ድለ

ናይ ሰበኻ ብሩም ጳፓስ ብሰማዕን ተሓታትነትን ተስፋን ዝተለለየ መንገዲ ሰበኻ ቃል ይኣትዉ ናይ ሰበኻ ብሩም ጳፓስ ብሰማዕን ተሓታትነትን ተስፋን ዝተለለየ መንገዲ ሰበኻ ቃል ይኣትዉ 

ናይ ሰበኻ ብሩም ጳፓስ ብሰማዕን ተሓታትነትን ተስፋን ዝተለለየ መንገዲ ሰበኻ ቃል ይኣትዉ

ናይ ሰበኻ ብሩም ጳጳስ ቲሞቲ ኖርተን ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያዊ ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ ንግዳያትን ዝደሓኑን ዓሚቝ ሓዘኖም ገሊጾም፣ ብሰማዕን ተሓታትነትን ተስፋን ዝተለለየ መንገዲ ሰበኻ ቃል ይኣትዉ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ሰበኻ ብሩም ቅድሚኦም ናይታ ሰበኻ ጳጳስ ዝነበሩ ብጾታዊ ገበን ተሓታቲ ተባሂሎም ድሕሪ ዝተመሓላለፈ ፍርዲ፡ ንግዳያትን ዝደሓኑን ዘጋጠሞም መከራን ሕፍረትን ዓሚቝ ሓዘኖም ይገልጹ።

ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ምዕራብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዳያኑ ናይ ሰበኻ ብሩም ነበር ጳጳስ ክሪስቶፈር ሶንደርስ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ መንእሰያት ኣውስትራሊያውያን ደቀባት 13 ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም እንክብሉ ገበነይና ከም ዝበሎምን ጳጳስ ሶንደርስ እቲ ጾታዊ ዓመጽ ኣይፈጸምኩን እንክብሉ ነጺጎም ይግባይ ክብሉ ከም ዝኾነ እውን ይሕብሩ።

ካብ 1996 ክሳብ 2021 ናይ ሰበኻ ብሩም ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉ፡ እቶም ገበናት ድማ ኣብ መንጎ 2008ን 2019ን ዝተፈጸመ ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ሰበኻ ብሩም ጳጳስ ቲሞቲ ኖርተን ኣብ ዞባ ኪምበርለይ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጉስነት መልእኽቲ፡ ነቲ ፍርዲ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ሰበስልጣን ኣውስትራልያ ነቲ ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ዳያኑ ስለ ዘቕረብዎ ድማ ኣመስጊኖም፡ ነቶም “ሓቅነቶም ክገልጹ” ንዝመጹ ግዳያትን ዝደሓኑን ካልኦት መሰኻኽርን ኣኽብሮቶም ገሊጾም፡ "ብነዊሕን ከቢድን መስርሕ ዘይተለምደ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣርእዮም፡ ብርህራሄ ክስምዑን ብኽብሪ ክተሓዙን ይግብኦም ነይሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን እንክሕብር፡ እቶም ግዳያት በቲ ዝተጻወርዎ መጉዳእትን ሕፍረትን ዝስምዖም ዓሚቝ ሓዘን ገሊጾም፡ ድምጾም ክስማዕን መከራኦም ኣፍልጦ ክወሃቦን ዝወሰደሉ ግዜ እውን ብርቱዕ ጓሂ ከም ዘሕደረሎምን፡ ነቶም ዝተጎድኡ ንምብጻሕን ናብ ተስፋን ፈውስን ንምስጓምን ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ቃል ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ጳጳስ ቲሞቲ ኖርተን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጒስነታዊ መልእኽቲ፡ እቲ ጉድኣት ኪኖ እቶም ንሓይሊ ጸጥታን ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ መርትዖን ዝሃቦም ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ “ኣብ መላእ ሰበኻ ምትእምማን ተበቲኹን ናይ ክሕደትን ምፍልላይን ቁስሊ ተቓሊዑን ኣሎ፡  እቲ ስቓይ ነቶም ኣብ መሪሕነትናን ቤተ ክርስቲያንናን እምነቶም ዘቐመጡ ይዝርጋሕ፡ ንብዙሓት ካቶሊካውያን ብፍላይ ከኣ ነቶም ንሰበኻታቶምን ንማሕበረሰባት ከባቢኦምን ዘገልገሉ “ከበድቲ ሕቶታትን ዘይፍታሕ ስምዒታትን” እውን ዝሓደገ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ሰበኻኦም ከምዚ ዓይነት ክሕደት ብኸመይ ክፍጸም ከም ዝኽእል ንምርዳእ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዘጋጥሞ ቃንዛ ኣፍልጦ ይህቡ።

ከም መልሲ ናይዚ ድማ ንሰበኻ ካቴድራል ብሩም ክሳብ እቶም ኣዝዮም ርሑቓት ማሕበረሰባት ኪምበርሊ “ናይ ድሕነትን ምክብባርን ተሓታትነትን” ቦታ ንምግባር ዳግማይ ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳስ ኖርተን፡ እቲ ሃገረ ስብከት “ዋላ’ውን ኩሉ ግዜ ኣብ ነንሕድሕድና ኣብ ዘይንሰማማዓሉ እዋን፡ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ብኽብርን ርህራሄን ክሕብሐብ ሓቀይናን ሰላማውን ዝምድናታት” ንምህናጽ ዝጽዕር ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ንዝቕጽሉ ኣዋርሕ እናማዕደዉ፡  ኣብ መላእ እቲ ሰፊሕ ሃገረ ስብከት ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ክበጽሑ ምዃኖም ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቶም ምእመናን ብሓባር ናብ ዝያዳ ርህሩህ መጻኢ ኣብ ሲኖዳዊ ጉዕዞ ኣብ ዝርከብሉ እዋን እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ንሓዘንን ምስማዕን ግዜ ከም ዝህቡ ኣረጋጊጾም፡ ሰባት ኣብ መስርሕ ሕውየት ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ንኽገብሩ ስክፍታታቶምን ትዕዝብቶምን ከካፍሉ ዓዲሞም፡ በቲ ፍርዲ ይኹን ኣብ እዋን ፍርዲ ብዝተሰምዐ ጸብጻባት ዝተጨነቐ ሰብ ሓገዝ ክሓትት ድማ ኣተባቢዖም፣ ሰራሕተይናታት ሰበኻን እቲ ሰበኻ ንባዕሉ ንሰባት ብናጻ ናይ ደገፍ ኣገልግሎት ንምትእስሳር ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ገሊጾም፡ ናይ ጉስነት መልእኽቶም ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ንሰበኻኦም ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ንግስተ ሰላም ደገፍ ኣማዕቍይቦም፡ ኣብቲ ናብ “ዕርቂ፡ ፈውስን ተስፋን” ዝወስድ ጉዕዞ ኣማላድነታን ቅርበታን ድማ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Aug 2026, 17:28