ድለ

2021.09.16 Udienza ai partecipanti all’Incontro con i moderatori delle associazioni di fedeli, dei movimenti ecclesiali e delle nuove comunità, 16.09.2021 2021.09.16 Udienza ai partecipanti all’Incontro con i moderatori delle associazioni di fedeli, dei movimenti ecclesiali e delle nuove comunità, 16.09.2021 

ኣብ ግድላት ዓለም እናተሳተፍኩም ወንጌል መስክሩ! ር.ሊ.ጳ ንምንቅስቃሳት ምእመናን ቤተክርስትያን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንማሕበራት ምእመናንን ምንቅስቃሳት ቤተክርስትያንን ሓደስቲ ማሕበራትን መሪሕነቶምን ዝምልከት ሓዲስ ኣዋጅ ከምዝወጽኡ ዝዝከር ኰይኑ ዕለት 17 መስከረም 2021 ንኣባላት መሪሕነት ናይዚ ምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘መሪሕነት ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልግሎት እዩ እንተዘየሎ ኣብ ምዝመዛ ሥልጣን ብቀሊሉ ይውደቅ’ እንክብሉ መብሪሂ እቲ ኣዋጅ ኣቅሪቦምሎም።

ዜና ቫቲካን!

መራሕቲ ዝተፈላለያ ማሕበራት ምእመናንን ምንቅስቃሳት ቤተክርስትያንን ከማኡ እውን ሓደስቲ ማሕበራትን ኣብ ል ዕሊ እቲ ዓመት መጸ ዝገብርዎ ርክብን ዘተን ሎምዘመን ከኣ ነቲ ዘሎ ናይ ለበዳ ኮቪድ 19 ብድሆታት ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሰነ ዚኣወጅዎ ገደብ ዕድመ መሪሕነት ኣሕሉቅ ብዝምልከት እውን ንምዝታይ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ዝተሳተፉ ወከልቲ ኣብ ፍጻሜ ርክቦም ምስ ር.ሊ.ጳ ከምዝተራኸቡ እንክምልከት ቅዱስነቶም ከኣ ‘ንስኻትኩም ሓይሊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተክርስትያን ትውክሉ ኰንኩም ንመጻኢ ተስፋ ም እንቲ ክህልወና እትሕግዙ ትንቢታዊ ህላዌ እውን ኣሎኩም፤ ሽሕ እኳ ድሩትነትን ዕለት ዕለት ዝውደቆ ሓጢኣት እውን እንተሎ ንስኹም ንጹር ምልክት ሕይወትቤተክርስትያን ኢኹም’ እንክብሉ ስለቲ ኣብዚ መሪር ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝሃብዎ ምስክርነት ወንጌልን ዘወፈይዎ ደገፍን ኣመስጊኖሞም። ኣብዚ ምስክርነት ወፈያ ደገፍን ኣብነት ዝኾኖም ሓደ ኣቡን ካብ ሕዝበይ ኣይፍለን እየ ክብል ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ኰይኑ ሕይወቱ ኣብ ብርቱዕ ሓደጋ ዘዕተወ ሕጂ ግን ኣብ ምሕዋይ ገጹ ዘሎ ጠቂሶም፤ እዚ ዘመልክቶ ከኣ ‘ነፍሲወከፍ ዝተጠምቀ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክፍጽም ግድን ከምዝኾነ ነዚ ተል እኮ እዚ ኸኣ ንሳቶም ብማሕበራቶምን ምንቅስቃሳቶምን ዳግም ከምዝውለድ ገቢርኩምዎ’ እንክብሉ ንምስክርነቶም ኣመጐስዎም።  

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጸገማቶምን ክበድ ሓላፍነቶም ከምዝርድእዎ ንምግላጽ ‘ብዙሓት ካባኹም ምስ ህልው ኩነታት ንምስማም ዕን ምስ ካል እ ዕማማት ሥራሕኩም ንምጽማድን ሥራሕ ኣብ ሥራሕ ከምዝተድራረበኩም እፈልጥ፤ ካብ ፍቅሪ ብዝምንጩ ምህዞ ገቢርኩም ከኣ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቅረ ብዘይ ምንም ገደብ ከምዘፍቅር ብግብሪ ኣር ኢኹም እንክብሉ እውን ህልው ኩነታት እናተዓዘብካ ንዝግበር ለውጥታት ኣንፊቶምሎም።

ህልው ኩነታትን ኣድላይነት ለውጥን!

ኣብ ተል እኮ ቤተክርስትያን መራሒ ምዃን ብዓንዲ ርእሱ ኣብነት ኢየሱስ ተኸቲልካ ኣገልጋሊ ምዃን ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግብ ኦ መሠረታዊ ትርጒም ምዃኑ ተገንዚብካ ምስ እትጐዓዝ ኣብ ፈተና ህርፋን ሥልጣን ኣይተኣቱን ንሥልጣን ብዘይመንገዱ ክትጥቀም እውን ኣይትህንጠን፤ እዚ ከኣ ካብ ክልተ ክልተ ምር ኣይ የድሕን፤ በዚ ከኣ ነቶም ምስክርነት ክርስትና ካባኹም ዝጽበዩ ተዕግቡ፤ እንክብሉ ነቲ ዝሓለፈ ዕለት 11 ሰነ 2021 ንማሕበራት ምእመናንን ምንቅስቃሳት ቤተክርስትያንን ሓደስቲ ማሕበራትን መሪሕነቶምን ዝምልከት ሓዲስ ኣዋጅ  ን ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ም እመናንስ ይኹን ንግላውያንን ሕዝባውያንን ምንቅስቃሳት ኩሎም ዝውክሉ ብ ዓለምለኸ ደረጃ ምርጫታት ምክያድ ግድን ምዃኑ ዳግም ኣብሪሆምሎም።

ቅዱስነቶም ድጋጊሞም ኣብ ቤተክርስትያን መራሒ ሓላፊ በዓል ሥልጣን ወዘተ ኰንካ እንክትምረጽ ኣገልግሎት እዩ ምስ በሉ እዚ ምስ ዝዝንጋዕ ግን በብቊሩብ ብርሃን ክርስቶስ ክቅህም ይጅምር ጸልማት ዓለም ይስ ዕርር፤ በዚ ምኽንያት እዚ ቤተክርስትያን ብዙሕ ናይ ጸልማት ግዝያት ኣሕሊፋ እያ፤ ድሕሪ ጉባኤ ቫቲካን እውን እንተኾነ ንውሉደ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እትምልከት ማሕበር ቅድስት መንበር ብዙሕ መጽናዕትታት ብምክያድ ገሊ አን ማሕበርትን ምንቅስቃሳትን ኣብ ዓዘቅቲ ሰፍ ዘይብል ሓጢኣት ከምዝርከባ እንክምልከት ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ጾታዊ ዓመጻት መሠረቱ ኣብ ምዝመዛ ሥልጣን ምዃኑ ተራእዩ።

“ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ቅድስት መንበር ቀለልቲ ዘይኮነ ናይ ምት ዕርራይ ዳኝነት ኣካዪዳ እያ! ዘተሓሳስበኒ ግን እዚ ጥራይ ዘይኮነ ድኽመት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ናይ ገሊኤን ማሕበራት ኣይዝሑል ኣይምውቅ ኰይነን ንካል ኦት ናብ አን ናይ ምስሓብ ክ እለተን ክጠፍ እ ምር ኣይ ዘሕዝን እዩ፤ ንስኹም እውን እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ሥልጣን እንትርፊ ኣገልግሎት ካልእ ኣይኮነን ኢሎም።”

ዕንቅፋት ህርፋን ሥልጣን ምጒዳል እምነትን!

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሡር ኩሉ ክፍ ኣት ፍቅሪ ገንዘብ ምዃኑ ዝገልጾ ቅዱስነቶም እውን ሡር ኩሉ ጸገማት ምሕደራን ኣገልግሎትን ቤተክርስትያን ህርፋን ሥልጣን ምዃኑ ንምግላጽ ‘ዕንቅፋት ሥልጣን’ ክብሉ ይልገጽዎ እሞ ናይዚ ዕንቅፋት ቀንዲ ምኽንያታት ከኣ ህርፋን ሥልጣንን ምጒዳል እምነትን ምዃነን ይገልጹ፤ እዘን ክልተ ዕንቅፋታት እዚኤን ንኩሉ ክርስትያን ሓቀኛ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ብጾቱን ከይከውን ይ ዕንቅጻ ኢሎም። ከም ኣብነት ከኣ መረጻ ነፍሲወከፍ ኣብቲ ጉባኤ ዘሎ ሓላፊ ይጠቅሱ እሞ ‘ብዘሎና ሓላፍነት ኣብ ኩሉ ጒዳያት ናይታ እንመርሓ ማሕበር ሰበኻ ቊምስና ንውስን፤ ንገሊኡ ሥርሓት ካል ኦት ክንውክል ዝብል መሪሕ እውን ኣሎ፤ እንተኾነ እዚ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ይተርፍ፤ ንኩሉ ባዕለይ ክገብሮ ዝብል ነቲ ውክልና ይውሕጦ፤ በዚ ህርፋን እዚ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ዓዲ ምስ ወዓለ እታ ካል እይቲ ፈተና ትቅልቀል ክልተ ክልተ ብምጥማት እምነት ምጒዳል! በቲ ሓደ ወገን ገለ ኰንካ በቲ ካል እ ወገን ከኣ ተጻዩ ኰንካ ክንበር ይፍተን! ሕይወት ሓጢኣት እናነበርካ ጻድቅ ኰንካ ክትረአ ትቃለስ! ናይ መን ከም እትኸውን ማለት ናይ እግዚኣብሔርዶ ናይ ኣነነት ይጠፍ ኣካ ኩሉ ፋሕ ይብ! ዕንቅፋት ይፍጠር! ንክጥ ዕመካ ከኣ ነቲ ዕላማን መሪሕን ምሥረታ ማሕበር ወይውን መንፈስ መሥራቲ ማሕበር ክሳብ ምልዋጥ ይብጻሕ! ስለዚ ንኩነታት ር ኢኻ ለውጥን ኣብ ዝግበር ምርጫ ኣባላት ጥንቃቄን የድሊ ድሕሪ ቢሎም ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም እቲ ጉዳይ ንካል ኦት ጥራይ ዝምልከት ኰይኑ ከይስም ዖም ከኣ ከምዚ ክብሉ ኣብርሁ።

ምናልባት ሓደ ማንም ካባና እዚ ህርፋን ሥልጣን ን ዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ወይውን ንማሕበርና ኣይምልከትን ቢሉ ኪሕስብ ይኽእል፤ እዚ ሓዲስ ኣዋጅ ንገሊኤን ኣብዚ እውን ዝርከባ ማሕበራት ይኸውን ኢልኩም ከይትሓስቡ ንኩለን እዩ ዝምልከት ማንም ማሕበር ትተርፍ የላን፤ ንፉ ዓትን ዘይንፉ ዓትን ፍጹማትን ዘይፍጹማትን የለዋን! ኩለን ንትሓድሶን ንለውጥን ዝተጸው ዓ እየን፤ ነቲ ንኩሉ ዘንቀሳቅስ መንፈስ ቅዱስ ጽን ቢለን ኩነታተን ተረዲኤን ክልወጣ ይጽ ውዓ ኣለው፤ ወትሩ ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኢለን ብምስማዕ ንፍጻሜታት ንከለልያን ዝሓሸ ለውጢ ንክገብራን ስንድዋት ይኹና፤ ጒ ዕዞ ወንጌል ዙረት ቱርዝም ኣይኮነን፤ ግድል እዩ፤ ነፍሲወከፍ ስጒሚ ሓደ ግድል ሓደ ጸዋዕታ  ስለዝኾነ ዕለት ዕለት ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልና እናሰማዕና ብመንፈስ ምልላይ ንቅድሚት ንገሥግስ እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኪ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 September 2021, 13:19