ድለ

ህዱእ ምስክርነት ክርስትና ኣብ እስያ ህዱእ ምስክርነት ክርስትና ኣብ እስያ  (Paul Budi Kleden)

ህዱእ ምስክርነት ክርስትና ኣብ እስያ

ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል እስያ፡ ካቶሊካውያን ሒደት ቍጽሪ ዘለዎም እዮም። ግን እዚ ናይ ተስፋ ምቑራጽ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡስ ሓደ ካብቲ ፍሉይ ጸጋታት ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ይኽእልን - ሓድሽን ትሑትን መገድታት ምስክርነት ወንጌል ንምርካብ ዝግበር ዕድመ እውን ምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ቡዲ ክለደን የስተብህሉ።

ዜና ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጃካርታ ዝተዛዘመ መበል ዓሰርተ ኽልተ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት እስያ (FABC) ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ኢንዶነዥያ ጉባኤ ጳጳሳት (KWI) ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ኤንደ ሊቀ ጳጳሳት ቡዲ ክለደን እቲ ምትእኽኻብ ተሳተፍቲ ኣብ መላእ እስያ ኣብ ዘሎ ብዙሕ ዝተፈላለየ ክውንነት ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት ዝሕግዝ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ሓቀይና ርክብ ዝዓበየ ነገራት ንኽንመሃር ዕድል ምዃኑ ዳግማይ ብንጹር ዘረጋገጸ እዩ - ቢሎም - ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እስያ ዝመጹ ተሳተፍቲ ንምስማዕ፡ “ልቢ ከተዕብን ኣድማስ ክተስፍሕን” ከምኡ’ውን ልኡኻት ኣብተን መብዛሕትኡ ግዜ ካቶሊካውያን ውሑዳት ዝኾኑለን ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያን ህላወ ኣምላኽ ንኽፈልጡ ሓጊዙዎም እዩ። "ውሑዳት ምዃን ተስፋ ንምስኣንን ተስፋ ንምቑራጽን ምኽንያት ኣይኮነን፡ የግዳስ፡ ምስ ክብርታት ወንጌል ንምንባር ትሑታትን ንኣሽቱን መገድታት ኣብ ምርካብ፡ ንምምስካር ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ” ኢሎም።

ንሊቀ ጳጳሳት ክለደን እዚ ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ዘመልክት እዩ። “ኣብ እስያ ብዛዕባ ሕሹኽታ ወንጌል ኢና ንዛረብ። መንገዲ ወንጌል መንገዲ ትሕትና ምዃኑ ከም ብሓድሽ ምግንዛብ” ንዓኦም ሓደ ካብቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተመከርዎ ምዃኑን፡ ነዚ ብጽሞና ዝፍጸም ምስክርነት ካብ ድኽመት ዝተወልደ ስልቲ ዘይኮነስ፡ ኣብያተ ክርስቲያን እስያ ንኣድማሳዊት ቤተ ክርስቲያን ከቕርበኦ ዝኽእላ ኣበርክቶ ተገይሩ እዩ ዝረአ።”

ኣርባዕተ ምልዋጥ ንመሪሕነት ሲኖዳውነት

ናይ መወዳእታ መልእኽቲ ናይቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ፡ ሲኖዳውነት ቅድሚ መዋቕራት ምቕያር ንልቢ ዝልውጥ እዩ። እዚ ካብቲ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘስተውዕልዎ ኣገባብ ጀሚሩ ጭቡጥ ምልዋጥ ይሓትት።

"ብቐዳምነት ሰማዒ መራሒ ንምዃን ዝግበር ምልዋጥ - ከምዚ ዝኣመሰለ ምስማዕ” ኣብ ካቶሊካውያን ጥራይ ክድረት ከም ዘይክእል ገሊጾም፡ ናይ ካልእ ሃይማኖታት ሰዓብትን ተፈጥሮኣዊ ዓለምን ነቶም ብዙሕ ግዜ ዕሽሽ ዝበሃሉ ሰባትን ማለት "ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን መንእሰያትን ድኻታትን" ከጠቓልል ኣለዎ። ምስማዕ ንስልጣን መንበረ ጵጵስና ከምዘየጉድሎ ኣስሚሮም፡ መራሕቲ ንስልጣን ከም “ዓብላሊ ሓይሊ” ዘይኮነስ ከም ጻውዒት ንኣገልግሎት፡ ሃነጽቲ ድልድልን ገዛእ ርእሶም ድልድልን” ምዃኖም ክርድእዎ ስለዘኽእሎም፡ “የሐይሎ።”

እቲ ካልኣይ ምልዋጥ ድማ ንርክብ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝውክል እዩ። ኣብዛ ብዘይተለምደ ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ዝተለለየት ኣህጉር፡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ንኻልኦት ዝርኣዩሉ ኣገባብ ዝቐርጽ ቅድመ ፍርዲ ዝያዳ ከስተውዕልዎ ኣለዎም። “መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ ባህላዊ ቅድመ ፍርዲ ጐይታ ኣብ ካልኦትን ብኻልኦትን ኣቢሉ ዝፍጽሞ ዘሎ ዝዓበየ ነገራት ንኸይንርኢ ይዓግተና” እንክብሉ ይገልጹ።

እቲ ሳልሳይ ድማ ናብ ቅዱስ ቁርባናዊ መንፈሳውነት ምልዋጥ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ ዘካየድናዮ መበል 12 ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ “ካብ ውህበት ጐይታና ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝውሕዝ ግብረ ሰናይ ዝተመስረተ መንፈሳውነት ቤተ ክርስቲያናዊ ሓድነት” ክንሓንጽ ንጽዋዕ ቢሎም፡ ቅዱስ ቁርባን ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ጸዋዕታኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ከምዘይኮነ የዘኻኽሮም። "ቤተክርስቲያን ብቐዳምነት ኣባና ኣይትምርኮስን እያ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ናትና ኣይኮነትን፡ ናይ ጎይታ እያ። መሪሕነት እምበኣር ኣብቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ፍቕርን ኣገልግሎትን ተሳትፎ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ” ኢሎም።

እቲ ራብዓይ ምልዋጥ ምናልባት እቲ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንሱ ኸኣ ሞሳ - ምስጋና ዝብል እዩ። ሊቀ ጳጳሳት ክለደን ቤተ ክርስቲያን ዋላ እታ መጓሰ ንእሽቶ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን ነቲ ብሓላፍነት ዝተዋህባ መጓሰ ከተመስግን ትጽዋዕ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እስያ ክርስትያንን ካቶሊካውያንን ውሑዳት ምዃኖም ንቤተክርስትያን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ዝመርሕ ኣይኮነን፡ ኣብ ክንድኡ እምነት ኣብቲ ምስ ሰባት ዝቐርበሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መገድታት ዘለዎ ኣምላኽ ኣብ ዘለዋ ምትእምማን እዩ ዝምርኮዝ።

ኣብ እትቕየር ዘላ እስያ ድልድላት ምህናጽ

ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ከም ሃናጺ ድልድል ኣብ እዋን ጉባኤ ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤስያ (FABC) ብተደጋጋሚ ዝተቐልቀለ ኮይኑ፡ ግን ህንጸት ድልድል ኪኖ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣጸቢቑ ክዝርጋሕ ኣለዎ - ቢሎም - ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብታ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረላ ኣህጉር ምስ መንእሰያት ድልድል ምህናጽ ከምዘድሊ ኣጒሊሖም። ብተወሳኺ ስደተይናታት - እቶም ዝሓሸ ህይወት ክደልዩ ናብ ሓዳስ ሃገር ዝኣትዉን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ካብ ሃገሮም ዝወጹን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ ርእሳ ማሕበረሰባት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ጉጅለታት ድልድል ክትሃንጽ እውን ኣለዋ። ኪኖ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን በርገሳውያን ማሕበራትን መንግስታትን ባዕሉ ፍጥረትን ድልድል ምግባር ከምዘድሊ የመልክቱ።

ካብቶም ብዙሓት ሕብረተሰባት እስያ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት፡ ሓደ ብፍላይ ህጹጽ እዩ፡ ንሱ ድማ ቅልውላው ስነ ምህዳር እዩ። እዚ ኩሉ ብድሆታት ነተን ኣብ እስያ ዝርከባ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያን ሓቀይናን ህጹጽን ብድሆታት እዩ። እቲ ኣዝዩ ህጹጽ እንብሎ ክንጠቅስ እንተድኣ ኾይኑ ግን፡ ጉዳይ ስነ ምህዳር እዩ ምበልኩ።” ብዙሓት ሃገራት እስያ ቁጠባዊ ምዕባለ ይስዕባ ከምዘለዋ ኣመልኪቶም፡ እንተኾነ ግን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብልዑል ከባብያዊ ወጻኢታት ከምዝምዝመዝ ይረአ። ብፍላይ ነቲ “ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘለዎ ሳዕቤን ሸለል” ብምባል ዝካየድ ምብራስ ኣግራብን ምዝማት መሬትን ምውጻእ ዕደናን ይሕብሩ።

ተልእኾ ቅድም ናይ ኣምላኽ እዩ።

መሰረታዊ ራእይ ብጹዕነቶም ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ መንፈሳውነት Missio Dei - ተልእኾ ኣምላኽ እዩ - ተልእኾ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ተልእኾ ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን እዩ። "ኣምላኽ ናብ ልቢ ሰባት፡ ባህልታት ንምቕራጽን ሃይማኖታት ንምልዕዓልን ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ኣለዎ። እግዚኣብሔር ድሮ ምስ ሰብኣውነት ድልድል ንምህናጽ ይሰርሕ፡ ክርስትያን ድማ “ድልድልን ሃነጽቲ ድልድልን” ኮይኖም ኣብቲ ስራሕ ንኽሳተፉ ይጽውዕ።

ንሊቀ ጳጳሳት ክለደን እዚ ምእማን’ዚ መሰረት ተስፋ’ውን እዩ። “ሚስዮ ደይ፡ ተልእኾ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ጥራይ፡ ኣብ እስያ ዘላ ቤተክርስትያን መጻኢ ኣለዋ።” እዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ኢንዶነዥያን ኣብ ሰፊሕ ስድራቤት ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤስያ (FABC) ሓላፍነቱ ኣብ ዝወስድሉ እዋን ብዛዕባ መሪሕነት ዘለዎ ርድኢት እውን ይቐርጾ።

ንዓኦም እቲ መልሲ ሲኖዳዊ መሪሕነት እዩ: ዝሰምዕ: ዝተፈላለየ ድምጽታት ዝቕበል: ሓላፍነት ምክፋል ዘይፈርሕ መሪሕነት። "ስልጣን ከይንስእን ኣይንፈርሕ፡ እንታይ ደኣ ዝያዳ ሰባት ኣብቲ መሪሕነት ክሳተፉ ክንዕድምን ምትብባዕን። ብስም መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ምጉዓዝ፡ ሓላፍነት ምክፋል እዩ።”

“ድልድልን ድልድል-ሃነጽትን ኩኑ"

ፈደራላዊ ጉባኤታት ጳጳሳት ኤስያ (FABC) ዘካየዶ ጉባኤ ኣብ ዝዛዘመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ መላእ እስያ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ናብ ገዝኦም ሒዞም ክኸዱ ተስፋ ዘለዎ ሓደ መልእኽቲ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ - ምናልባት ድማ ሕመረት ናይቲ ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ዝገበሮ ኣስተንትኖ ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ “ከምቲ ኢየሱስ ዝገበረልና ድልድላትን ሃነጽቲ ድልድልን ክትኮኑ ዝዕድም ትብዓት።”

ኣብዛ ካቶሊካውያን መብዛሕትኡ ግዜ ከም ውሑዳት ዝነብሩላ ኣህጉር፡ መጻኢ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዓው ኢልካ ምዝራብ ዘይኮነስ፡ ብዕምቆት ክትሰምዕን ብትሕትና ክትመላለስን ብትዕግስቲ ክትሃንጽን ኣብ ምምሃር ዝምርኮስ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ህዱእ ምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ - ወንጌል ሕሹኽ ምባል"-ልክዕ ወንጌላዊ ልእኽቲ ናይ ምዃን ሓይላ ክትረኽበሉ ዝኽእል ቦታ እዩ” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

11 Aug 2026, 16:16