ቆሞስ ናይ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ንክርስትያናዊ ህላወ ንምዕቃብ ስጕምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕረቡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
እታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ እትርከብ ናይ መወዳእታ ምሉእ ብምሉእ ክርስትና ፍልስጥኤም ዝዀነት ቍሸት ታይበህ ነቶም ቆሞሳን ንቍምስንኣን ነታ ሃገርን ህዝባን ታሪኻዊ ክርስትያናዊ ህላወኦም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስግኣት ፈጢሩሎም ይርከብ ኣሎ።
ክቡር ኣባ ባሻር ፋዋድለ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቝሸት ብተደጋጋሚ ዝተፈጸመ ዓመጽ ንኣዋርሕ ዝኣክል ይግባይ ድሕሪ ቢሎም፣ ሓድሽ ሓደጋ ከም እተላዕለ ይገልጹ ኣለዉ። ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብቲ ኸባቢ ዝርከቡ ጕጅለታት ተቘጻጸርትን እስራኤላውያን ሰፈርቲ ኣብ ከባቢ ጃባል ኣል-ማሲስ ዘይሕጋዊ ሰፈራታት ክሃንጹ ጀሚሮም ኣለዉ።
እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ፍርህን ምጥርጣርን
ካብ መንበሪ ኣባይቲ ሒደት ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታታት፣ ሰፈታታት ክህነጽ ዘለዎ ተኽእሎ ንተቐማጦ እቲ ኸባቢ ጭንቀት ፈጢሩሎም ኣሎ። ክቡር ኣባ ፋዋድለ ስድራ ቤታት ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ ምፍርራህ ኪነብሩ ኸም ዘስግኦምን፣ ሓረስቶት ከኣ ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ቝሸት ዚርከብ ግራውቶምን ናይ ሕርሻታት ደምቤኦምን ክበጽሑ ኸም ዘይክኣሉ ብምምልካት ጭንቀቶም ይገልጹ ኣለዉ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።
እዚ ስጕምቲ እዚ ብሓይሊ "ሓድሽ ክውንነት" ንምእታው ከምኡውን ንህዝቢ ታይበህ ካብ ሃገሮም ንኽወጹ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ድማ ይጣበቑ። እዞም ቆሞስ ከም ዝገለጽዎ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ቀዋሚ ሰፈራ ዚኸውን ባይታ ንምቛም ነቲ ማሕበረሰብ ዜጋጥሞም ዝነበረ ስግኣት ብዝያዳ ኼዕምቖ ይኽእል እዩ ይብሉ።
እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣተወ መሬት፣ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ኦስሎ ኣብ ዞባ ቢ ዝርከብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናይ መንግሥቲ ፍልስጥኤም ክኸውን ከሎ፣ ጸጥታ ድማ ብፖሊስ ፍልስጥኤምን ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን እስራኤልን ብሓባር ኢዩ ዝመሓደር።
መልሲ ዘይረኸበ መሕትት
ክቡር ኣባ ፋዋድለ ኣስዒቦም፣ እታ ቝሸት ኣምባሳደራት መራሕቲ ሃይማኖትን ኣህጉራውያን ልኡኻትን ብምቕባል ኣህጉራዊ ኣቓልቦኣ፣ ናብ ኩንነታት ንምስሓብ ንኣዋርሕ ከም ዘሕለፈት ገሊጾም ኣለዉ፣ ነቲ ፍጻመታት ዝገልጽ ጸብጻባት ስእልታት ናይ ቪድዮታት ሰነዳት ከምኡውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምስክርነታት ብምሃብ ድማ ኢዩ ዝቐረበ።
እዚ ጻዕርታት እዚ እናሃለወ ኽነሱ፣ ኣብ ከባቢ ጃባል ኣል-ማሲስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ እታ ቝሸት እውን ዓመጽ ይቕጽል ከም ዘሎ ገለጹ፣ ኣብኡ ድማ ሰፈርቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዞም ሰራሕተኛታት ናብቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ፋብሪካ ስሚንቶ ንኸይኣትዉ ይኽልከሉ ኣለዉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን ክቡር ኣባ ፋዋድለ፣ ኣብ ዙርያ እታ ቝሸት ሓድሽ ሰፈራታት ምህላዉ ንብዙሓት ተቐማጦ ብዝያዳ እተገለሉሉን እተዓጽዉሉን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ገይርዎም ኣሎ። ተስፋ ቝርጸት እናዛየደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፣ ብዙሓት ሰባት ኣህጉራዊ ሕግን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብተደጋጋሚ ምሕጽንታን ለውጢ ኼምጽእ ዝኽእል እንተ ዀይኑን፣ ኣብ ሕቶ ከእትውዎ ጀሚሮም ኣለዉ።
"ብዘይ ፍርሂ ኣብ መሬትና ኽንጸንሕ ጥራይ ኢና እንሓትት ዘለና" በሉ።
"ስጕምቲ እንወስደሉ ግዜ ሕጂ እዩ"
ክቡር ኣባ ፋዋድለት ንትካላትን ኵሎም ሰብ ሰናይ ፍቓድን ዝኾኑ ሰባትን፣ ክርስትያናዊ ህላወ ኣብ ቅድስቲ መሬት ንምዕቃብ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።
"ቅድስቲ ምድሪ ብቓላት ጥራይ ክትዕቀብ ኣይትኽእልን እያ። ብጭቡጥ ስጕምቲ ክትዕቀብ ኣለዋ" እውን በሉ፣ ካልእ ሰፈራታት ኪህነጽ ምፍቃድ፣ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ክርስትና ድሕንነቶምን መሰላቶምን መጻኢኦምን ውሕስነት ዘይብሉ ምግባር፣ ዜስካሕክሕ መልእኽቲ ኸም ዜመሓላልፍ እውን ኣጠንቀቑ።
"ክሳዕ ግዜ ዝሓልፎ ድማ ኣይትጸበዩ" ክብሉ እውን ተማሕጺኖም። "ካልእ ዘይምለስ ክውንነት ክሳዕ ዚፍጸም ኣይትጸበዩ። ስጕምቲ እንወስደሉ ግዜ ሕጂ እዩ" ድማ በሉ።
ንተጻዋርነት ቈራጽነት ዝገበረ ማሕበረሰብ
ኣብ ጥቓ መቓብር ከተማን ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ኣል-ኻደርን (ቅዱስ ጊዮርጊስ) ብጕጅለ ሰፈርቲ ባርዕ ምስ ተላዕለ፣ ሓደ ዓመት ጸኒሑ ኣብ ታይበህ ዝርከቡ ክርስትያናን ምእመናን ተነቀፍቲ ዀይኑ ይስምዖም ኣሎ።
ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፣ ህይወት ቍምስና ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ 161 ተሳተፍቲ እተኣከቡሉ ክረምታዊ ደምበ ህጻናት፣ ሰኑይ ሰኑይ ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ምትሕብባር ካህናት፣ ካብ ሰለስተ ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ታይበህ ማለት ግሪኻዊ ኦርቶዶክስን ሜልካውያን ግሪኻዊ ካቶሊክን ላቲናውያን ካቶሊክን ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ምትእምማን እኳ እንተ ተናወጸ፣ ክቡር ኣባ ፋዋድለት ግና፣ ምእመናን ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ትውክልቲ ምግባር ከም ዝቕጽሉ የመልክቱ።
ኣብ መደምደምታ ድማ እታ ቝሸት ህዝባ እንተ ኣጥፊኣ፣ ዓለም ሓንቲ ቝሸት ጥራይ ዘይኰነትስ ህያው ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ከም እትስእን ኣጠንቀቑ