ድለ

ኣብ ፔሩ ዝርከቡ መንእሰያት ወለንተይናታት ንር.ሊ.ጳ ልዮን ንምቕባል ይዳለዉ ኣብ ፔሩ ዝርከቡ መንእሰያት ወለንተይናታት ንር.ሊ.ጳ ልዮን ንምቕባል ይዳለዉ  (ANGELA PONCE)

ኣብ ፔሩ ዝርከቡ መንእሰያት ወለንተይናታት ንር.ሊ.ጳ ልዮን ንምቕባል ይዳለዉ

መበል 130 ስሩዕ ምሉእ ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ጳጳሳት ፔሩ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ሃገር ንኸካይድዎ ዝኾነ ሓዋርያዊ ዑደት ንምስንዳውን ንምቕባልን “ፈተውቲ ልዮን” ብዝብል መጸውዕ ወግዓዊ ወለንታዊ ጉጅለ ክቐውም ብምስምማዕ ከም ዝዛዘሙን፣ እዚ ድማ ካብ መላእ ሃገር ዝመጹ መንእሰያትን ዓለማውያንን ምእመናን ኣብ ሓደ ብምእካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ፔሩ ካብ ዕለት 11 – 17 ሕዳር ኣብታ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ንዝሳተፉ ካብ ዝተፈላለየ ዞባ ፐሩ ንዝመጹ ነጋድያን ኵለንተናዊ ደገፍ ንምቕራብ ዝብል ዕላማ ዘለዎ እዩ።

ዜና ቫቲካን

መበል 130 ስሩዕ ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ጳጳሳት ፔሩ “ፈተውቲ ልዮን” ዝብል ወግዓዊ ናይ ወለንተናዊ ጉጅለ ክኽውም ብምውሳን፡ ዕማም ናይቲ ጉጅለ ንዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብታ ሃገር ዝድግፍ ኮይኑ፡ እዚ ተበግሶ ንመንእሰያትን ዓለማውያንን ምእመናን ኣብ ሓደ ብምእካብ ኣብቲ ካብ 11 – 17 ሕዳር 2026 ተመዲቡ ዘሎ ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንነጋድያን ንምቕባልን ንምሕጋዝን ዘገልግል እዩ።

ምሉእ ጉባኤ ጳጳሳት ፔሩ ንወከልቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ምድላው ር.ሊ. ጳጳሳዊ ምብጻሕ ዝነጥፉ ትካላትን ኣኪቦም፡ ኣብ’ቲ መደብ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ብፍላይ ምስ ፔሩ ዝነበሮም ርክብን ኣብ ቺክላዮ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉ ዓመታትን ብምዝካር፡ ቅዱስነቶም ኣብታ ሃገር ዝገብዎ ዑደት ዓቢይ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎም ይገልጹ።

ጻውዒት ንምግልግላ

“ፈተውቲ ልዮን” ካብ 18 ክሳብ 45 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንሰያትን ዓለማውያንን ምእመናን ክፉት ኮይኑ ክእለቶምን ሞያኦምን ኣብ ኣገልግሎት እዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ከውዕሉ ይደልዩ። ወለንተይናታት ኣብ ምቕባልን ምእንጋድን ነጋድያን፣ ርክብ፣ ስነ መስመራዊ መንቀሳቐስን፣ ውዳበን ድሕንነትን፣ ቀዳማይ ረድኤት፣ ምትርጓምን ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ ዝሕግዙ ክኾኑ እዮም።

ኣብ ትሕቲ “ምግልግላ ሓልዮትን ምስናይን” ዝብል መርሕ ቃል፡ እቲ ተበግሶ፡ ወለንተይናታት ነቶም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝካየዱ ፍጻመታት ዝሳተፉ ተቐበልትን ሓበርትን ናይ ምቅርራብን ህላወ ክኾኑ ዝዓለመን ኣባላት “ፈተውቲ ልዮን” መንፈሳዊ፡ ጉስነትን ስርሒታውን ስልጠና ክወስዱ እዮም። ብተወሳኺ ስነ - ምግባር ክኽተሉን ንመምርሒታት ምክልኻልን ውሑስ - ከባብን ክኽተሉን ክግደዱ እዮም። ተልእኾ እቶም ወለንተይናታት ኪኖ ውደባዊ ተራ ምፍጻም ዝሓልፍ ክኸውን እዩ ። ብተወሳኺ ንነጋድያን ብናይ ቅርበትን ሕውነትን መንፈስ ክመርሑን ክሰምዑን ከሰንዩን ክጽውዑ እዮም።

ምዝገባን ምድላዋትን ናይቲ ምብጻሕ

ኣብ ምጅማር እቲ ተበግሶ፡ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ዑደት እውን ቀሪቡ ከም ዘሎን፡ ምዝገባ ወለንተይናታት ድሮ ተኸፊቱ ኣሎ። ብድሕሪኡ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ስልጠናታት፡ መረጋገጺ መንነትን ዝወስድዎ ተራን ሓበሬታ ክረኽቡ እዮም።

ኣዳለውቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዘድሊ ምስንዳዋት ንቕድሚት ክስጉም ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ተወሳኺ ተበግሶታትን ብዛዕባ መደብ ናይቲ ዑደት ሓበሬታን ክግለጽ እዩ። ከም ኣካል ናይቲ መንፈሳዊ ምድላዋት’ውን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምብጻሕ ወግዓዊ ጸሎት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ንምብጻሕ ዝዓለመ ብቋንቋ ኲቹዋ፡ ኣይማራን ኣዋዡንን ክትርጎም እዩ።

ብጉባኤ ጳጳሳት ፔሩን ርእሰ ሰበኻታት ሊማን ብሓባር ብዝተዳለወ ውድድር ዝተመርጸ “ልዮን ሓው ኣብ ጉዕዞ” ዝብል ወግዓዊ መዝሙር ናይቲ ምብጻሕ’ውን ብወግዒ ከም ዝቐረበን።

ብተስፋ ዝተለለየ ምብጻሕ

ኣብ ፔሩ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምምጻእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እምነት ንምድልዳልን ከም ሓድነት፣ ሰላም፣ ተስፋን ምትሕግጋዝን ዝኣመሰሉ ክብርታት ንምስፋን ዝሕግዝ ዕድል ጌራ እያ ትርእዮ።

ምስ ምቛም “ፈተውቲ ልዮን” መንእሰያትን ዓለማውያንን ጉጅለ ወለተይናታት ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ ኣብ ምድላውን ምፍጻምን ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዕድል ክረኽቡ እዮም። እቲ ዕላማ ኣገልግሎቶም ጭቡጥ መግለጺ ናይቲ ፔሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምቕባል ዘለዋ ተወፋይነት ክኸውን እዩ።

26 Aug 2026, 15:40