ድለ

ሲኖዳውነት ጉዕዞ ኣፍሪቃ ናብ 2028 ኣብ መላእ ኣህጉር ሰማዒት ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ሲኖዳውነት ጉዕዞ ኣፍሪቃ ናብ 2028 ኣብ መላእ ኣህጉር ሰማዒት ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ 

ሲኖዳውነት ጉዕዞ ኣፍሪቃ ናብ 2028 ኣብ መላእ ኣህጉር ሰማዒት ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ

ንሸውዓተ ዞባዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ደሴታትን ዝውክሉ ልዕሊ 50 ልኡኻት ኣብ መላእ ኣህጉር ዝያዳ ሲኖዶውነትን ወንጌላውነት ቤተ ክርስቲያን ንምዕባይ ዝተሓደሰ ቃል ብምእታው ንፈለማ እዋን ንዓቕለሲያዊ ጉባኤ 2028 ዝካየድ ናይ መጀመርታ መሰናድኦ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 5 ነሓሰ ዛዚሞም።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዕለት 4 ነሓሰ ጀሚሩ "ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ጉዕዞ ናብ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ 2028" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ኣብ ሮማ ንዝካየድ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ምድላዋት ኣህጉራዊ ምዕራፍ ወግዓዊ ምጅማር ኮይኑ፡ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት - SECAM ኣቦ መንበር ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ በሱንጉ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሊቀ ጳጳሳት ኪንሻሳ ስለ እቲ "ናይ ክልተ መዓልታት ጸሎትን ምስማዕን ዘተን መመያን" ንእግዚኣብሔር ኣመስጊኖም፡ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ንጥፈታት ንምግምጋም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንምርዳእ ዝዓለመ ዕድል ምዃኑ ገሊጾም ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ንዝገብሮ ስራሕ ኣፍልጦ ምሃብ። ብሓባር መንፈስ ቅዱስ ከመይ ጌሩ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ሲኖዳውያንን ወንጌላውያን ልኡካን ክንከውን ይጽውዓና ከምዘሎ ከነስተውዕል ዝሓገዘ ርክብ እዩ” ከም ዝበሉን ንጉባኤ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ኢትዮጵያን ሊቀ ጵጳሳት ርእሰ ሰበኻታት ኣዲስ ኣበባን ነቲ ኣኼባ ዘአንገዱ ምስጋናኦም ገሊጾም፡ ጉጅለታት ሲኖዳውነት ኣህጉራውን ዞባውን፣ ኣቕረብትን ተሳተፍትን ንዝገበርዎ ተወፋይነትን ክቡር ኣበርክቶን እውን ኣመስጊኖም።

ካርዲናል ኣምቦንጎ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ዘተ እንከስተንትኑ ኣብ መላእ’ታ ኣህጉር ዘተባብዕ ምልክታት ተስፋ ከምዘለልዩን ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ዓመታት ንጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሕ ቀዳምነታት ሲኖዳውነት ኣፍሪቃ ከምዘስተብሃሉ ሓቢሮም። ነዚ ቀዳምነታት እዚ ፍረ ናይ ሓባር መስርሕ ምስትውዓል ምዃኑ ገሊጽዎ፣ ኣብ ውሽጢ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያን ምስማዕን ዘተን ተልእኾ ወንጌልን ምሕዳስን ንምሕያል "ናይ ሓባር ኣድማስ" ዘቕረቦ ምዃኑ ንቕድሚት እናጠመቱ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት - SECAM ኣቦ መንበር ካብ 2027 ጀሚሩ ንመስርሕ ኣህጉራዊ ሲኖዶስ ዝቐርጽ ፍኖተ - ካርታ ኣቐሚጦም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ብኣርባዕተ ተኸታተልቲ መድረኻት ማለት ንቕሓት፡ ትርጉም፡ ኣንፈትን ጽምብልን - ካብ ሰበኻታትን ሃገራዊ ገምጋምን ጉባኤታት ናብ ኣህጉራዊ ሲኖዳዊ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ናብ ሮማ ክትጓዓዝ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣኼባ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዞባዊ ጉጅለታት ነቲ ሕጂ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ስራሕ ንምድላው ዝዓለመ ናይ ሕንጸት ተመክሮ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። "ከም ዞባዊ ጉጅለታት ኣብዚ ኣለኹም፡ "ናብ ዓድኹም ምስ ተመለስኩም ሃገራዊ ጉጅለ ሲኖዳውነት ክትምስርቱ ክትጽውዑ ኢኹም፡ እቶም ጉጅለታት ድማ ብግዲኦም ናይ ሰበኻ ጉጅለ ሲኖዳውነት ክምስርቱ እዮም። በዚ መንገዲ እዚ ነዞም ጉባኤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ንምጽንባል ብግቡእ ድልዋት ክንከውን ኢና።"

ልኡኻት ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ተግባር መንፈስ ቅዱስ ንምፍላጥ ክሕግዙን ህያባትን ተመኩሮታትን ኣፍሪቃ ብመስርሕ ሲኖዶስ ኣቢላ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዘሀብትማ ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቦም። "መንፈስ ዘርእየና መንገዲ ክንክተል ትብዓትን ብሕብረትን ተሳትፎን ተልእኾን ብሓባር ክንጉዓዝ ለጋሳት ይግበረና - ቢሎም - ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብወግዒ ቅድሚ ምዕጻዎም ናይታ ኣህጉር ሲኖዳዊ ጉዕዞ ንኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣማዕቐይቦም ንህዝቢ እግዚኣብሔር ኣብ 2028 እዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዓውደ ጉባኤ ኣካል ናይ ኣፈጻጽማ ምዕራፍ ሲኖዶስ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝቖመ ኮይኑ ኣብ 2028 ኣብ ሮማ ዝካየድ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ዓቅለሲያዊ ጉባኤ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ዓቕለሲያ ምልላይ ኣብ እትገብሮ ኣበርክቶ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ዝውክል ኮይኑ፡ ኣብ 2028 ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ሮማ ዝዛዘም ምዃኑ የዘኻኽሩ።

07 Aug 2026, 15:03