ድለ

Courtesy of the Episcopal Conference of the Pacific (CEPAC)" Courtesy of the Episcopal Conference of the Pacific (CEPAC)" 

ጳጳሳት ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ፣ ብዛዕባ ዕደና ባሕሪ ጥንቃቐ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም

ኣብ ገሊኡ ኽፋላት ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ ንግዳዊ ዕደና ዓሚቝ ባሕሪ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ "ከቢድ ወይ ዘይምለስ ጕድኣት ኬጋጥም ዘኽእል፣ ሓቀይና ተኽእሎ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፣ ምሉእ ስነ-ፍልጠታዊ ርግጽነት ዘይምህላው፣ ብዘይ ግቡእ ጥንቃቐ ንምቕጻል መመኽነይታ ኪኸውን የብሉን" ብምባል ኣትሪሮም የጠንቅቑ።

ዜና ቫቲካን

"ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ከቢድ ወይ ዘይምለስ ጕድኣት ከምጽእ ከም ዝኽእል ዘእምን መርትዖ ክሳዕ ዝረክብ ጥንቃቐ ምግባርን ብዙሕ ጥቅውና ኽገብርን ይምሕጸነና" ክብሉ ተላበዉ።

ኤጲስቆጶሳዊ ቤትምኽሪ ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ (CEPAC)፣ ነዚ ኣብ ዕለት 10 ነሓሰ ብዛዕባ ዕደና ዓሚቝ ባሕሪ ኣብ ዝውጽኦ ጕስነታዊ መግለጺ ኣመልኪትዎ ይርከብ፣ እዚ ድማ ኣቦ መንበር ናይዚ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ራያን ፒ. ጂሜኔዝ፣ በዓል ኣጋና ጓም፣ ከምኡውን ከም ኣቦ መንበር ፈደረሽን ጉባኤታት ካቶሊክ ጳጳሳት ኦሽያንያ (FCBCO) ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኢዮም።

እቶም ጳጳሳት ኣብታ መልእኽቶም፣ "ንዅሎም እቶም ብዛዕባ ዕደና ዓሚቝ ባሕሪ ዚተሓሓዝ ውሳነታት ክገብሩ ሓላፍነት ዝስከሙ ሰባት፣ ብጥበብን ግሉጽነትን ትሕትናን ክገብሩ፣ ንረብሓ ሓባራዊ ሓልዮትን ክጽዕሩ፣ ብኣኽብሮት ነተባብዖም ኣሎና" በሉ።

ደቂ ሰባት ንቝጠባዊ ምዕባለ ንምዕቃብ፣ ንወለዶታት ካብ ምድሪ ማዕድን ከም ዘውጽኡ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣብ ሓባራዊ ቤትና ዘስዕቦ ናይ ነዊሕ ግዜ ሳዕቤን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግምት ከም ዘየእቱ እውን ገሊጾም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዜተሓሳስቦም ዘሎ ኩነታት

ሎሚ ግን ኣብዚ ዞባ ንግዳዊ ዕደና ዓሚቝ ባሕሪ እናቐረበ ይኸይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ፣ እቲ ኣብ ከባቢ ኣመሪካ ሳሞአ ዝርከብ 33 ሚልዮን ሄክታር ዝስፍሓቱ ማያትን፣ ኣብ ጥቓ ሃገራዊ ሓወልቲ ባሕሪ ማሪያና ትሬንች ዝርከብ ቦታታትን ሓዊስካ ሰፊሕ ክፋል ሰላማዊ ውቅያኖስ ንንግዳዊ ክራይ ይካረ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

ጳጳሳት ዞባ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝገለጽዎ መንግስታት፣ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፣ ማሕበረሰብ ደቀባት፣ ኣብያተ-ክርስትያናትን ብዙሓት ሰብ ሰናይ ፍቓድ ዝኾኑእ ሰባትን፣ በዚ ምዕባለታት እዚ ብዛዕባ መጻኢ ውቅያኖስን ነቶም ብድሕሬና ዝመጹ ሰባት ዝገድፍዎ ውርሻን ኣገዳሲ ዝርርብ ንኽገብሩ ኣለዎም ክብሉ ተላበዉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ከም ጓሶት መጠን ሓላፍነቶም ወንጌል ክሰብኩን፣ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ-ክርስትያን ከብርሁን ምዃኑ ይዝክሩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ነዚ ወለዶ እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ነቶም ዚስዕቡ እውን ሕድሪ ኸም እተዋህበ ደጊሞም ኣረጋገጹሎም።

ስነ-ፍልጠት ርግጸኛ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ጥንቃቐ ኣገዳሲ ኢዩ

"ታሪኽ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ሳዕቤን እቲ ኸቢድ ወይ ዘይምለስ ጕድኣት ኬምጽእ ዚኽእል ነገራት ርግጸኛ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን፣ ጥበብ ብትሕትናን ብምስትውዓልን ብጸሎትን ኣስተንትኖን ክንመላለስ ከም እትጽውዓና ይምህረና" በሉ።

እቶም ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ንህዝቢ ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ እዚ እምነት እዚ ኣብ ኣነባብራኦም ሱር ዝሰደደ እዩ።  ወለዶኦም "በቲ ኻብ ፍጥረት ዝረኸቦ" ዘይኰነስ በቲ "በቲ ዘዕቈቦ" ኺዝከር ተስፋ ኸም ዝገበሩ እውን ገለጹ።

ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዓሚቝ ውቅያኖስ፣ ሓደ ኻብቲ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ዘይርድእዎ ሥነ ኣከባቢያዊ ሥርዓት ምዃኑ ኺሕብሩ ኸለዉ፣ "ብዛዕባ እተፈላለየ ዓይነት ህይወት ሥነ ኣከባቢ ርክባት ከምኡውን ብዛዕባ ነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ተጻዋርነቱ ገና ኸም ዘይተፈልጠ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ይርከቡ" በሉ።

ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሎሚ ዝውሰድ ውሳነታት ብቐሊሉ ኺልወጥ ዘይክእል ሳዕቤን ክህልዎ ኸም ዚኽእል እውን ኣጠንቀቑ ።

እቶም ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ "ከቢድ ወይ ዘይምለስ ጕድኣት ብሓቂ ተኽእሎ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ምሉእ ስነ-ፍልጠታዊ ርግጽነት ዘይምህላው ብዘይ ግባእ ጥንቃቐ ንምቕጻል መመኽነይታ ክኸውን የብሉን" ብምባል ኣትሪሮም ተላበዉ።

ንተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኣይንቃወሞን ኢና

ምስትውዓል ይብሉ እዞም ጳጵሳት፣ "ንዕቤት ዕንቅፋት ኣይኰነን" የግዳስ፣ "ሓቀይና ምዕባለ ንደቂ ሰብን ፍጥረትን ንኼገልግል ዘኽእሎ ውርዝና" ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

እቶም ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ቤተ-ክርስትያን ንስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን፣ ሓላፍነት ዝስምዖ ቝጠባዊ ምዕባለን ኣይትጻረርን እያ፣ ኣብ ክንዳኡስ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ወትሩ ንኽብሪ ደቂ ሰብ ከም ዘኽብር ንንጽህና ፍጥረት ከም ዚሕልዎን፣ ንሓባራዊ ረብሓ ኸም ዜገልግልን ከነረጋግጽ ትጽውዓና ኢያ" በሉ።

ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎና ሓልዮት ካብ ፍትሕን ሰላምን ባህልን ክብረት ህዝብታትን ክፍለ ከም ዘይክእል እውን ገለጹ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ጳጳሳት ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ፣ "እቲ ዅሉ ብእኡ እተፈትረ፣ ኩሉ ኣብኡን ኣብኡን ዝንበር ክርስቶስ፣ ንመራሕትና ጥበብ ንማሕበረሰብና ትብዓት ንኣውያት ምድርን ንኣውያት ድኻታትን ዝቕበሉሉ ልቢ ይሃቦም" ክብሉ ጸልዮም።

"መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ልግስን እተመስረተ ውሳነታት ንኽንገብር ይመርሓና፣ እዚ ኸኣ መጻኢ ወለዶታት ክብሪ ኣምላኽ ዚእውጅን ንህዝቢ ዞባ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዚድግፍን ውቅያኖስ ክወርሱ የኽእሎም" ክብሉ መልእኽቶም ደምደሙ።

13 Aug 2026, 13:50