ዚምባብወ፦ ታሪኻዊ ጥንታዊ ተልእኾ ኣብ መገዲ ቪክቶርያ ፎልስ ንተጓዓዝቲ ናይ ጸሎት ቦታ ይቕርብ
ዜና ቫቲካን
ኣብ ጥቓ እቲ ብስራሕ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ዝርከቦ ጎዳና ናብ መንጫጫእታ ቪክቶርያ ዝወስድ መንገዲ – ቡላዋዮ ዝርከብ ሓድሽ ኣገልግሎት ዝካየደሉ ስፍራ ኣብ ከባቢ ማትሲ ኣብ መንጎ ከተማ ሁዋንጌን ከተማ ቪክቶሪያ ፎልስን ዳግም ተኸፊቱ ይርከብ ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ እዚ ቦታ እዚ ንካቶሊካውያን ነጋድያን መንፈሳዊ ማእከል ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጥንታዊ መካነ ተልእኾ እዩ ዝነበረ።
ቅድስተ ማርያም ንግስተ ፍልሰት
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብብፁዕ ኣቡነ ንኩበ እተኻየደ ቡራኬ ቤተመቅደስ፣ ነቲ ንተሽከርከርቲ ዀነ ንነጋድያን መንፈሳዊ መዕረፊ ክህብ ትጽቢት ዝግበረሉ ቅዱስ ቦታ ከም ብሓድሽ ኣፍልጦ ኸም ዚህብ ዜመልክት እዩ።
ኣብ ጥቓ እቲ ቤተመቕደስ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ፓንዳማቴንጋ ማሪያን ዝስመ ይርከብ። እቲ ሓድሽ ቤተ መቅደስ ደብረ ቅድስተ ማርያም ንግሰተ ፍልሰት ተባሂሉ ኢዩ ተሰይሙ ዘሎ።
"እዚ ተልእኾ እዚ ናይ ጸሎት ቦታ ምእንቲ ክኸውን ወትሩ ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ። ዝደለየ መጺኡ ክጽሊ ድማ ይዕድም፣ እቲ ተልእኾ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ማሕበረሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ መገዲ ቪክቶርያ ፎልስ ንዝጕዓዙ ነጋድያን እውን ኬገልግል እዩ። ብዙሓት ካቶሊካውያን ምእመናን እንተላይ እቶም ካብ ካልኦት ሰበኻታት ዝመጹ ነዚ ተልእኾ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዳቅም ከም ዝነቓቓሕ እጃሞም ኣበርኪቶም ኢዮም። እቶም ምእመናን ኣብ መገዲ መንጫዕጫዕታ ቪክቶርያ - ቡላዋዮ ኪጐዓዙ ኸለዉ፣ ኣብዚ ስፍራ ጸሎት ጸሚኦም ግዜ ይወስዱ ነበሩ" ክቡሉ ብፁዕ ኣቡነ ንኩበ ገሊጾም።
እቲ ሰበኻ ነዚ ሓድሽ ተልእኾ ንጸሎትን ንኣካላውን ኣእምሮኣውን ሕማማት ንምፍዋስን ድማ ኣወፍይዎ ይርከብ።
መካነ መቓብር ሚስዮናውያን
ገለ ክፋል እቲ ቤተመቕደስ ድማ መካነ መቓብር ሚስዮናውያን ኣብ ፓንዳማቴንጋ እውን ዝርከብ የጠቓልል - እዚኣቶም ገለ ኻብቶም ኣብዚ ዞባ እታ ሃገር ዝነበሩ ፈለምቲ ሚስዮናውያን እዮም ዝነበሩ።
ብፁዕ ኣቡነ ንኩበ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንክቡር ኣባ ትሬስት ሉያንዶ ምዌምበ ነዚ ከም ብሓድሽ እተኸፍተ ቤተመቕደስ ብሓላፍነት ከገልግሉ ኣወፈዩሎም፣ ክቡር ኣባ ምዌምበ ቆሞስ ናይ ኒው ጃምበዝ ክልል ኢዮም፣ ደብረ ቅድስተ ማርያም ንግስተ ፍልሰት ድማ ክፍሊ ናይዚ ክልል ኢያ።
እዞም ቆሞስ ድማ ኣስዕብ ኣቢሎም እዚ ተልእኾ እዚ እንደገና ኺምለስ ዝኸኣለ፣ ብደገፍ እቲ ኣብ ምምዕባሉ ግደ ዝነበሮ ማሕበር ተልእኾ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ዘጃምበዚ ምዃኑ ኣመልከቱ።