ድለ

ኣኼባ ሪሚኒ፡ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኹላትና መነቓቕሒት እዩ ኣኼባ ሪሚኒ፡ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኹላትና መነቓቕሒት እዩ 

ኣኼባ ሪሚኒ፡ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኹላትና መነቓቕሒት እዩ

ሎሚ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣሳቲፉ ዝካየድ ማህበር ካህናት ሓድነትን ሓርነት ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 21 ነሓሰ ከም ዝጅመር ናይ ማሕበር ጉባኤ ሪሚኒ ኣቦ መንበር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ "ምርግጋጽ ዕብየትን ክብርን ደቂ ሰባት፡ ድሩትነት ደቂ ሰባት ከም ዘይሓንቕ እንታይ ደኣ ምስ ኢትኣላው ናብ ዘተ ከም ዝድርኸና ምፍላጥ፡ ኣብ ትርጉም ስራሕን ምርምርን ኣስተንትኖታት፡ ዝምድናዊ ሸነኽ ናይቲ ሰብ ዘዕቢ ህጹጽነት ርክብ" ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝድህስስ ምዃኑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሕመረት ኣኼባ ሪሚኒ 2026 ከም ዝኸውንን፡ ተሳትፎኦም ምንጪ ዓቢ ሓጎስ ድማ ምዃኑ ዕለት 8 ሓምለ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ነቲ ካብ ዕለት 21 – 26 ነሓሰ ዝካየድ መበል 47 ሕታም ብወግዒ ዘቕረበ ኣቦ መንበር ማሕበር ዓውደ ጉባኤ ሪሚኒ በርንሃርድ ሾልዝ ገሊጹ፡ ናይ ለምዘበብ ዓውደ ጉባኤ ሪሚኒ መርሕ ቃል “እቲ ንጸሓይን ንኻልኦት ከዋኽብትን ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ” ዝብል ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሓ ፍጻሜታት፡ ክትዓት፡ ስነ-ጥበባዊ ምርኢታት፡ ባህላዊ ንጥፈታት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ከምኡ’ውን ንመንእሰያት ዝኸውን ፍጻመታት ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ቀጥታዊ ፈነወ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መድረኻትን ብዝተፈላለየ ቋንቋታትን ክፍኖ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣስታት 500 ናይ ኢጣሊያን ዓለምለኻውን ኣካላት መደረ ዘስምዕሉ ልዕሊ 150 ዋዕላታት ክህልዉን እቲ ባህላዊ መደብ 13 ስነ ጥበባዊ ምርኢታትን 13 ባህላዊ ምርኢታትን ምርኢታትን ዘጠቓልል እውን ከም ዝኸውን ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዓውደ ጉባኤ ሪሚኒ

ብመሰረት ሾልዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ: ህጻናት: መንእሰያት: ተማሃሮ: ኣባይቲ ስድራን ንኣሽቱን ዓበይትን ክራኸቡ እዮም። ስለዚ "እቲ ኣብ ኣርእስቲ ናይዚ ኣኼባ ዝተገልጸ ዕላማ፡ንጸሓይን ንኻልኦት ከዋኽብትን ዘንቀሳቕስ ፍቕሪ፡ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዓቢይ ምጽንናዕ ከም ዝረኸበን ገለ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መድርኻት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘስመሩሉ፡ ንዝተፈላለዩ መዳያት ናይቲ ኣኼባ ዝምልከቱ እዮም። ዕብየት ወዲ ሰብን ክብሩን ምርግጋጽ፡ ድሩትነቱ ምስ ኢትኣላው ናብ ዘተ ከም ዝድርኽ እምበር ከም ዘይሓንቖ ምፍላጥ፡ ትርጉም ስራሕን ምርምርን ዝምልከት ዝምድናዊ ሸነኽ ናይቲ ሰብ ዘዕቢ ህጹጽነት ርክብ" ዝምልከቱ ኣርእስታት እንክብል የብርህ።

ቁስሊ ግብረ ሽበራ ዝፍውስ ምስክርነታት ዝቐርበሉ ዓውደ ጉባኤ ኮይኑ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14  ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝሕዝ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 22 ነሓሰ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ሰዓት 16:00 መደረ ከስምዑ እዮም። ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረ ኣብ ኩሉ ኣዳራሻትን ጽላታትን እቲ ምርኢት ብሓንሳብ ብክሱት ምስማዐ ርእየት ክመሓላለፍ እውን ምዃኑ ይሕብር፣ ኣካላት መንግስትን ትካላትን ዝሳተፍሉን መበል 80 ዓመት ምምስራት ሪፓብሊክ ኢጣሊያ፡ ክቡር ዋጋ ፖለቲካ ከም ሓባራዊ ሰናይ እውን ዝዝክርን ምዃኑ የመላኽት።

ኣብ ኣኼባ ሪሚኒ፡ ማእከልነት ሃይማኖታት

ተራ ሃይማኖት ኣብ ምዕባይ ሰላም ዘተኮሩን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝድህስስ ናይ ዘተ መድርኻት ከም ዝህሉን ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ዙፒ ሊቀ ጳጳሳት ቦሎይናን፤ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብቲ ኣኼባ ዝምለሱ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም፤ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ህየንተ ካርዲናል ኾሰ ቶለንቲኖ ደ መንዶንሳ፡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝክተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ክላውድዮ ጉጀሮቲ፡ ናይ ኣልጀርስ ሜጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ዣን ፖል ቬስኮ፡ ካልኦትን ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጹ ዓለም ውግኣትን ቁጠባዊ ዘይምርግጋእን ኣጋጢምዋ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ይፈጥር ምህላዉ ድማ ክዝረበሉ እዩ። እዚ ድማ ምስ ሰላምን ውድድር ኣጽዋርን ዝተኣሳሰሩ ኣህጉራዊ ጉዳያትን ንስነ ምርምርን፡ ስፖርትን ባህልን ቦታ እውን ከም ዝህሉ ሓቢሩ።  

10 Jul 2026, 11:34