ድለ

ኣዋጅ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዋጅ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ 

ኣዋጅ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብ ዋዜማ ምዝዛም ፈላማይ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ሕብረት ኣዋጅ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 7 ነሓሰ ኣጽዲቖም። እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ማእከላይ ተራ ትምህርቲ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ደጊሙ ዘረጋግጽን ንኹለንተናዊ ሕንጸት መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ዝጽውዕን እዩ።

ዜና ቫቲካን

ካብ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዝመጹ ኣበ መናብርት ኤጲስቆጶሳውያን ጉባኤታት፡ ጳጳሳት፡ ካቶሊካውያን መምህራን፡ መራሕቲ መናብርተ ጥበብ ኣብያተ ትምህርትን፡ ኣባላ ሰብ ውፉይ ህየውትን፡ ዓለማውያንን መንእሰያትን ካብ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ዝተዋጽኡ ዝኸተምዎ ኣዋጅ ኣዲስ ኣበባ፡ ውጽኢት ዕዮ ናይቲ ካብ ዕለት 5 - 8 ነሓሰ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ብዛዕባ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝዘተየ ፈላማይ ኣህጉራዊ ዓውደ ጉባኤ እዩ።

ተሳተፍቲ “ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ኣገዳሲ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን፡ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ መሳርሒ ስብከተ ወንጌል፡ ንህንጸት ባህርያት ሓያል ሓይሊ፡ ከምኡ’ውን ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ መተካእታ ዘይብሉ መሳርሒ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም ” ብወንጌል ዝተደረኸ፡ ዓለማዊ ውዕል ትምህርትን ባህላዊ ውርሻታት ኣፍሪቃን ሰነድ፡ ትምህርቲ ንመጻኢ እታ ኣህጉር መሰረታዊ ኮይኑ ከም ዝቕጽል የጉልሕ።

ኣብ እምነትን ሰብኣዊ ክብርን ዝተሰረቱ ሰባት ንምምዕባል

እዚ ኣዋጅ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ንትምህርታዊ ስጉምቲ ዝድግፉ ሓያሎ ሰረታዊ መትከላት ዘዘኻኽር እዩ። ብፍላይ ድማ "ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ብኣምሳልን ኣርኣያን ኣምላኽ ዝተፈጥረ"  ከምኡ'ውን "ነፍሲ ወከፍ ህጻንን መንእሰይን ኣብ ሓቂ፡ ፍትሒ፡ እምነትን ሰብኣዊ ክብሪን ዝተሰረተ ጽፉፍ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዘይምንዛዕ መሰል” የረጋግጽ።

ብተወሳኺ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ኣባይቲ ስድራ“ቀዳሞት መምህራን ደቆም " ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣበርክቶ ካቶሊካውያን ኣብያተ ትምህርቲ “ኣብ ህንጸት ሃገር፡ ሰላም፡ ስነ-ምግባራዊ መሪሕነት፡ ስነ ምርምራዊ ምዕባለን ማሕበራዊ ለውጥን " የጉልሕ። ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ “ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ናይ ሰላምን ስኒትን ምትእስሳር ንምፍጣር ንምምሃር ክቡር መሳርሒ” ተባሂሉ ይቐርብ።

እዋናዊ  ብድሆታት ኣፍሪቃ ምፍታሕ

ነዚ ሰነድ ኣዲስ ኣበባ ዝኸተሙ፡ ድኽነት፡ ግጭት፡ ግዱድ ስደት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ዘይምዕሩይነት፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ ምንቁልቋል ግብረ ገባዊ ክብርታት፡ ከምኡ’ውን እኹል ናይ ትምህርቲ ጸጋታት ዘጋጥሞም ብዙሕ ብድሆታት ኣፍልጦ ይህቡ። ይኹን እምበር እደ ጥበብ፣ ምርምር፣ ምህዞ፣ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ከም ዕድላት ትምህርታዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ንምሕዳስ ዘገልግል ገይሮም ይርእይዎ። ኣብ ቅድሚ እዚ ክውንነታት እዚ፡ መንነት ካቶሊካውያን ትካላት ንምሕያል፡ ኩለንተናዊ ቅርጺ - መንፈሳዊ፡ ግብረ ገባዊ፡ ምሁራዊ፡ ማሕበራውን ምህዳራውን - ንምድንፋዕን ኣብ ስልጠና መምህራንን መራሕቲ ትምህርትን ወፍሪ ንምግባር ቃል ይኣትዉ።

ውሑስ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ፣ ግሉጽን ንህጻናትን ተቓላዕትን” ትካላት ምርግጋጽ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንዝደኸዩ፣ ስንኩላን፣ ዝተመዛበሉን ዝተገለሉ ማሕበረሰባትን ተበጻሕነት ጽሬት ዘለዎ ትምህርቲ ክሰፍሕ ይጽውዕ።

ስነ - ምግባራዊ ኣመራርሓ፡ ህንጸት ሰላም፡ ዕርቅን ሓላፍነታዊ ዜግነትን”  ከስፍሑ'ውን ይደልዩ ። ኣብ ምምሃርን ምርምርን ምምሕዳርን “ሓላፍነታውን ስነ - ምግባራውን ኣጠቓቕማ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ" የተባብዑ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣብ መንጎ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መናብርተ ጥበብ፣ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት፣ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ጉባኤታት ጳጳሳትን ምትሕብባር የማዕብሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ምርምር፣ ምህዞን ዋኒንን ስራሕ ምፍጣርን ባህጊ መናእሰይ ኣፍሪቃ ንምምላእን ከምኡ እውን ብውህደት ስነ - ምህዳርን ሓልዮት ምፍጣርን ዝተደፋፍአ ትምህርቲ ትኹረት ይወሃቦ።

ጻውዒት ናይ ሓባር ሓላፍነትን ኣህጉራዊ ሽማግለ ተቆጻጻሪ ትግባረ

ድሕሪኡ ኣዋጅ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ጻውዒት የቕርብ። ጉባኤታት ጳጳሳት ውፉያት ሃገራዊ መሓውራት ብምቛም ካቶሊካዊ ትምህርቲ "ቀዳምነት ጉስነት " ክገብሩ ይዕደሙ። መንግስታት ንኣበርክቶ ካቶሊካውያን ትካላት ኣብ ሃገራዊ ልምዓት ዘለዎም ዓቢይ ግደ ኣፍልጦ ክህቡን ክድግፉን ይጽውዕ። ብተወሳኺ ንመናብርተ ጥበብ፡ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወት፡ ኣባይቲ ስድራን ዓለምለኻውያን መሻርኽትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ንዘሎ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ብዘላቒ መንገዲ ንምድጋፍ ምትሕብባሮም ከሐይሉ ይላቦ።

ነዚ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝከታተል፡ ተሳተፍቲ ንካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝኸውን ጳጳሳዊ ሽማግለ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ክፍጠር ይምዕዱ። እዚ ሽማግለ እዚ ኣህጉራዊ ቅርጺ ናይ ምምዕባል፣ ናይ ምክትታልን ገምጋምን ኣገባባት ናይ ምምስራት፣ ንጉባኤታት መንበረ ጵጵስና ኣብ ሃገራዊ መደባቶም ናይ ምድጋፍን ስሩዕ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ናይ ምውዳብን ሓላፍነት ክህልዎ እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዘይነጻጸል ምዕባለ ህዝብታት ኣህጉር፡ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ንኣፍሪቃን ማዳጋስካርን መብራህቲ ተስፋ፡ እምነት፡ ፍልጠት፡ ፍትሕን ሰላምን ኮይኑ ይቕጽል”  ዝብል ድሌት የቃልሑ።

10 Aug 2026, 15:34