ድለ

ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓ ዝምድናታትን መርበባትን ንምፍጣር ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓ ዝምድናታትን መርበባትን ንምፍጣር 

ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓ ዝምድናታትን መርበባትን ንምፍጣር

ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኽቢ ብዙሓን ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ንሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓ፡ ንሰብኣዊ ዝምድናታት ቀዳምነት ምሃብ ፡ ምሕዝነትን መርበባትን ምህናጽ ዝብል ቀዳምነታት ክቕበሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ይላበዉ።

ዜና ቫቲካን

ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ “ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንባህላዊ ስኒትን ኣከባብያዊ ሰናይ ሂወትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ካብ ዕለት 8 – 10 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ ዋዕላ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን መኽፈቲ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ፡ ምትእምማን ምህናጽን ሓቀይና ሰብኣዊ ዝምድናታት ምዕባይን ዘቐድም ካልእ ዓይነት መንገዲ ርክብ ዝከኣል ምዃኑ " ዘርኢ'ዩ እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ዕለት 7 ነሓሰ ናይ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ኣቦ መንበር ኮይኖም ዝተሓረዩ ኣብ መንበረ ጥበብ ፖርት ሃርኮርት ናይ ዝርከብ ክፍሊ መጽናዕቲ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ዝመርሑ ኣባ ዋልተር ችክወንዱ ኢሄጂሪካ ነዚ ሓላፍነት እዚ ድሕሪ ምቕባሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ነቲ ብመርበብን ብኣካልን ዘሳተፈ ባይቶ ልኡኻት SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን፡ እቲ ዝተመርጸ ሓድሽ ኣካያዲ ዕዮ፡ ከምቲ ዶክተር ሩፊኒ ዘቕረብዎ ለበዋ፡ ተሳትፎ፡ ህንጸት መርበባትን ምሕዝነትን ንምርግጋጽ ኣበርቲዓ ከም ዝዓዪ የረጋግጹ።

ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ዘቕረብዎ ብድሆ

ዶክተር ሩፊኒ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መኽፈቲ  ዓለማዊ ጉባኤ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓዝሓን መኽፈቲ ብምስማዐ ርእየት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላት SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊካውያን መራኸቢታትን ምህናጽ ሓቀይና ሰብኣዊ ዝምድናታትን ምፍጣር ምሕዝነትን ሓደ ካብ ቀንዲ ዕላማታት እቲ ማሕበር ክገብርዎ ኣተባቢዖም፡ "ኣብ ጽንኩር እዋን ኢና ንነብር። ብውግኣት፡ ውልትውናን፡ ግጉይ ሓበሬታን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምትእምማንን ዝልለ መዋእል . . . ናይ ፍሽኽታ ምልክት ዝፍነው ስነ ኣሃዛዊ 'ናይ ዕግበት ምልክት' ምስ ኣካላው ቅርበት ሓደ ኣይኮነን። ነዚ እዩ ድማ ከም ካቶሊካውያን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ተልእኾና ኣገዳሲ ዝኸውን። ኩሉ ኣብ ምትእምማን ዝተሃንጸ ማሕበረሰብ፤ ነፍሲ ወከፍ መርበብ ሰባት ካልእ መንገዲ ርክብ ዝከኣል ምዃኑ ዝምስክር እዩ።” እዚ “ከቢድ ዕማም” እውን እተኾነ፡ እዚ ዓይነት ኣቃውማ ዘለዎ ዓለማዊ መርበብ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታውን SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ክበጽሖ ዝኽእል ዕማም ምዃኑ ኣሚኖም፡ "ብልክዕ ከምኡ እንተዘይኮይኑ ድማ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን እንታይ እዩ? ኣብ መንጎ ናይ ጋዜጠይና ዓለምን ሲነማን ብሓፈሻ መራኸቢ ብዙሓን ምትእስሳር ዝፈጥር" እዩ እንክብሉ የጒልሑ።

ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወት

ጉባኤ ኪጋሊ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዓለም ዝመጹ ሰለስተ ሚእቲ ካቶሊካውያን ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሃን ዘሳተፈ ኮይኑ። ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ቃል ድማ “ስነ ኣሃዛዊ ርክብ ንባህላዊ ስኒትን ከባብያዊ ሰናይ ሂወትን” ዝብል ምንባሩ እንክዝከር፡ ንመጀመርታ ግዜ እቲ ጉባኤ፡ ገዳማውያን ኣሓት ኣብ መራኸቢ ብዙሃንን ቤተ ክርስቲያን ከም ቀንዲ መዳርግቲ ኣካላት ከመይ ኣበርክቶ ክገብራ ከም ዝኽእላ ዘርኢ ሓያል ህላወ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝተለለየ እዩ። ብዙሓት ተሳተፍቲ ነቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ኣብ መሰረታዊ ጉዳይ ምስን ንዝተገለሉ ማሕበረሰባትን ዝገብርኦ ዕዮ ዘድነቐ ምንባሩ ይሕበር።

ሓድሽ ፈጻምን ኣካያድን ዕዮ ኣካል

SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ካብ ምምራጽ ሓሊፉ፡ ፓሜላ ኣለማን (ካናዳ)ን ዶክተር ማጊማይ ፕራጋሳም (ህንዲ)ን ምኽትል ኣቦ መንበር ክኾኑ ከም ዝሓረየን፡ ካልኦት ኣባላት ፈጻሚ ስራሕ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ዳግማይ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዝተመርጹ ዶክተር ፒተር ራቻዳ ሞንቲንቪቺንቻይ (ታይላንድ) ይርከብዎም። ኣድሪያና ራካሻን (ሮማኒያ) ተሓዚት ገንዘብ ናይቲ ማሕበር ኮይና ከተገልግል ከም እተሓረየትን እዚ ዝተመርጸ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕን ፈጻሚ ኣካላን ንርባዕተ ዓመት ዘገልግል ምዃኑ ይሕበር።

ውዳበኣዊ ኣቃውማ

ከም ዓለምለኻዊ ማሕበር መጠን፡ ኣባላት SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ብዞባታት ዓለም ዝተጠርነፋ ሃገራዊ ማሕበራት እዩ። ሽዱሽተ ዞባታት ኣለዋ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ፓስፊክ፡ እስያን ኤውሮጳን ከምኡ’ውን ብኣህጉራውያን ካቶሊካውያን ናይ ርክብ ትካላት ወይ’ውን ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን ከም መንፈስዊ ውህበት ዝነብሩ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት ዝጥርንፍ ኣህጉራዊ ጉጅለ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ውልቀሰባትን ትካላትን ተሓባበርቲ ኣባላት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ኩለን ዞባታትን ኣህጉራዊ ጉጅለን ኣብቲ ንቕዋም SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ዝውስን ኣካል ኣመሓደርቲ ዓለም ይውከላ። ኣባላት ፈጻምን ኣካያዲ ዕዮን ኣካል ኣብ እዋን ዞባዊ ጉባኤታት ይምረጹ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ዓለማዊ ጉባኤ እዩ። ካብቶም ዝተመርጹ ኣባላት ዞባ፡ ክልተ ሰባት ኣብ ዓለማዊ ፈጻምን ኣካያዲ ዕዮ ኣካልን ቦታ ይህልዎም  ከም ንቡር ንሳቶም ድማ ኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ዞባ እያቶም። ቤት ጽሕፈት ምሕደራ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ሮማ ኣብ ዝርከብ ግዳማዊ ግዝኣት ቅድስቲ መንበር - ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ዝርከብ ኮይኑን ኣብዚ ሕንጻ እዚ ገለ ካብ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን፣ ኣባይቲ ጽሕፈት ኣህጉራዊ ካቶሊካዊ ትካላትን ማሕበራትን ይርከብ።

ዓለማዊ ጉባኤ

ዓለምለኻዊ ጉባኤ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ ኩሎም ካቶሊካውያን ትካላት መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓን ወግዓውያን ኣባላት ምዃን ብዘየገድስ ኣብ ንዋታዊ ዘተ ዝሳተፉሉን ሓሳባት ዝለዋወጡሉን ናይ መጻኢ ራእይ መራኸቢ ብዙሃንን ርክብን ዘስተንትኑሉ መድረኽ እዩ።

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ SIGNIS - ዓለማዊ ካቶሊካዊ ማሕበር መራኸቢ ብዙሓን ቅድሚ እዚ ኣብ 2026 ዓ.ም. ኣብ ሩዋንዳ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ምክያዱ፡ ኣብ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ሴኡል፤ ኣብ 2017 ኣብ ኩቤክ ካናዳ፤ ሮማ ኢጣልያ 2014፤ ቺያንግ ማይ፡ ታይላንድ ኣብ 2009፤ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ኣብ 2005፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ 2001 ሮማ ኢጣልያ ዝተኻየደ እውን ምንባሩ ይዝከር።

13 Aug 2026, 16:03