ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ፡ ‘ቓዛ ኣብ ከቢድ መዓት እያ ዘላ ቅድስት ምድሪ ንበይና ኣይትገደፍ!” ካርዲናል ፒዛባላ፡ ‘ቓዛ ኣብ ከቢድ መዓት እያ ዘላ ቅድስት ምድሪ ንበይና ኣይትገደፍ!”  

ካርዲናል ፒዛባላ፡ ‘ቓዛ ኣብ ከቢድ መዓት እያ ዘላ ቅድስት ምድሪ ንበይና ኣይትገደፍ!”

ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒዛባላ ናይ ኢጣሊያ መጽሔት ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልኽዓ ምድሪ በቢ ዓመቱ ዝህቦ ሽልማት “ልግስን ሰላምን” ናይ 2026 ብቑዕ እንክብል ከም ዝሸለሞም፡ እቲ ስልማት ኣብ ዘተቐበልሉ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣማእኪሎም፡ ኣብ ቃዛ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዓሚቝ ከም ዝኾነን ልዕሊ ኩሉ ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ኵለ መዳያዊ ጸገም የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ. ቫቲካን

ላቲናዊት ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዕለት 29 ሰነ ኣብ በርጋሞ ኢጣልያ ሽልማት ሊመስ (ብዛዕባ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ እትትንትን ወርሓዊት መጽሔት ኢጣሊያ) 2026 ብቑዕ ተባሂሎም ኣብ ዝተሰለምሉ መድርኽ ምስ ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ መጽሔት ሉቾ ካራቾሎ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ “ኣብ ውሽመጥ ቃዛ ዘሎ ህልው ኩነታት ጽንኩር እዩ”  እንክብሉ ኣስሚሮም እቲ  ካብ 22–23 ሰነ ኣብ ውሽመጥ ቃዛ ምስ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትክተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ቴዎፍሎስ ሳልሳይ ብሓባር ዘካየድዎ ዑደት የዘንትዉ።

"እተን ከተማታት ምሉእ ብምሉእ ዓንየን፡ ተደምሲሰን እየን። ራፋሕ ከም ዘየላ ኮይና ኣላ። እቲ ኣዝዩ ዝትንክፈኒ ቃዛ ግዝያዊ ጽርግያታት፡ መዕቆቢ ቴንዳታትን ርስሓት ተመሊኡን ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነትት እየ ምህላዉ እዩ . . . ምስልታት ቓዛ ዘመሓላልፎ እዋናዊ መልእኽቲ ብሓቂ ድማ ዘስምብድ እዩ። በናጹ ተወሪራን ህጻናት በናጹ ይንከሱን፡ ኣብ ክንዲ ናብ ቤት ትምህርቲ ዝኸዱ ኩሉ ተሓሪምዎም ኣብቲ ብፍርስራስን ንቑጽን ፈሳስን ርስሓት ኣብ ዝተመልአ ከባቢኦም ክጻወቱ ኢኻ እትርእዮም እንክብሉ የስተብህሉ።

ናይ ምምሕያሽ ምልክት የለን

ድሕሪ ምቁራጽ ተኹሲ'ውን ናይ ምምሕያሽ ምልክት ዘየርእይ ኩነታት ምህላዉ ካርዲናል ፒዛባላ ገሊጾም፡ "ሕጂ ገለ መግቢ ክኣቱ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ዳርጋ ኩሉ ካልእ ጌና ክልኩል እዩ። ንቤት ትምህርቲ ዘገልግል ትምህርቲ ዳግማይ ንኽጅምር ዝሕግዝ ዘበለ ኩሉ ኣይኣትውን ንሕና ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ክንከፍት ንደሊ እውን እንተኾንና ንቤት ትምህርቲ ዘድሊ ኹሉ የሎን . . . ሰራሕተይናታት ክንክን ጥዕና ኣብዚ እዋን'ዚ ዘድሊ፡ ነቲ ህጻናትን ኣዴታትን ዘጋጥሞም ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ ንምፍዋስ ዝሰልጠኑ ሰራሕተይናታት ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘኽእሎም መጋበርያ ከም ዘይብሎም ንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እቲ ህልው ኵነታትን ቃዛን ህዝባን እዚ በቲ ዝግብኦ ተሃዋስነት ክርአ ዘለዎ ጉዳይ'ዩ። ዓሚቕ ሓዘን እዩ ዝስምዓኒ . . . እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ውሽመጥ ቃዛ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣባይቲ ስድራ ዘዕቁቡ ዓሰርተታት ቴንዳታት ዘዕነወ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ዘርኢ ምስልታት ኣሎ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ስንኩላንን ኣብ ደገ ክሓድሩ ተገዲዶም። ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ቃዛ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ሰሜን ካን ዩኒስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብተወሳኺ ክልተ ከምዝተቐትሉ እውን የስተብህሉ።

ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ዘሎ ኩነታት

እቲ ኩነታት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ማዕረ ማዕሪኡ ኣሰቃቒ ኩነታት እዩ ዘሎ። “ግዝኣተ ሕጊ የለን” እንክብሉ ድማ ሓቢሮም፡ ፓትርያርክ “እቲ ሕጊ ኣይትግበር’ውን ንፍልስጤማውያን ዝዓለመ እውን ኣይኮነን፣ ሰፋሮ እስራኤል ድላዮም ክገብሩ ይፍቀደሎም። ኣብ ኩሉ ቦታ መፈተሺ ነቑጣታት የዳልዉ፣ ኣግራብ ይቖርጹ፣ ሰባት መሬቶም ከይሓርሱ ይኽልክሉ። መጥቃዕቲ፣ ስርቂ፣ ጸርፊ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።”

እዞም ፍጻመታት ብዓቢኡ ብዘይ መቕጻዕቲ ስለዝተርፉ ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ፡ “ብዙሕ ግዜ ንሰራዊት እስራኤል (IDF) ጣልቃ ኣትዩ ነቶም ሰፋሮ ክገትእ ንጽውዕ፡ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ግን እቶም ሰፋሮ ድሮ ወጺኦም ኣለዉ . . . ።

ንዘተን ሰላምን ዝግበር ጻዕሪ

እቲ ዝገለጽዎ ኵሉ ካርዲናል ፒዛባላ ብዛዕባ ኣገዳስነት ዘተ ካብ ምሕሳብ ኣይዓግቶምን እዩ። ኣድላይነቱ ሎሚ ዝያዳ ይዓቢ እዩ፡ "ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮ ኣይሁድን እስራኤልን ብዕምቆት ሰሪጹ እዩ። ኣብ እስራኤል ዝተሓዋወሰ ነገራት እዩ ዘሎ፡ ኣብዚ “ቁሩብ ኩሉ ነገር ኣሎ፣ ሃይማኖት ኣኽረርቲ ወተሃደራት ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ "ምስኦም ንጹርን ርጉእን ዝምድና ክህልወካ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። እቶም ኣዝዮም ጽንፈይናታት ባእታታት ህዝቢ ኣይሁድ እቶም ዝበዝሑ ኣይኮኑን፡ እንተኾነ ግን ደገፍ ይረኽቡን ብፖለቲካዊ ጽልዋ እናወሰኹን ይመጹ ኣለዉ፡ ሳዕቤኑ ድማ ንባዕሉ ሕብረተሰብ እስራኤል ዝኸፋፍል እዩ።”

እስራኤል ከመይ ትቕየር ኣላ

ዋና ኣሰናዳኢ መጽሔት ሊመስ ሉቾ ካራቾሎ፡ ሕብረተሰብ እስራኤል ኣብ “ቀቢላታት” ይምቀል ዝብል ኣምር ጠቒሱ። እዚ ሓሳብ እዚ ብርእሰ ብሔር እስራኤል ነበር ሩቨን ሪቭሊን ኣብ 2015 ዘቕረቦ ሓሳብ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ጉጅለታት ዝተበታተነ ሕብረተሰብ ብዓቢኡ ዝተፈላለየ ስርዓተ ትምህርትን ፍሉይ ኣነባብራን ዘለዎ ጎናዊ ህይወት ዝነብር ኮይኑ፡ ዓለማውያን ጽዮናውያን፡ ሃይማኖታውያን ሃገራውያን ኣይሁዳውያን፡ ኣዝዮም ኦርቶዶክሳውያንን ዓረብ እስራኤላውያንን ድማ ምዃኖም እንከስተብህል ካርዲናል ፒዛባላ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እዚ ምክፍፋል እዚ ምስቲ ዕብየት ህዝቢ ሃረዲ (ንሃገረ እስራኤል ኣፍልጦ ዘይህቡ ኣልትራ-ኦርቶዶክሳውያን ኣይሁድ) ዘርኢ ዝንባለታት ተደሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ እስራኤል ዘይርጉጽነት ዘጎሃህር እዩ፡ እስራኤል ድማ ብሃገራት ዓረብ ዝተኸበበት ኮይኑ ይስምዓ። እዚ እውን ንውሳነታት እስራኤል ዝቐርጽ እዩ" እንክብሉ ይገልጹ፡

ኢየሩሳሌም ንባዕላ እውን ትቕየር ከምዘላ ኣጉሊሖም፡ "ብስነ-ህዝቢ፡ ብመልክዓ ምድሪ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ውሽጣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ዶባታ ይቕየር ኣሎ። ሰባት ናይታ ከተማ ተመክሮኦም ይቕየር ኣሎ። ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ ጥንታዊ ዞባ ኢየሩሳሌም ብዓብላሊ መልክዑ ዓረብ እስራኤላውያን ዝነብሩላ እያ ነይራ። ሕጂ ድማ ኣብ ኩሉ ቦታታት ኣይሁድ፡ እንኮላ ሃይማኖታውያን ኣይሁድ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ብዝሒ ህዝቢ ዓረብ ብዝተሓተ ደረጃ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ፡ ማሕበረሰብ ክርስትና ድማ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ።"

. . . ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ማሕበረሰብ ዓረብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ቃዛን ምዕራባዊ ገማግምን ብዙሕ ኣይተሳተፈን  እዚ ከኣ ብሰንኪ ምትሕግጋዝ ዘይምህላው ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ቁጽጽርን ከምኡ'ውን ነቲ ዝተረፈ ፍሉይ ባህሪ ኢየሩሳሌም ንምሕላውን፡ ሕመረት ኩሉ ድማ ኣብዚ እዩ ዘሎ!’

“ኣካል ናይታ መሬት ኢና”

"ቅልውላው ቋንቋ" ሓደ ካብቲ ዝዓሞቐ ሱር ናይ ሎሚ ግርጭታት ምዃኑ ዘነጸር ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣመለኻኽታ "ካብ ናይ ዓመታት ዓመጽን ምግላልን፡ ካብቲ ዘናሽውን ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ቋንቋን በብቝሩብ እናኣሰፈሐን ካብ ዝኸይድ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኢና መጺእና። በዚ ምኽንያት እዚ ናይ ናይ ፓትርያርክ ፒዛባላ ጻውዒት ብቐንዱ ናብ ህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ዝቐንዐ ይኸውን። "ሰባት ክርድኡ ክሕግዝ ዝደሊ ጋዜጠይናነት ኣገዳሲ'ዩ። ብዛዕባኡ ምዝራብ ኣገዳሲ እዩ። ዝሓልፍ ኣገባብ ዘይምስዓብ። ጋዜጣታት ንእተወሰነ እዋን ቀዳማይ ገጽ ክህባሉን ደሃር ድማ ዝርሳዕን። ናይታ መሬት ኣካላታ ኢና - ወይ ድማ ብዝያዳ ክንዛረብ እንተኾይና፡ ንሕና ናይታ መሬት ኢና።"እስራኤላውያን፡ 'ስለምንታይ ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን'ውን ዘይትዛረቡ?' እንክብሉ ይሓቱና እቲ መልሲ ቀሊል እዩ: ምኽንያቱ ምስ ደቡብ ሱዳን ከምቲ ምስዛ መሬት ዘለና ርክብ ስለዘይብልና" ድማ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ "ንሰባት ከነግልሎም የብልናን። ርህራሄ፡ ምርድዳእን ዘተን የድልየና፡ ሓድሽ መሰናኽላት ከይተኸልና። ካብዚ ጉድጓድ ክንወጽእ ክትሕግዙና ኣለኩም እምበር ኣብ ውሽጡ ተዓጽና ክንተርፍ ኣይትሕደጉና።"

Photogallery

ካርዲናል ፒዛባላ፡ ‘ቓዛ ኣብ ከቢድ መዓት እያ ዘላ ቅድስት ምድሪ ንበይና ኣይትገደፍ!”
03 Jul 2026, 17:10