ጳጳሳት ዚምባብዌ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞት ጃልባ ምኽንያት ሓዘኖም ይገልጹ
ዜና ቫቲካን
ኣብታ ብትካል ልምዓት ትሕተ ቅርጺ ገጠር እታ ግዝኣት እትመሓደር መርከብ ልዕሊ 120 ሰባት ካብቲ ዝለዓለ ዓቕማ ንላዕሊ ጽዒና ከም ዝነበረት እውን እንከመላኽቱ፡ ብውሕዱ 67 ሰባት ክድሕኑ እንከለዉ፡ ምድላይ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት ይቕጽል ኣሎ። ሓይሊ ጸጥታ፣ በርገሳዊ ምክልኻል ሓደጋ፣ ሰራዊትን ምምሕዳራት ከባቢን ዝርከብዎም ህጹጽ ኣገልግሎት፣ ብሓገዝ ሄሊኮፕተር ሓዊሱ ኣብቲ ምድላይ ይሳተፉ ከም ዘለዉን ርእሰ ብሔር ኢመርሰን ምናንጋግዋ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ከም ዝኣወጀ ተሓቢሩ።
ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳኣት ዚምባብወ ነቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ "ንመላእ ህዝብና ክሳራ" እንክብል ብምግላጽ፡ ንስራሕ ህጹጽ ኣገልግሎት ንኢዱ፡ እቶም ጳጳሳት ነቶም ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዝጠፍኡ ዝፈትውዎም ሰባት ሓበሬታ ዝጽበዩ ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ እቲ ዘሕዝን ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ዝውክል ምዃኑ ድማ ብምምልካት፡ "እምነት ክርስትና ሞት ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይብሉ የዘኻኽረና፡ እቲ ብሞት ሓሊፉ ዝተንስአ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዝጸልመተ ናይ ሓዘን ህሞታት ከይተረፈ ተስፋና ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ምእንቲ ዝሞቱን ንኣባይቲ ስድራ ግዳያትን፡ ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ ኣድሕን ህይወት ንዝተዋፈሩን ጸሎትናን ቅርበትናን ነረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ናይ ዚምባብዌ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።