ጳጳሳት ሞዛምቢክ፡ ሞት ጳጳስ ኦሶሪዮ ናይ ምሕዳስ መንገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንህዝብን ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ሞዛምቢክ ቅርበቶምን ደገፎምን ናብቲ ህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኮነስ ምስቶም ናይ ሞዛምቢካውያን ጳጳሳት ተራኺቦም ዘረጋገጽዎ ርኡይ ተግባር ምዃኑ "ኣብቲ እተኻየደ ርክብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ እንነብሮ ዘለና ክውንነት ክሳብ ክንደይ ንጹርን ምሉእን ሓበሬታ ከምዘለዎ ተገንዚብና” እንክብሉ ኣቦ መንበር ጳጳሳት ሞዛምቢክ ሊቀ ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውረ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ሞዛምቢክ ዕለት 6 ሰነ ንግሆ ዜና ቅትለት ጳጳስ ኦሶርዮ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዛ ነዚ መዓት ብዓሚቕ ሓዘንን ሻቕሎትን ክትሓልፎ ጸኒሓ እያ። ጉባኤ ጳጳሳት ንጳጳስ ኤስተቫኦ ኣንጀሎ ፈርናንዶ ናይ ኣልቶ ሞሎኩዌ ጳፓስ ንኹነታት ሃገረ ስብከት ኲሊማነ ከሰንዩ ድማ ውክልና ከም ሃቦም የመለኽቱ።
ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት
ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውረ ከምዝበልዎ፣ ብወግዒ፣ ብዛዕባ መቕተልቲ ጳጳስ ኦሶርዮ ኣፎንሶ ኩነታት ዝምልከት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ክሳብ ሕጂ ምሉእ ሓበሬታ ገና ከም ዘይቀረበ ገሊጾም፡ በተራ ንእሽተይ ሽጉጥ ዘይኮነስ ልዑል ደረጃ ብዘለዎ ብረት ከም እተቐትሉ ጥራሕ እዩ ዝፍለጥ።
ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ እቲ ሓደ ካብቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳስ ኦሶሪዮ ዝኾነ ጸሓፊ ኣቡን ሃገረ ስብከት ከም ዝተኣስረን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካልእ ካህን ኣባ ሴልሶ እውን ተኣሲሮም ኣለዉ፣ ናይ ኢድ ተለፎን ናይቶም ዝተቐትሉ ጳጳስ ኦሶሪዮን ጳጳስ ኤስተቫኦ ኣንጀሎ ፈርናንዶን - ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻ ኲሊማነ ኮይኖም ዝተመዘዙ - ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ጳጳስ ሳውረ ከም ዝበልዎ፡ ምሉእ መርመራ ኣብ ኢድ ሃገራዊ ኣገልግሎት መርመራ ገበን ሞዛምቢክ (SERNIC) እውን ምህላዉ የረጋግጹ።
"ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይረኸብናን። እቶም መሰረታዊ ሕቶታት ገና ከም ዘይተመለሱ ኣስሚሮም፡ ንጳጳስ ኦሶርዮ መን ቀቲልዎ? መን እዩ ነቲ ገበን ክፍጸም ዝኣዘዘ? እቲ ድራኸኸ እንታይ እዩ ነይሩ? ዝብሉ ገና መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት እያቶም” ይብሉ።
ስክፍታ ኣብ ልዕሊ ግምታት
እቶም ጳጳሳት ብተወሳኺ ኣብ ጋዜጣታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝዝርጋሕ ዘሎ ጸብጻባት እቲ ቅትለት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጥረ ውሽጣዊ ወጥሪ ጥራይ ምዃኑ ዝሕብር ስክፍታትት ዝገልጽ እዩ፡ ናይ ማፑቱ ሊቀ ጳጳሳት ዥዋው ካርሎስ እቲ ቅትለት ንምእመናን ኣዝዩ ከምዘናወጸን ብዙሓት ካብኣቶም ሓደ ጳጳስ ኣብ ገዛእ ገዝኡ ከመይ ጌሩ ክቕተል ይኽእል እንክብሉ ይሓትቱ - ቢሎም - ኣብ ሞዛምቢክ፡ መርመራታት ገና እናተኻየደ እንከሎ፡ ግምታት ክቕልቀል ልሙድ ከምዘይኮነን፡ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓድሓደ ግዜ ነቲ ህዱእን ዕላማውን ምድላይ ሓቂ ዘዳኽም ጭብጢ ዘይብሉ ሃልዮ የስጉሙ ከምዘለዉን ድማ ይሕብሩ።
ንቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሳ ንኽትፍትሽ ዝቐረበ ጻውዒት
ሞት ጳጳስ ኦሶርዮ ቤተ ክርስቲያን’ውን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሽጣዊ ብድሆታት ብቕንዕና ከተስተንትነሉ ከም ዝደረኻ ኣስሚሮም፡ ካብዚኦም ኣብ መንጎ ገለ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ኣብ መንጎ ስብከቶምን ኣነባብራኦምን ዝያዳ ስኒት ክህሉ ኣስተብሂሎም፡ ብተወሳኺውን እቶም ንቤተ ክርስቲያ ዝልግሱ ገበርቲ ሰናይ ንተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ንናጽነትን ኣገልግሎትን ናይ መጻኢ ካህናት ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ርክብ ከይፈጥሩ የጠንቅቑ።
ሓቂ ምድላይ
እቶም ጳጳሳት ንናይ ቀረባ ታሪኽ ሞዛምቢክ ንድሕሪት ተመሊሶም ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ኣብ ቅትለት ፍሉጣት ፖለቲከይናታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠይናታትን ዝካየድ መርመራታት ሳሕቲ ምሉእ ሓቂ ዘረጋግጽ ምዃኑ ብጓሂ ብምዝካር፡ እቶም ገበናት መን ከም ዝፈጸሞም፡ መን ከም ዝኣዘዞምን መን ሕጋዊ ሓላፍነት ከም ዝስከምን ዘይፍለጥ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ሓቀይና ዕርቂ ንምፍጣር ኣጸጋሚ ኮይኑ ክቕጽል ይገብሮ ኣሎ፡ ዋላ ከምኡ ይኹን ተስፋ ክጠፍእ ከምዘይብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ "ኣብ ሮማ ዝገበርናዮ ምብጻሕ'ውን፡ ብሓባር ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ተኣማንነት ዘለዎ መልሲ ክንደሊ፡ ብሓቂ ብመላእ ቤተክርስትያን ንስነይ ኮይኑ ክስምዓና ከም እንደሊ ደጊምና ዘረጋገጽናሉ መንገዲ'ዩ ነይሩ" እንክብሉ የስተብህሉ።
ካብ መዓት ዝተወልደ ተስፋ
ዋላ እኳ ቃንዛ ሞት ጳጳስ ኦሶርዮ እንተሃለወ፡ ግን ድሮ ንቕድሚት ዝኸይድ መንገዲ ቅርጺ ይሕዝ ከምዘሎ ድማ እምነቶም ገሊጾም፡ እዚ ድማ በቲ ናብ ሮማ ዝገበርዎ ዑደት ደልዲሉ ይቕጽል። ሊቀ ጳጳስ ጆኣው ካርሎስ ቅድስቲ መንበር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ተሓባበርቶምን ሞዛምቢክ በዚ መሪር ተመክሮ ክትዓቢ ከምእትኽእል ይኣምኑ እዮም። "እከይ ኣብ ማእከልና ከመይ ከም ዝሰርሕ ክንርዳእ ኣብ እንጅምረሉ ደረጃ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና። በቲ መንገዲ ድማ ዝያዳ ንቑሓት ክንከውንን ኣብ ቅድሚ ክፍኣት ሓይልና ክንወጽእን ንኽእል ኢና።"
ንሕድሪ ጳጳስ ኦሶሪዮ ንቕድሚት ምስጓም
እቶም ጳጳሳት ቀጻሊ ስጉምቶም ፍረ ዑደቶም ምስ ጉባኤ ኤጲስቆጶሳት ምክፋልን ነቲ ድሮ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ምቕጻልን - መቕተልቲ ጳጳስ ኦሶርዮ ኣፎንሶ ዝሓደጎ ቁስሊ ንምፍዋስ ናይ ሓቅን ተስፋን ዕርቅን ጉዕዞ ንምህናጽ ዝድርክ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ እዚ ጉዕዞ እዚ ንበይንኻ ዝካየድ ዘይኮነስ ብሓባር፣ ብመንፈስ ሲኖዶውነት፣ ብተበግሶታት ኣብ መላእ ሃገረ ስብከታት ብተበግሶታት ነቲ ሕድሪ ናይቲ ንወንጌል ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ጳጳስ ኣሶርዮ ‘ሓቀይና ጓሳ’ ዘሰጉም።”
"ናይ እምነት ሰማዕት"
ንሊቀው ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውረ፡ ጳጳስ ኦሶሪዮ "ህይወቶም ስለ ዝፈትዉ እዮም ዝተቐትሉ - ህይወቱ ኣህሊፉ ዝህብ ህይወት ዝፈቱ እዩ . . . ጳጳስ ኦሶሪዮ ሰማዕት እምነት እዮም፡ ቤተ ክርስቲያን ሰማእታት ሓያል ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ጽንዕቲ ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብ ሞዛምቢክ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ህሞት እዚ ከምኡ እያ ትነብሮ ዘላ - ብዓቢ ተስፋ። ሰማዕትነት፣ ኣብ መወዳእታ፣ ንቤተ ክርስቲያን የሐይላ፡ ዘይተኣደነ ቃንዛ ዘምጽእ እውን እንተኾነ፣ ግን ከኣ ንቤተ ክርስቲያን ዝያዳ የሐይላ" እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ዝሃብዎ መግለጺ ይዛዝሙ።