ድለ

2026.08.09 Oracion de Ceuta a su Patrona

ሓዋርያዊ መስተናብር ብዛዕባ ኣብ ሴታው እተኸሰተ 'ሰብኣዊ ዕንወታት' የስተንትኑ

ሓዋርያዊ መስተናብር ናይታ ግዝኣት ሃገረ ስጳኛ ዝኾነት ሴውታ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው የስተንትኑ፣ ንዅለን ሰበኻታት ከኣ "ሓድሽ ባህላዊ ፈልሚ" ምእንቲ ኼምጽእ ናይ ጸሎት ምንቅስቓሳት ከካይዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ዜና ቫቲካን

ሓዋርያዊ መስተናብር ሰበኻታት ካዲዝን ሴውታን ብፁዕ ኣቡነ ራሞን ቫልዲቪያ፣ ድሕሪ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሴውታ ዘጋጠመ ፍጻመታት፣ ናብ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ሕይወትን ሰብኡትን ኣንስትን ምእመናንን ሰበኻኦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሰብኣውን ትካላውን ቅልውላው እውን ሓሳባቶም ኣካፊሎም፣ ኣብ ጸሎትን ሓድነትን ዳግመ ህንጸትን ምትእምማንን ዘተኰረ ናይ ቤተ-ክርስትያን ምላሽ እውን ሓሳባት ኣቕረቡ።

እዞም ጳጳስ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 8 ነሓሰ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ሰበኻ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ  ካብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን እተራእየ ንላዕሊ፣ "ንድሕሪት ተመሊስካ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ጽልዋኡን ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ" ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከም ዘድልዮ ኣፍልጦ ሃቡሉ። ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ስቓይን ፍርህን ምጥርጣርን ከም ዘሎ ይገልጹ፣ እንተዀነ ግን እቲ ውጥረት ናብ ዝዓበየ ግጭት ንኸይሰግር ዝዓገትዎ ህዝቢ ሴውታ ዘርኣይዎ ህድኣት እውን ብናእዳ ይገልጹ።

እዞም ሓዋርያዊ መስተናብር ነቲ ህርፋንን ብልሽውናን ዜምጽኦ "ሰብኣዊ ዕንወት" ክብሉ ዝገለጽዎ ኩነታት ድማ ኰነንዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ መጻኢ ዘይብሎም መንእሰያት፣ ካብ ሓላፍነቶም ንምምላጥ ምምሕዳራዊ ጕድለት ተጠቒሞም ካብ ተሓታትነቶም ዘምልጡ ዓበይቲ ሰባት ከምኡውን ነቶም ንተኣፋፊ ዅነታት እተቓልዑ ንኣሽቱን መንእሰያትን እንክኾኑ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ሰባት ናብ ኣባይትን ንግዳዊ ህንጻታትን ኪኣትዉ ኸለዉ፣ ስድራ ቤታትን ወነንቲ ንግድን ዜጋጥሞም ፍርሂ እውን ይጠቕሱ።

እዚ ከአ "ሳላ ህድኣት ህዝቢ ሴውታ ኸም ዘይተፈጸመ" ቕድሚ ምእማኖም፣ "ናብ ዝዓበየ ግጭት ክለዓል ዚኽእል ከም ዝነበረ" እውን የመልክቱ።

ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ

ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ንእምነት ከም ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ምንጪ ተስፋ ገይሮም ኢዮም ዘቕረብዎ። ብፍላይ ነቲ ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ ተባሂላ እትፍለጥ ጠበቓ ቅድስቲ ሴውታ ዝተጻወተቶ ግደ እውን ኣጕልሑ፣ ንሳ ድማ ምንጪ ምጽንናዕ ማሕበረሰብ ከም ዝዀነት ገሊጾም።

ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ኣስዒቦም ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ እንደገና ንሴውታ ኣብ ጸገማታ እትመርሓ "መብራህቲ" ኰይና ኣላ ክብሉ ኣመልከቱ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነዛ ቅድስቲ ጠበቓና ንምኽባር ዝግበር በዓላት እንተላይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምኡውን መፈሳዊ ሰልፊ፣ እምነት ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ኸተማ ኣበርክቶ ከም ዝገብር ኣፍልጦ ንምሃብ ከም ኣጋጣሚ ገይሮም ከም ዝርእይዎ እውን ገለጹ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ዕለት 4 ነሓሰ ብዙሓት ካብ ሴውታ ዝመጹ ሰባት ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም  ዘኣፍሪቃ ተኣኪቦም ኣብ እግሪ ድንግል ማርያም ዕምባባታት ኣንቢሮም፣ ነታ ኸተማን ስድራ ቤታን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ሳዕቤናቱን ብሕድሪ ናብኣ ኣወፈይዎ።

ምስጋና ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንማሕበረሰብ ክርስቲያንን

እቶም ሓዋርያዊ መስተናብር ወሲኾም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ሰንበት ዕለት 2 ነሓሰ 2026 ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ንሴውታ "ኣብ ልቦም" ከም ዝዝክርዋ ዝገለጸሉ መልእኽቲ ኣመልኪቶም ምስጋናኦም ገለጹ። ንዕዮ ኻህናት ሰበኻታትን ኣባላት ማሕበር ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን፣ ወለንተኛታትን ኣብ ካዛ ሳን ኣንቶንዮን ካሪታስን ከምኡውን ንመካነ ሕውነት ቅድስቲ ጠበቓኦም ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ቀጺሎም እዞም ጕጅለታት ዝሃብዎ ምላሽ፣ "ኣብ መንጎ ብዙሕ ውጥረት ዘለዎ ኩነታት፣ ናይ ሓድነት ኣብነት እዩ" ክብሉ መስከሩ። ስለዚ ንብምሉኡ እቲ ሰበኻን ንክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ሴውታን ናይ እምነት ምስክርነቱ ህያው ምእንቲ ክኸውን ክድግፉን ከተባብዕዎምን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

መደባት ጸሎት ዘሰርክ ኣብ ኩሉ ቍምስናታት

ደድሕሪ ጻውዒት ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብፁዕእ ኣቡነ ቫልዲቪያ ንሰባት ኣዒንቶም ናብ ኣምላኽ ክጥምቱ ጻውዒት ኣቕረቡ፣ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ሰበኻቶም ቀቅድሚ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ኣብ ዘሎ ምሸት ኣብ ሴውታ ሰላምን ርግኣትን ፍትሕን ንኽሰፍን ጸሎት ዘሰርክ ክትካይዱ ተማሕጸኖም።

እቲ ሥነ-ስርዓት ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘኣፍሪቃ እውን ክካየድ እዩ። ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ኸም ዝገለጽዎ፣ ዕላማ ናይዚ መደብ ጸሎት ዕቝባ ንምሕታት ጥራይ ዘይኰነስ፣ "በታ እተቐበልናያ እምነት ኣብ ብስለት ንኽንበጽሕ" ከምኡውን ነዚ  ዘሎ ኩነታት እዚ ብሓባር ክንዋጽኣሉ እንኽል፣ ዜድሊ መንፈስ ንምሕታት እዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

ብፁዕ ኣቡነ ቫልዲቪያ ኣስዒቦም፣ እቲ ኣብ ሴውታ ዘጋጠመ ኩነታት ዓሚቝ ባህላዊ ለውጢ ኸም ዘሎ እዩ ዝሕብር። ስለዚ ሰባት እቲ ቅልውላው ክሳዕ ዚሓልፍ ኪጽበዩ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነዚ ፍጻመታት እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ንምጅማር ከም ኣጋጣሚ ገይሮም ኪቕበልዎ ተማሕጺኖም።

"እዚ ፍጻመታት እዚ ዕምቈት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ባህላዊ ለውጢ ዜርኢ እዩ ዚመስለኒ" ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ። እዚ ብድሆ እዚ ምስ ኣጋጠመ፣ ንማሕበረሰብ ሰበኻኦም ኣዒንቶም ኣልዒሎም ብሓባር ጸሎት ናብ ጐይታ ከዕርጉ ተማሕጺኖም።

11 Aug 2026, 12:54