ድለ

ምርኢት ቅዱሳን ኣመሪካውያን ምርኢት ቅዱሳን ኣመሪካውያን  (©The National Shrine of Our Lady of Champion)

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 250 ዓመት ትመልእ፦ ምስ ቅዱሳንን ሃገራዊ ናይ ታስዕቲ ጸሎትን

ኣብ ዊስኮንሲን ዝርከብ ሃገራዊ መካነ ንግደት፡ ካብ ዕለት 1 ክሳብ 9 ሓምለ፡ ንሓድነትን ሕዳሴን ዝኸውን ናይ ታስዕቲ ጸሎትን፡ ሕይወት 76 ቅዱሳን ኣመሪካውያን ዘርኢ ምርኢትን ብምድላው፡ ሕዝቢ ኣመሪካ መዓልቲ ልደት ሃገሩ ከብዕል ይዕድም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 250 ዓመት ምምስራታ ኣብ እተብዕለሉ ዘላ ናይዚ ሰሙን መወዳእታ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ባህላዊ ንጥፈታት ክካየድን፡ ሃገራዊ መዛሙርን ክስማዕ እዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ማእከል እዚ ኵሉ ጽምብላት፡ ሓደ ካህን ነቲ ኣቓልቦ ናብ ጸሎትን ሓድነትን ይቕይሮ ኣሎ።

ኣብ ዊስኮንሲን ኣብ ዝርከብ መካነ ንግደት ናይ እኖና ቅድስቲ ማርያም ሓላፊ ዝኾኑ ኣባ ኣንቶኒ ስቲፈንስ፡ "ንሃገረ ኣመሪካ ዝኸውን ናይ ታስዕቲ ጸሎት ደሪሶም ኣለዉ። እዚ ካብ ዕለት 1 ክሳብ 9 ሓምለ ዘሎ ትሽዓተ መዓልታት፡ ምእንቲ ኣመሪካ ንምጽላይን ብኣማልድነት ድንግል ማርያም ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓድነትን፡ ቅድስናን፡ ሕዳሴን ንምርካብ ዝተወፈየ እዩ።

ካብ ዕለት 1 ክሳብ 9 ሓምለ ዝካየድ ምርኢት
ካብ ዕለት 1 ክሳብ 9 ሓምለ ዝካየድ ምርኢት   (©The National Shrine of Our Lady of Champion)

ካብ 50,000 ንላዕሊ ናይ ጸሎት ካርታታት ተሓቲሞም፡ ዓንቀጻት እውን ተጻሒፎም ኣለዉ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ሃገራዊ መካነ ንግደት፡ ንቅዱሳን፡ ብፁኣንን፡ ክብራንን፡ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔርን  ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝተወፈየ ፍሉይ ምርኢት የዳልዉ ኣለዉ።

ፍሉይ ኣገባብ ጽምብል

እቲ ኣብ ኣመሪካ ናይ መጀመርታን እንኮን ተፈላጥነት ዝረኸበ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝተገልጸትሉ ቦታ ዝኾነ— ሃገራዊ መካነ ንግደት ቻምፕዮን—ናይ ካቶሊካውያን ቅዱሳን ኣመሪካ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ እዩ። ኣባ ስቲፈንስ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ቅዱስ ቦታ "ኣብ መንጎ ምእመናን መንፈሳውነት ንምዕባይ" ዝዓለመ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ነቲ ቦታ ናይ ምምሃር ባህርይ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ነጋድያን ካብ ኵሉ ቦታታት ናብቲ ቅዱስ ቦታ ብምምጻእ፡ ብዛዕባ ታሪኹን ኣብኡ እንታይ ከም ዝተፈጸመን ይምሃሩ። ኣብ 1859፡ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኣደል ብሪስ ንዝተባህለት ቤልጅማዊት ስደተኛ ሰለስተ ግዜ ተገሊጻትላ ነበረት። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ግዜ፡ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ኣብዛ ዘይተለማመደት ሃገር ንቆልዑ ኣክብዮም፡ ንድሕነቶም ክፈልጥዎ ዝግበኦም ነገር ድማ ምሃሪዮም" ክትብል ኣዚዛታ ነበረት።

በዚ መሰረት፡ እዚ ምርኢት ዝተጀመረ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተገብረ ሓደ ኣኼባ እዩ፦ “ንመበል 250 ዓመት ልደት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንታይ ፍሉይ ነገር ክንገብር ንኽእል?” ዝብል ነበረ። ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክለዋወጡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ “ብዛዕባ ሕይወት ቅዱሳን ካቶሊካውያን ኣመሪካውያን ገለ ነገር ንግበር” ዝብል ሓሳብ ድማ ቀረበ።

ካብኡ ብምብጋስ፡ እቲ ሓሳብ እናዓበየ ብምኻድ፡ ካብ 76 ቅዱሳት መካነ ንግደታት ዝተዋጽኡ ስእልታትን፡ ቅርያትን ሓበሬታታትን ቅዱሳን ኣመሪካውያን ኣብ ሓደ ቦታ ንምእካብ ተወጠነ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝጸንሐ ካቶሊካዊ ኣሰር ንምጉላሕ ዝዓለመ እዩ።

ኣባ ኣንቶኒ ስቲፈንስ፡ ከም ዘስመረሉ፡ “ካቶሊክነት ኣብዛ ሃገር ዓሚቝ ኣሰር ገዲፉ እዩ፤ ንሕና ካቶሊካውያን ድማ እግዚኣብሔር ንሃገርና ኣብ ዝሃባ ዝቕጽሉ ዓመታት ከነበርክቶ ዘለና ብዙሕ ነገር ኣሎ።”

ካብ ኵሉ ዓይነት ናብራ ዝመጹ

ካብታ ናይ ቀደም ኣገልጋሊት ዝነበረት ጁልያ ግሪሊን፡ ኒኮላስ ብላክ ዝተባህለ ናይ ሲዮክስ ባህላዊ ፈውሲ ዘሰናዱ ዝነበረ ሰብን፡ ክሳብ እታ ናይ ዓቢ ሃብቲ ወራሲት ዝነበረት ቅድስቲ ካትሪን ድሬክሰልን፡ እቶም ኣብቲ ምርኢት ዝቐረቡ ሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ናብራን ባህልታትን ዝመጹ እዮም።

ኣባ ስቲፈንስ ኣብ መግለጺኦም፡ እዚ እቲ ምርኢት ዘጉልሖ ዘደንቕ ነገር እዩ። “እዚ ኵላዊ እዩ፣ ካቶሊካዊ እዩ። ብዙሕ ግዜ ካቶሊካውያን ኣብ ምምስራትን ህንጸትን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዝገበርና ዝርድኣና ኣይመስለንን” ይብሉ።

ኣባ ኣንቶኒ ስቲፈንስ ቀጺሎም፡ እዚ ነገር እዚ ሠናይ ምዃኑ ብምእማን— “እዚ ናትና ስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስ ጸጋ ኣምላኽ ምትሕብባር ስለዝኾነ”— ኵላትና ቅዱሳን ክንከውንን፡ ኣብ ናይ ሎሚ ባህሊ ኣወንታዊ ጽልዋ ከነሕድርን ንኽእል ኢና” ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ስቲፈንስ፡ “ናይ ሕይወት ባህሊ ንምድንፋዕን፡ እምነት ዘለዎ ምርግጋእ ንምምጻእን ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ብዙሓት ነገራት ዘለዉ ይመስለኒ” ክብሉ እውን ኣተባቢዖም።

ገል ዝተኣከበ ቅርያት ናይ ቅዱሳን
ገል ዝተኣከበ ቅርያት ናይ ቅዱሳን   (©The National Shrine of Our Lady of Champion)

እቲ ኣብ ዊስኮንሲን ዝርከብ ሃገራዊ መካነ ንግደት፡ ካብቶም ኣብቲ ምርኢት ዝቐረቡ 76 ሰባት ናይ ዓሰርተው ኣርባዕተ ቅርያት ሒዙ ይርከብ። ካብዚኦም ድማ ቅድስቲ ፍራንሰስ ዛቭየር ካብሪኒ፡ ቅዱስ ጆን ሄንሪ ኒውማን፡ ብፁዕ ስታንሊ ሮዘር፡ ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታን፡ ብፁዕ ማይክል ማክጊቭኒን ይርከብዎም።

ኣብዚ እምነትን ሃይማኖትን ብሓፈሻ እና ጐደለ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ናይቲ ሃገራዊ መካነ ንግደት ሓለቓ ኣብ  እስቲፈንስ፡ ናይ ተስፋን ሕዳሴን ጩራ ከምዘሎ ይገልጹ። ኣብታ ሃገር ካቶሊክነት ብናህሪ የስፋሕፊሕ ከምዘየለ እኳ እንተኣመልከቱ፡ ኣብ እምነት ተገዳስነት ዘለዎም፡ ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝኣትዉ ወይ ናብ እምነቶም ዝምለሱ ሰባት ግን እናወሰኹ ይኸዱ ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

ኣባ ስቲፈንስ፡ “ኣብ ካቶሊክነት ሓድሽ ተገዳስነትን ናብ እምነት ዝምለሱ ሰባትን ከም ዝወሰኹ እዕዘብ ኣለኹ” ኢሎም። እቲ ቅዱስ ዝኾነ ቦታ መካነ ንግደት፡ ንሰባት ስሒቡ ካቶሊካውነት ንክረኽቡ ዓቢ ተራ ይጻወት ኣሎ። “ካቶሊካውያንን፡ ካቶሊካውያን ዘይኮኑን፡ ክርስትያን ዘይኮኑ—ከቶ ዘይተጠምቁ ሰባት እኳ ከይተረፈ—ናብዚ ንምምጻእ ከም ዝሰሓቡ ሰሚዐ ኣለኹ” ክብሉ እውን ገሊጾም።

ካብዚ ንዅሎም ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዝመጹ ሰባት ዘራኽብ ቅዱስ ቦታ ብምብጋስ፡ ኣባ ስቲፈንስ ኵሉ ሰብ መዓልቲ ልደት እታ ሃገር ብባርቢኪዩን (barbeques) ብጸወታታትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቶም ነዚ ናይ ታስዕቲ ጸሎት ዝጽልዩ ኣሽሓት ሰባት ብምዃን ብጸሎትን ኣስተንትኖን ከብዕልዎ ይዕድሙ።

 

 

 

03 Jul 2026, 13:36