ድለ

ካርዲናል ቦ ንሓገግቲ ኣካላት፡ ርእሰ - ተመሓዳሪ ቀታሊ ኣጽዋር ንምእጋድ ስርሑ! ካርዲናል ቦ ንሓገግቲ ኣካላት፡ ርእሰ - ተመሓዳሪ ቀታሊ ኣጽዋር ንምእጋድ ስርሑ! 

ካርዲናል ቦ ንሓገግቲ ኣካላት፡ ርእሰ - ተመሓዳሪ ቀታሊ ኣጽዋር ንምእጋድ ስርሑ!

ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ሰባኻታት ያንጎን ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ኣብ ኣሲዚ ንዝተኣከቡ ክርስትያን ኣባላት ባይቶን ፖለቲካዊ መራሕትን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቀመራዊ ምዕሪት “ንብምሉኡ ሕብረተሰብ ብስርዓት ዕሸላዊ ኣተሓሳስባ ንኽምለሱ” ክገብር ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።

ዜና ቫቲካን

“ቀመራዊ ምዕሪት ዜጋታትና ዘንብብዎ፡ ዝገዝእዎ፡ ዝኣምንዎን ዋጋ ዝህብዎን ብጥንቃቐ ኣቐዲሞም ክም ሓደ ዕሹግ ንብረት ክረኽብዎ ብምፍቃድ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ብስርዓት ናይ ዕሸልነት ባህርይ ክህልዎ ዝገብር እዩ” እንክብሉ ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ሊቀ ጳጳሳት ያንጎንን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሚያንማርን ዕለት 24 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኣሲዚ ንዝተኣከቡ ክርስትያን ኣባላት ባይቶን ፖለቲካዊ መራሕትን “መራሕቲ ክርስትያን ውጽኢታውያን ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ህጹጽ ጻውዒት” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጠንቂቖም፡ ቀንዲ መደረኦም “ኣብ ስነ ኣሃዛዊ ዘመን መራሕቲ ክርስትያን ንክርስቶስ ማእከል ዝገብሩ ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ብህጹጽ ይጽውዑ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ናይቲ ፍጻመ ቀንዲ ኣርእስታት፡ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሰላምን ኣብ ሓደ ዘራኸበን እዩ። ስነ - ኣእምሮኣዊ ሳዕቤን ዘለዎ ቁጽጽር ካብ ዘይብሉ እደ ጥበብ ድማ ኣጠንቂቖም፡ ሕብረተሰብ "ንመላእ ወለዶ ንርትዓውን ግብረ ገባውን ፍርዲ ብትንበያውን ወልፍን ዑደታዊ ግብረ - መልሲ ንምትካእ ቅድመ ኩነት ናይ ምዃን" ሓደጋ ከምዘለዎ ገሊጾም፡ "እዚ ናብ ስሑው ደሞክራስን ምምጻእ ምልካዊ ስርዓትን ዝመርሕ ሓደገይና መንገድን ኣዕናዊ ሳዕቤንን እዩ” ኢሎም።

ቅጽበታዊ ምንጻግ ውግእ

ካርዲናል ቦ ንኲናት ምሉእ ብምሉእ ክንጸግ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንግብረ ገባዊ ደረት ዓመጽ ናይ ምውጋድ ሓደጋ ከም ዘለዎ ኣጠንቂቖም። ዝኾነ መጋባርያ "ቅኑዕ ዕላማ ክውንን ወይ ንሓዘን፡ ምሕረት ወይ ቅዱስ ዋጋ ህይወት ወዲ ሰብ ክርዳእ ኣይክእልን፡ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ንምምሕያሽ ጥራይ ክፍጽም ከምዝኽእል" ኣስሚሮም፡ “ዓውደ ውግእ ባዕለ - ተፈጻሚ ምግባር፡ ንግብረ ገባዊ ደረት ዓመጽ ምውራድ፡ ሕልና ደቂ ሰባት ምቕንጣጥን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ዜጋታትናን ናብ ህይወት ዘይብሎም ጸብጻባዊ ነጥቢ ምቕያር እዩ፡ ስለዚ ከም ወከልቲ ህዝቢ መጠን ዕማምኩም ንጹር እዩ፡ ቅጽበታውን ቀያድን ኣህጉራዊ እገዳ ምሉእ ብምሉእ ርእሱ ዝኸኣለ ቀታሊ ኣጽዋር ክትቃለሱ ኣለኩም፡ ኣብዚ ብዓለማዊ ኲናት፣ ዜግነታዊ ዕግርግርን ቁጠባዊ ናዕብን ብፍሉይ ዝተሸገረሉ ዘመን፣ መራሕቲ ክርስትያን ኣብ ሰላምን ፍትሕን ዘማእከለ ኣማራጺ መንገዲ ክኽተሉ ከምዝተጸውዑ ገሊጾም። “ሰላም ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ኣይኮነን፣ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብጽቡቕ ዝገልጽዎ ‘ሰላም ኣብ ስራሕ ዘሎ ፍትሒ እዩ’” ኢሎም።

ምዕባለን ሰብኣዊ ክብሪን

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ቦ ምዕባለ ንኹሉ ከም ካልእ ኣገዳሲ ዕላማ ኣለልዮም፡ እደ ጥበብ ንደቂ ሰባት ናብ መሸጣ ኣቕሓ ካብ ምውራድን ዘገልግሎም እዩ ክኸውን ዘለዎ” እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ሓቀይና ምዕባለ “እደ ጥበብ ንምህዞ ደቂ ሰባት ልዕል ከብሎን ንደቂ ሰባት ተጠቂምካ ናብ ዝድርበይ ኣቕሓ ከይቀየረ ሓደገይና ናይ ጉልበት ስራሕ ከቃልልን ይጠልብ - ቢሎም - ብዙሓት ትካላት እደ ጥበብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ መምርሕን ዋላ እውን መከላኸሊ መንገድን ይደልያ ከምዘለዋ እውን ኣስተብሂሎም፡ “እዚ ዕማምና እዩ - ዘገርም ትሕትና እውን ከምዘሎ እንክሕብሩ፡ ገለ ኣካየድቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለ “ንግብረ ገባዊ ምትእትታው ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ተቐቢሎምዎ” ከምኡ’ውን “ናብ ግዳማውያን - ናብ ፈላስፋታት ናብ መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ብዓቢኡ ድማ ናባኻትኩም፡ ናብቶም ዝተመርጹ ሓገግቲ ኣካላት - ነቲ ብሕጋውን ብንግዳውን መዳይ ንርእሶም ክስእልዎ ዘይክእሉ ተሪር ግብረ ገባዊ ዶባት ክስእሉ ይጥምቱ ኣለዉ” ኢሎም።

መምርሒ ዝደልዩ መራሕቲ እደ ጥበብ

ሃንደስቲ ስነ ሃዛዊ መጻኢ፡ ምሕደራ ይሓቱ ከምዘለዉን፡ ነቲ እደ ጥበብ እኳ እንተተረድእዎ፡ ንኽብሪ ሰብ ዝምልከት ኩሉ መልሲ ከምዘይብሎም ኣሚኖም፡ “ንምቁጽጻር ዘድሊ መጋበርያ እንተዘየቕረብኩም እደ ጥበብ ዘይተርፍ እዩ ዝብል ጽውጽዋይ እንተተቐቢልኩም፡ ነቲ ዝመረጸኩም ህዝቢ ልኣላዊ ግቡእኹም ትገድፉ ኣለኹም ማለት እዩ - ቢሎም - ንኣባላት ባይቶ ከም ሓቀይናታት መራሕቲ ኮይኖም ደው ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ “ቀያዲ ሕጋዊ መከላኸሊታት ክተኽሉ፡ ናይ ትካላት ግሉጽነት ክጠልቡ፡ ቀጥዒ ኣልቦነት ደቂ ሰባት ክነጽጉ፡ ከምኡ’ውን እደ ጥበብ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ሓልዮትና ዝሃበና መስተንክር ሰብኣውነት ተገዛኢ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ከረጋግጹ” ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Aug 2026, 15:29