ቤተ-ክርስትያን ኡራጓይ፦ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እምነትን ተስፋን ኬደልድል እዩ
ዜና ቫቲካን
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሃገረ ኡራጓይ፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 6 ክሳዕ 8 ሕዳር ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ዑደት ክኸውን ምዃኑ ብምግላጽ ብዓብዪ ሓጐስ ከም እተቐበለቶ ኣረጋጊጻ።
ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡራጓይ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሚልተን ትሮኮሊ እዚ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እታ ሃገር ዘተባብዕን ንተልእኾ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ዘደልድልን ንመላእ እታ ሃገር ሓድሽ መልእኽቲ ተስፋ ዘቕርብን፣ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ናይ ጸጋ ግዜ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብፁዕ ኣቡነ ማልዶናዶ-ፑንታ ደል ኢስተ-ሚናስ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዘካፈልዎ መግለጺ፣ እዚ ሓበሬታ ብሓንቲ ንነዊሕ እዋን ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ክትቅበል ተስፋ ዝገበረት ቤተ-ክርስትያን ብውዕዉዕ ስምዒት ከም እትቕበሎ ገለጹ።
"ብሓቂ ከም ህያብን ከም በረኸትን ኢና እንቕበሎ" ብምባል እዚ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ምእመናን ምልክት ጥቡቕ ቅርበትን ሕብረትን ከም ዝኸውን ገለጹ።
ንእሙናኑ ዘበርትዕ ጓሳ
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ከም ዝገለጽዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ምብጻሕ፣ ዓሚቝ ጕስነታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ እውን ኣጕልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ናይ እምነት ጕዕዞኣ ንምድልዳል፣ ወንጌል ንምስባኽ ንኽትቅጽል ንምትብባዕን ንምእመናን ከም ልኡኻ ወንጌልን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስን መጠን ዘለዎም ጽዋዕ ንምርግጋጽን ናብ ኡራጓይ ክመጹ ምዃኖም እውን ኣመልከቱ።
"ንዅላትና ኼተባብዑናን ብመገዲ ወንጌላውነት ክንቅጽል ክሕግዘናን ብእምነት ኬበርትዓናን ኢዮም" ድማ በሉ።
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ርሒቑ ቦታታት ንዘላ ቤተክርስቲያን ንክበጽሑን፣ ነታ ሃገር ምትእምማንን ተስፋን ዘነቓቕሕ መልእኽትታት ኣብ ዘድልየሉ እዋን ንመላእ ሕብረተሰብ ኡራጓይ ብስራት ከም ዝኸውን እቶም ጳጳስ ወሲኾም ገሊጹ።
ንቅዱስ ኣቦና ከም ሓቀይና ልኡኽ ሰላምን ዕርቅን ሓድነትን መጠን፣ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕልዎም ተስፋ ከም ዝገብሩ እውን ኣመልከቱ።
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ወሲኾም፣ "ንቕድሚት ክንጥምትን ሓድሽን ተስፋ ክህልወናን ዘሎና ሓሳባት ዳግም ንምግምጋምን ኪሕግዙና ኢዮም" ድማ በሉ።
ኣብ ዓለማዊነት ዝዓብለሎ ሕብረተሰብ ወንጌል ምስባኽ
ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኡራጓይ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናብታ ብዓለማዊነት ዝተቐረጸት ሃገር ምብጻሕ ምስ ተሓቱ፣ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝግበርዎ ምብጻሕ መንነትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ከም ዘደልድል ርግጸኛ ምዃኖም ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብ መጀመርታ ዘመነ ጵጵስናኦም ኣትሒሶም፣ ምስ ዘመናዊት ዓለም ኣብ ዝርርብ ናይ ምስታፍን፣ ኣብ መንጎ እምነትን ሕብረተሰብን ርክብ ንምትብባዕ ፍሉይ ክእለት ከም ዘርኣየ ገለጹ።
እዚ ምቅርራብ እዚ ብፍላይ ኣብ ኡራጓይ ንዘላ ቤተ-ክርስትያን፣ ብዝርርብን ብኣኽብሮትን ኣገልግሎትን ወንጌል ንኽትሰብኽ እተጸውዓሉ ስፍራ ንምርግጋጽ ጠቓሚ ኣጋጣሚ ክኸውን ምዃኑ ገለጹ።
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ኣስዕብ ኣቢሎም፣ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ስብከተ ወንጌል ከም መሰረት ናይቲ ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲሰንብ ሰብን ንሓባራዊ ጥቕምን እተወፈየ ሕብረተሰብ ንምድንፋዕ ከም ዝሕግዝ ገለጹ።
"ምላእ እታ ሃገር እተፈላለየ ኣረኣእያን ተነቃፊነትን እኳ እንተ ሃለዋ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጽቡቕ ከም እትቕበሎምን መልእኽትታቶም ብተገዳስነት ከም እትሰምዕን እኣምን እየ" እውን በሉ።
ኣስኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብምስዓብ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ደድሕሪ እቶም ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ናብታ ሃገር ዑደት ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ናብ ኡራጓይ ዝበጽሑ ዘለዉ ኻልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዀኑ እዮም።
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ከም ዘመልከትዎ ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ምብጻሓት እዚ ንጹር ቀጻልነት ኣሎ ይብሉ፣ ከመይሲ ክልቲኦም እዞ ተካእቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቤተ-ክርስትያን ኡራጓይ ዘለዎም ነባሪ ፍቕሪ ስለ ዜንጸባርቕ ድማ እዩ።
ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝገበሮ ምብጻሕ ኣብ ተዘክሮታት ብዙሓት ምእመናን ህያው ምዃኑ ብምዝካር እቲ ሓድሽ ናይ ጳጳስ ጕዕዞ ነቲ ምስ ኣድማሳዊ ቤተ-ክርስትያን ናይ ምሕባር ተመክሮ ከም ዘለዓዕሎ ገለጹ።
"ንሕና ንእሽቶ ቤተ-ክርስትያን እኳ እንተ ዀንና፣ ወትሩ ምስ ቤተ-ክርስትያን ሮማ ሕበረት ዘሎና ኮይና እምንቲ ክንቅጽል እትደሊ ቤተ-ክርስትያን ኢና" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ምብጻሕ ድማ ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ "ብርሃንን ጨውን ማይ ብሑቝን" ንኽትከውን ከም ዘተባብዓ ወሲኾም ገለጹ።
ቅድስቲ እመቤትና ዘሰላሳን ሰለስተን ማእከል ናይቲ መንፈሳዊ ምብጻሕ
ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋናት እቲ ምብጻሕ ብዕለት 8 ሕዳር እዩ ክካየድ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ክብረ በዓል ናይታ ተበቓ ሃገረ ኡራጓይ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰላሳን ሰለስተን ድማ ክሳተፉ ኢዮም።
ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ክብረ በዓል ኣብ ሰንበት እዩ ዝውዕል፣ እዚ ድማ ይብሉ ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ፣ ነቲ ኣብ ዓዓመት ምስ እዚ ክብረ በዓል ብምትሕሓዝ ዝካየድ ባህላዊ ሃገራዊ ንግደት ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዚህልዎ ዝገብር ምዃኑ ገለጹ።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ኣብ ቅድሚ ታሪኻዊት ምስሊ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሰላሳን ሰለስተን ኣብ ቤተ መቅደሳ ተረኺቦም ክጽልዩ ብምኽኣሎም ከም ዘሓጉሶም ገለጹ።
እዚ ተግባር እዚ ንእኖና ቅድስቲ ድግል ማርያም ከም ኣደን ኣማላዲትን መጠን ዘሎና መንፈሳውነት ንምሕዳስ ከም ዝሕግዝ ብምግላጽ፣ መበቈል ክርስትያናዊ መንነት ኡራጓይን ነዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ምምዕባሎን ኣድላዪ ምዃኑን ብምዝካር ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።
"ህላወ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ነጋድያን ፍሉይ ህያብ ክኸውን ኢዩ" ድማ በሉ።
ገጽ ናይቲ ህዝባዊ መንፈሳውነት
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ እውን ከም ዝገለጽዎ፣ እቲ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ህዝቢ ኡራጓይ ህያው ዝዀነ መግለጺ እምነትን ህዝባዊ ተወፋይነትን ንኽዕዘቡ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ምዃኑ ኣመልከቱ።
ሃገረ ኡራጓይ መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ኻብተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ብዓለማዊ መንነት እተጠቓአ ሃገራት ተባሂላ እትጽዋዕ እኳ እንተ ዀነት፣ ብፁዕነቶም ከም ዝገለጽዎ እዚ ማርያማዊ መንፈሳውነት ግን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ንብዙሓት ሰባት ምንጪ ተስፋ ከም ዝዀነን ኣስመሩሉ።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ "ኵሉ ሳዕ ናብ ወዳ ኽንጥምት ተተባብዓና" ብምባል፣ ንሰባት ኣብ ጕዕዞኦም ተሰንዮም ኣላ፣ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ በይኑ ከም ዘይጐዓዝ ዘሎ ብምዝኽኻር ኣገዳስነቱ ኣመልከቱ።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ነጋድያን ምርኻቦም ሓደ ኻብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ሓያል ዝዀነ ህሞት እቲ ጕዕዞ ኪኸውን ምዃኑ ገለጹ።
ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝኸውን ጕስነታዊ ዕድል
ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ወሲኾም፣ እታ ኣብ ሃገረ ኡራጓይ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ምብጻሕ ብመንፈሳዊ መዳይ ክዳለዉን ከም ሓቀይና ናይ ሓዋርያዊ ጕስነት ኣጋጣሚ ገይሮም ክቕበልዎን ጻውዒት ኣቕረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ተልእኾኦም ከሰንይዎምን ብርታዐን ሓይልን ክህብዎምን ክስምዕዎን ዘድልዮም "ንእሽቶ መጓሰ" ንምድጋፍ ከም ኣድማሳዊ ጓሳ ኰይኖም ኢዮም ዝመጹና ዘለዉ።
እቲ ህዝባዊ ምላሽ ኣብ ኡራጓይ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓይኒ ስዉር ኰይኑ ዘሎ ስፍሓት እምነት ከም ዜርኢ እውን ምትእምማን ከም ዘለዎ ገለጹ።
"ኣዝዩ ጽቡቕ ኣቀባብላ ከም ዝገብሩሎምን ኵሉ ሰብ ኪቕበሎም ክርእዮን ኪሰምዖን ከም ዝመጹ ርግጸኛ እየ" በሉ።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ትሮኮሊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብእምነትን ብጸሎትን ንመልእኽቲ ክርስቶስ ክፉት ብምዃንን ክርአ ከም ዘለዎ ደጊሞም ኣረጋገጹ። እዚ ድማ ንህይወት ቤተ-ክርስትያን ሓድሽ ድራኸ ከም ዝህብን ነታ ሃገር ሓድሽ ተስፋ ከም ዘምጽኣላን ብምትእምማን ምዃኑ ኣመልከቱ።