገዛእ ርእሱ ኣወፈየሎም።

እቶም ህዝቢ ድማ ሓራ ወጹ፣ እቲ ብሰማእትነት ዝተቐትለ ሬሳኡ ድማ ጸኒሑ ኣብ ራህያ ተረኽበ ።

ልዑል ካርዲናል ታግለ ኣብ ስብከቶም፣ "ብፁዕ ፍራንሲስ ዣቭየር ትሩንግ ቡ ዲየፕ፣ ንድኻታት ናይ ኢየሱስ ልግስን ፍትሕን፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ዘይኮኑ እውን ከይተረፈ፣ እትሓቍፍ ፍቕሪ ኢየሱስ ከምኡውን ተኣማንነት ዝነበሮ፣ ነቲ መጓሰኡ ጠንጢኑ ብተዃሉን ሰረቕትን ዘመትትን ክብላዕ ዘይሓድጎም፣ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይበለን" በሉ።

ልዑል ካርዲናል ታግል ከም ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምዃን፣ ነቲ ስነ-ስርዓት ኣዋጅ ብፅዕና መርሕዎ፣ ኣብቲ ቅርያት ኣባ ዲየፕ ዚርከበሉ መካነ ንግደት ቶክ ሱዪ ድማ፣ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ካ ማው እዩ ዝተኻየደ።

ዓለም ተሰከምቲ ሓቂ የድልይዋ

ልዑል ካርዲናል ታግለ ኣብ ስብከቶም ወሲኾም፣ ሰማእት ምዃን ኪበሃል እንከሎ፣ ሰማእታት ብዛዕባ ክርስቶስ ኪምስክሩን ነቲ ሓቁ ከበስሩን፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ህይወቶም ኣብ ክንዳኡ ኽሳዕ ዝህቡ "ወገላውያን ልኡኻ ምዃን ማለት እዩ" ክብሉ እውን ኣስተንተኑ።

ሓቀይና ሰማእት ንሓንቲ እተደናገረት ዓለም፣ ሓቂ ኢየሱስ ንኽትፈልጥ ይሕግዛ። ዓለም ተሰከምቲ ሓቅን ሰማእታትን የድልይዋ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ልኡኻት ሓሶትን ጽልእን ምክፍፋልን ዓመጽን ንሕና እውስን ኣይነወስኸሉ" ክብሉ ድማ ልዑል ካርዲናል ታግለ ኣጠንቂቖም።

ብፁዕ ዲየፕ ነቶም ኬጥፍእዎ ዝደልዩ ዝነበኑ እኳ እንተ ዀነ፣ ብርሃን ክርስቶስ ብኸመይ ብትብዓት ከም ዘብርሀ ብምምስካር፣ እዚ ሰማእትነቱ ድማ ኣብ ህይወትና ኸምኡ ኽንገብር ከም ዚጽውዓና ኣጕልሑ።

ኣየናይ ኢና ኽንመርጽ ዘሎና፦ ናይ ሓሶት ዜና ንምዝርጋሕ ወይስ ትምህርትታት ኢየሱስ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ? ከምቲ ዘመናዊ ሞዳ ዘምጽኦ ፋሽን ክንክደንን ድዩስ ወላስ ከም ብልግስን ትሕትናን ኢየሱስ ዝምራሕ ባህርያት ክንሕዝ? ብዓለማዊ ዓወታትና ክንሕበን ወይስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ክንሕበን?" ክብሉ ድማ  ልዑል ካርዲናል ታግል ሕቶታት ኣቕረቡሎም።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ቨትናም
ካርዲናል ታግለ ኣብ ቨትናም   (AFP or licensors)

ንጻውዒት የሱስ ምላሽ ሃብ

ልክዕ ከምቲ ብፁዕ ኣቦ ዲየፕ ዝገበሮ፣ "ሓደ ወደ መዝሙር ንኢየሱስ ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅሮን፣ ምስኡ ኸም ዚነብርን፣ ኣብ ስደቱ ኸም ዝካፈልን" ኣጕልሑ። ስለዚ፣ እዚ ሓድሽ ብፁዕ እዚ "ንጽውዓ ኢየሱስ ክንቅበል፣ ንኢየሱስ ክንመርጽ፣ ብቃል ኢየሱስ ክንጸንዕ፣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ድማ ንስም ኢየሱስ ክንምስክር" ይዕድመና ኣሎ።

ልዑል ካርዲናል ታግለ ኣስዒቦም፣ "ብብልሽውና ሃብታም ወይ ድኻ ግን ከኣ ሓቀኛ ምዃን እንታይ ኢና ኽንመርጽ እንደሊ? ንብረት ምእካብ ወይ ንድኻታትን ንስኡናትን ምክፋል? ናይ ገዛእ ርእስኻ ድሕንነትን ምቾትን ዲአን እንደሊ ወይስ ስቓይ ካልኦት ክንቅበል?" ክብሉ እውን ኣተሓሳሰቡ።

ተስፋኹም ኣብ ክርስቶስ ኣንብሩ

ኣብ መወዳእታ ልዑል ካርዲናል ታግል፣ ሓደ ሰማእት ምስ ክርስቶስ ዘለዎ ርክብ፣ ኣብ ትንሳኤኡ ብፍላይ ከኣ ስደት እኳ እናኣጋጠመ ኽነሱ፣ ብተስፋ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ኣስተንተኑ።

ብፁዕ ፍራንቸስኮ ኻቭየር ተስፋና ኣብ ኢየሱስን ኣብ መንግስቱን ጥራይ ክንገብር ይዕድመና ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ጥራይ እዩ ትርጉም ክህብናን፣ ኣብ ምድሪ ዘሎና ህይወትን ተልእኾናን ክንቕጽል ዘኽእለና ደኣ እምበር፣ ነዚ ሓላፊ መዝገብ ዓለም ኣይኰነን" ክብሉ ኣትሪሮም መስከሩ።

ኣብ ምድራዊ ሃብቲ ወይ ኣብቲ ኣብ መንግስቲ ኢየሱስ ዘሎ ዘለኣለማዊ ሃብቲ ኽንውከል እንታይ ኢና ኽንመርጽ? ድሕሪ ቢሎም፣ ኣብ ዝና ኣብ ቍጽሪ ሰዓብትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወይ ኣብቲ ኢየሱስ ንሓዋሩ ምሳና ኸም ዝኸውን ዝኣተዎ መብጽዓ ዲና እንውከል? ክብሉ ብምሕታት እውን፣ ኣብ ኣጽዋር ውግእ ዲና እንውከል ወይስ ኣብቲ ኢየሱስ ዝሃበና ውህበት ሰላም?" ክብሉ ወሲኾም ኣተሓሳሰቡ።

ልዑል ካርዲናል ታግለ ኣብ መደምደምታ፣ ንኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ብፁዕ ዲየፕን ብምጽላይ፣ ከምኡውን ካብ ወንጌል ማቴዎስ ብምጥቃስ፣ "ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ተባሂሎም ኽጽዉዑ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም። ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም፣ ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ።

ካርዲናል ታግለ ኣብ ቨትናም
ካርዲናል ታግለ ኣብ ቨትናም   (AFP or licensors)
03 Jul 2026, 12:34