ድለ

ናይ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት - WYD ኣብ ሴኡል መርሕ መዝመር ወግዓዎ ኮይኑ

2027 ኣብ ሴኡል ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሓደ ዓመት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ወግዓዊ ናይቲ ፍጻመ ቅዉም መዝሙር፡ “Confidite, Ego Vici Mundum - ትብዓት ይሃልኻ! ኣነ ዓለም ስዒረያ እየ” ዝብል ኣርስቲ ዘለዎ ምዃኑ ብወግዒ ከም እተሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዜና ቫቲካን

ንኣእምሮ ምሉእ ወለዶ መንእሰያት ካቶሊካውያን ዘቃልሕ ቅኒት እዩ። ንዝቕጽል ዓለማዊ ቅነ መንእሰያት (WYD) ዝምልከት ወግዓዊ መዝሙር ከም ዝቐረበን፡ እዚ ድማ ልክዕ ሓደ ዓመት ቅድሚ እቲ መደብ ዝቐረበ ኮይኑ፡ እቲ መርሕ መዝሙር እዚ ናይቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ ዕለት 8 ነሓሰ 2027 ኣብ ሴኡል ኣብ ንኻየድ ናይ ዝተወሰነ ኣህጉራዊ ምትእኽኻብ ካቶሊካውያን መንእሰያት ቃና ዝሰርዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ኩሎም ኣህዛብ መዝሙር

እታ መርሕ “Confidite, Ego Vici Mundum - ትብዓት ይሃልኻ! ኣነ ዓለም ስዒረያ እየ” ዘርእስታ መዝሙር ነቲ ንዓለማዊ ቅነ መንእሰያት (WYD)2027 ዝተመርጸት ኮይና፡ “ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ” ዝብል ካብ ወንጌል ዮሃንስ (16፡33) ዝተወሰደ ኮይኑ። እዛ ናይቲ ፍጻመ መርሕ መዝሙር ብሓያሎ ቋንቋታት፡ ማለት ብቋንቋ ኮርያ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ስጳይና፡ ፖርቱጋል፡ ጣልያን ክትቐርብ እያ።

እታ መርሕ መዝሙር “ንዓ ስዓበኒ ደቂስካ ዘለኻ ተበራቢር ተጓዓዝ” ብዝብል ዕድመ እያ እትኽፈት።

መዝሙር ሕብረት

ሓደ ዕላማ ናይዛ መዝሙር ናይቲ ፍጻመ ትርጉም ጽባቔን ንምቕራብ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን ተሳተፍቲ ነቲ ምትእኽኻብ ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን ከም ቀዋሚ ድምጺ ኮይኑ ከገልግል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሕታም ተዛማዲ ቅንይት ክህልዎ ኣለዎ፣ ንተሳተፍቲ ዝኸውን ብዙሕ ዝኽሪ ሒዙ ዝኸይድ።

እቲ መርሓ መዝሙር ውጽኢት ናይ ክፉት ውድድር ኮይኑ፡ እቲ ዕማም ነቲ “ኣጆኹም ንዓለም ስዒረያ እየ” (ዮሃ 16፡33) ዝብል መርሕ ቃል ዓለም ሓቆፍ ቅነ. መንእሰያት - WYD ዝትርጉም ሓድሽ ድርሰት ምፍጣር እዩ ነይሩ። እቲ ተበግሶ ዕዉት ኮይኑ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ 294 ሓዊሱ 434 ድርሰታት መዛሙር ቀሪቡ እዩ። ብድሕሪ’ዚ እቲ ዝተመርጸ መዝሙር ንኽጸድቕ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ንዓለማውያንን ስድራቤትን ህይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከም ዝቐረበ እውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ኮርያዊ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት - WYD

እታ መርሓ መዝሙር ብኮርያዊ ሙዚቀይና ፍራንሲስ ጂዮን ኪም ዝተዳለወት ኮይና፡ ጣዕሚ ሃገሩን ባህሉን ክተንጸባርቕ እውን ከም ዝገበራን ብዓቢኡ ብቋንቋ ኮርያ ዝዝመር ድምጺ፡ ምስ ባህላዊ መሳርሒታት ውሽጢ ዓዲ ብእዋናዊ ኣወዳድባ ዘወሃሀዳን እያ። እቲ ሙዚቃዊ ቪድዮ፡ መልክዓ ምድርን ምልክት ትርኢታትን ሴውል ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓጋይ ንተሳተፍቲ እንታይ ከም ዝጽበዮም ንመጀመርታ ግዜ ንምርኣይ ዝሕግዝ እዩ።

ከም ልምዲ “ኣብ መዓልታት ሰበኻታት” ቅድሚ እቲ ቀንዲ ምትእኽኻብ ኣብ ሴኡል ክካየድ እዩ። ካብ ዕለት 29 ሓምለ ክሳብ ዕለት 2 ነሓሰ 2027 ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰበኻታት ኮርያ ንነጋድያን ናብ ሰበኻታትን ኣባይቲ ስድራን ብምቕባል ቅድሚ እቲ ኣብ ሴውል ዝካየድ ጽምብል ኣብ ህይወት ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ክኣትዉን ክላለዩን እዮም፡

ድሕሪ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ኣብ 1995 ኣብ ማኒላ ዝተካየደ ዓለም ሃቆፍ መዓልቲ መንሰያት WYD ኣብ ኤስያ ክካየድ ንካልኣይ ግዜ ክኸውን እዩ። እዚ መደብ እዚ ኣብታ ካቶሊካውያን ውሑዳት ዝኾኑላ ሃገር ንፈለማ እዋን ክእንገድ እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብዚ ብዓቢ ሃይማኖታዊ ብዙሕነት ዝልለ ሕብረተሰብ ካቶሊካውያን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ብግምት 12% ይውክሉ፡

ዝቕጽል ስጉምትታት

ምዝገባ ተሳተፍቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2026 ክኽፈት ኮይኑ፡ ኣብ ንውሓት ጻንሖትን ዝተመርጹ ፍጻሜታትን መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ መሳለጥያ ክቐርብ እዩ። ኣብ ኢድ ተለፎን ዝጸዓን መተግባሪ ዝተዋደደ ስርዓተ መስመራዊ ስነ ምንቅስቓስ እውን ይምዕብል ኣሎ።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት ዝነበረ፡ ኣጋይሽ ምቕባል ብዓቢኡ ኣብ መላእ ርእሰ ሰበኻታት ሴኡል ብዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ቁምስናታትን ክቐርብ እዩ። ድሮ ኣስታት 230 ሰበኻታት ንመንእሰያት መዓልታዊ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኮርያ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ንኣአንገድቲ ኣባይቲ ስድራ ብንጥፈት ይሕነጻን የሰልጥናን ኣለዋ።

“WYD Seoul 2027 - ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሴኡል 2027” ናይ ተስፋ ጽምብልን ምስክርነት ኣቀባብላን ምትሕግጋዝን ኮርያን ሴኡልን ክኸውን ዝከኣለና ጻዕሪ ክንገብር ኢና” እንክብሉ ናይቲ ኣካባቢ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣቦ መንበር ናይ ሴኡል ርእሰ ሰበኽታት ሊቀ ጳጳሳት ፒተር ቹንግ ሱንታይክ ፡ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ እቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ምድላዋት ካብ ዝብገስ ሰለስተ ዓመት የቑጽር ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ቁምስናታትን ኣባይቲ ስድራን ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ቅድሚ ምቕባለን ዘድሊ ሕንጸት የቕርብ ኣሎ። ዳርጋ 30 ሽሕ ወለንተይናታት ክኣብቲ ፍጻሜ ክተሓባበሩ ትጽቢት ይግበር፡ ድሮ ሓያሎ ኣማኢት ኣብ ስራሕ ኣለዉ” ኢሎም።

04 Aug 2026, 16:54