ድለ

ኡጋንዳ ፡ ሰበኻ ካባሌ ንወከልቲ ጓሶት ናይ እምነት ሕንጸት ዓውደ መጽናዕቲ የአንግድ ኡጋንዳ ፡ ሰበኻ ካባሌ ንወከልቲ ጓሶት ናይ እምነት ሕንጸት ዓውደ መጽናዕቲ የአንግድ 

ኡጋንዳ ፡ ሰበኻ ካባሌ ንወከልቲ ጓሶት ናይ እምነት ሕንጸት ዓውደ መጽናዕቲ የአንግድ

ሃገራዊ ዋና ጸሓፊ ፈጻሚ ኣካል ሽማግለ ጉዳያት ዓንቀጸ እምነት ኣብ ጉባኤ ጳጳሳት ኡጋንዳ (UEC) ኣባ ፒተር ደቦ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሃገረ ስብከት ካባሌን ርእሰ ሰበኻታት ምባራራን ንዘሳተፈ ንኽልተ መዓልታት ዝጸንሐ “ብእምነት ብሓባር ምዕባይ፡ ብናይ ከባቢ ጉጅለታት እምነት ኣቢልካ ካቶሊካዊ መንነት ምሕያል” ብዝብል ኣርእስቲ ዝወደቦ ሓባራዊ ዓውደ መጽናዕቲ ከም ተኻየደ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ኡጋንዳ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካባሌ ኣብ ዝርከብ ማእከል ጉስነት ሩሾሮዛ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ካብ ሰበኻ ካባሌን ርእሰ ሰበኻታት ምባራራን ዝመጹ ካህናትን ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ኣባይቲ ትምህርቲ መምሃራን ስነ ሃይማኖትን ካቶሊካውያን ዓለማውያን መራሕትን ዘሳተፈ እውን ምንባሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጻሊ ሕንጸት እምነት

ናይ ሰበኻ ካባለ ሓዋርያዊ መስተናብር የኔታ ጆን ቪያኒ ሳንደይ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ነቲ ካብ ዕለት 24 – 26 ሰነ 2026 ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ብዘስምዕዎ መደረ ብወግዒ ከም ዝኸፈቱን። ብዛዕባ ካቶሊካውያን ብፍላይ ድማ መራሕቲ እምነት ኣብ ኩሉ ደረጃታት ቅድሚ ንኻልኦት ምምሃር ኣብ እምነት ካቶሊክ ሓቀይናን መሰረት ዘለዎን ሕንጸት ክህልዎም ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ "ቅድሚ ንኻልኦት ምምሃርና፡ መጀመርያ ባዕልና ክንምሃር ኣሎና። እቲ እንምህሮ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ፡ ኣብ ሕገ ቀኖና ፍቕዲ 750 'መንበረ እምነት' ተባሂሉ ተጠቓሊሉ ኣሎ ፡ እዚ ድማ ብቅዱስ መጽሓፍን ቅዱስ ትውፊትን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣቢሉ ይግለጽ - ቢሎም -  ብመሰረት ኣባ ፒተር ደቦ እቲ ናይ እምነት ዓውደ መጽናዕቲ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ እውን ምዃኑ ከም ዝሓበረኡ የመላኽት።

ሕንጸት እምነት ምንቕቓሕ

ሽማግለ ጉዳይ ዓንቀጸ እምነት ኣብ ትሕቲ ጉባኤ ጳጳሳት፡ ሓቀይና ካቶሊካዊ ትምህርቲ ምድንፋዕ፡ እምነት ካብ ተጋራጫዊ ርእየተ ዓለም ምክልኻልን ግብረ ገባዊ ልምምድ ምምራሕን ዝብል ዕማማቱ የተግብር፡

ናብ ሰበኻታትን ርእሰ ሰበኻታትን ብምውጻእ ንዝተፈላለዩ ጉስነታዊ ወከልቲ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ቀጻሊ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሕንጸት ከም ዘዳልውን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ካባለ፡ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ለውጢ ብዙሓት ዝተጠምቁ ካቶሊካውያን ካብ ንጡፍ ተሳትፎ ኣብ ሰበኻዊ ኣብያተ ክርስቲያናቶም ክወጹ ገይሩዎም እዩ። ምስ ወጹ ድማ መንፈሳዊ መግቢ፡ ስነ-ምግባራዊ መምርሕን ማሕበረሰባዊ ህይወትን ዝህብ ርግጸይና ምንጪ ይስእኑ። ካብ ቤተ ክርስቲያን ምርሓቖም ድማ ኣብ ሕይወት ስድራን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ጽልዋ ከምዘለዎ ድማ ይሕብሩ።

ነቲ እትምህሮ ተመክሮ ምግባር

ብፍላይ ነቶም ካህናት ማዕርገ ክህነት ኣብ ዝቕበልሉ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን "ነቲ እተበስርዎ ወንጌል ክርስቶስ ተቐበሉ" ዚብል ክፋል ኪዝክሩ ተማሕጸኖም። ነቲ ዘንበብካዮ እመን ነቲ እትኣምኖ ምሃር ነቲ እትምህሮ ድማ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ" እዚ እዩ ስብከተ ወንጌል ከም ዝበሉን ናይ ሰበኻ ካባሌ ሓዋርያዊ መስተናብር የኔታ ጆን ቪያኒ ሳንደይ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብእምነት ብሓባር ምዕባይ ሲኖዳውነት ብተግባር ምንባር ማለት እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ስርዓታት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እምነት ኣብ ከባቢ ማሕበረሰብ ምትሕልላፍ ምዃኑ ድማ የዘኻኽሩ።

ትውፊትን ግብረ ገባዊ ክብርታትን

ናይ ርእሰ ሰበኻታት ምባራ ናይ ዓንቀጸ እምነት ጉዳይ ዝሓልይ ሽማግለ ፈጻሚ ኣካል ኣባ ፈሊሲያን ካናኑራ እምነት ኣንጻር ዓለማውነት ጥራይ ጌርካ ናይ ምርኣይ ሓደጋ ኣስሚሮም፡ ብኣንጻር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣካል ካቶሊካዊ መንነት ዝኾኑ መትከላትን ትውፊትን ግብረ ገባዊ ክብርታትን ኣብ ዝምልከት ጽንዕቲ ብምዃን ብተቕርቦ. ምስክርነት እምነት ተብርህ፡ ሓንቲ ተሳታፊ፡ ኣባል ማሕበር ደናግል መጸናንዒ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስን መምህር ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርትን እናቴ ሞሪን ቢሩንጊ፡ ንኣዳለውቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ብምንኣድ፡ እቲ መደብ ንሕዳሰ ሕንጸት እምነት ዕድል ዝፈጠረ ምዃኑን፡ ፍረኡ ድማ ኣብቶም ተሳተፍቲ ኣብ ውልቃዊ ህይወቶምን ምስቶም ዝምህርዎም ወይ ዝመርሕዎም ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ነባሪ ጽልዋ ከም ዝህልዎን ገሊጸን፡ ቀጻሊ ህንጸት ኣብ እምነት የድሊ፡ ካቶሊካዊ መንነት ምርድዳእን ተመክሮ ምግባርን ቀጻሊ ምሕዳስን ዝሓትት ምዃኑ ድማ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ የስተብህላ።

07 Jul 2026, 15:57