ካቶሊካውያን ኣሓት ናይ ገዛእ ርእሰን ዛንታ ኣብ ምዝንታው መሪሕነት ይወስዳ
ዜና ቫቲካን
እናቴ ዤን ዋካሂዩ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ዘመን ስነ ኣሃዛዊ ርክብ፡ ካቶሊካውያን ኣሓት ናይ ገዛእ ርእሰን ዛንታ ምዝንታው ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚረን ንወለዶታት፡ ተመኩሮታት ካቶሊካውያን ደናግል መብዛሕትኡ ግዜ ብኻልኦት ይንገር እኳ እንተነበረ፡ እተን ደናግል ንባዕለን ኣብ መንጎ ገጠር ማሕበረሰባት፡ ውሽጣዊ ከተማታትን ኣብ ወሰናስን ዝነብሩ ሰባትን ዘካይድኦ ዕዮ ብሓቀይና መንገዲ ንምግላጽ ዝበለጸ ደረጃ ከምዘለወን ይሕብራ።
ውጥን ጴንጠቆስጠ
ምስ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሃን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝድገፍ ውጥን ጴንጠቆስጠ፡ ስነ ኣሃዛዊ ዛንታ ምቕራብ ድምጺ ዘገልግልኦ ማሕበረሰባትን ብኸመይ ከዕብዮ ከም ዝኽእል ኣብነት ምዃኑ ኣጉሊሐን። እዚ ውይን ብ10 ቋንቋታት ኣብ ዜና ቫቲካን ብዝሕተም ሰሙናዊ መደብ ኣቢሉ፡ ካብ ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃል ቦታታት፡ ማሕበረሰባትን ዞባታት ኲናትን ዝመጻ ኣሓት፡ ናይ ተስፋ፡ ሓጎስን ጽንዓትን ዛንታታት ብምክፋል፡ ንተመኩሮታት ድምጺ ክህብ ይጽዕራ።
ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ዝነብራ ኣሓት
ነዞም ዛንታታት እዚኣቶም ከም ሓደ ዓይነት ስብከተ ወንጌል ገይረን ብምግላጽ፣ ነተን መነኮሳት ኣብ ቤተ ጸሎት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መዓልታዊ ህይወተን ኣብ ጎኒ ሰባት ኮይነን፣ ርህራሄን ፍቕርን እምነትን ተስፋን የቕርባ፣ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያንን መንፈሳዊ ህያባት ማሕበራተን ይነብራ። መነኮሳት ከም ብደገ ኮይነን ዝዕዘባ ከም ፍልዩ ጸዋዕታ ዝነብራ ተገይረን ክረኣያ ዘይኮነስ፡ ንማሕበረሰብ ዘሰንያ፡ ቋንቋታቶም ዝዛረባ፡ ተመኩሮታቶም ዝርድኣ፡ ተስፋን ባህላዊ ስኒትን ናብ ንቡር ንምምላስ ኣበርክቶ ዝገብራን ምዃነን ኣጽንዔን የዘኻኽራ።