ድለ

2021.09.15 Viaggio Apostolico a Budapest e Slovacchia - Conferenza stampa sul volo di ritorno 2021.09.15 Viaggio Apostolico a Budapest e Slovacchia - Conferenza stampa sul volo di ritorno 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምንጻል ጽንሲ ቕትለት እዩ

ናብ ሃንጋሪ ዘካይድክዎ ምብጻሕ ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝተኻየደ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንመዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርግ ዝብል እዩ፥ ስለዝ እዚ መደብ እዚ ቅድም ክብል እዩ ዝተወሰነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረም ካብ ስሎቫኪያ ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ኣብዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ዘሰነይዎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራኸቢ ብዙሓን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካብቶም ጋዜጠይናታት ብዛዕባ ርክብ ምስ ሰበ ስልጣን ሃንጋርን ብዛዕባ ጸረ ሴማዊነትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ምንጻል ጽንስን ካልኦትን ዝምልከት ንዘቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ምንጻል ጽንሲ ቕትለት ኢዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣቕዋማ ኣይትቕይርን እያ፡ እንተዀነ ግን “ኣቡናት ጸገም ጓሶት ብምዃኖም ኣገባብ እያቶም መፍትሒ ከናድይሉ ዝግባእ። እንተድኣ ከምዚ ዘይኰኑ ግና ኣብ ፖለቲካ እዮም ዝውግኑ።” ዝብል ሓሳብ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኢቫን ኩዝማንዪ፥ ቅዱስ ኣቦና ስለ እቲ ናብ ቡዳፐስት ዝገበርክምዎ ምብጻሕ ነመስግነኩም። ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት እተገብረ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ክትሳተፉ ዝወሰንኵም ስለምንታይ እዩ፥ ካርዲናል ሚንድስዘንትይ፡ “ኣብ ሃንጋሪ ሓደ ሚሊዮን ሕዝቢ ዝጽልይ እንተድኣ ኮይኑ መጻኢ ኣይከፍርሓንን እዩ . . . “ ይብሉ፡ ክርስትና ኣብ ኤውሮጳ ብኸመይ ትርእይዎ? ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ናብ ቡዳፐስት ዝገበርክዎ ምብጻሕ ብኣሉታዊ መልክዕ ዝረኣዮ እንተድኣ ኰይኑ ይጋገይ እዩ ዘሎ፥ ናብ ሃንጋሪ ዘካይድክዎ ምብጻሕ ኣብቲ ኣብ ቡዳፐስት ዝተኻየደ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ንመዕጸዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርግ ዝብል እዩ፥ ስለዝ እዚ መደብ እዚ ቅድም ክብል እዩ ዝተወሰነ፡ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይድ ንርእሰ ብሔር ሃንጋሪ መብጽዓ ኣትየ እየ ምስ በሉ፡ ኣስዒቦም፥ ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ ኤውሮጳ - ኵሉ ሳዕ ከምዚ እየ ዝብል - ትምኒት ናይቶም መስረትቲ ኣበው ክትፍጽም ኣለዋ። ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ነገር ንምፍጻም ዝዕየየሉ ቤት ጽሕፈት ክኸውን የብሉን። ሹማን ኣደናወርን ደ ጋስፐሪን ዝምነይዎ ዝነበረ መንፈስ ኣብ መሰረት ሕብረት ኤውሮጳ ኣሎ። ናብዞም ዓበይቲ እዚኣቶም እዩ ክትምለስ ዘለዋ። ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ጥራይ እንተድኣ ኮይኑ ሓደገይና እዩ። ብልክዕ ነቲ ምስጢር እቲ መበቈል ኤውሮጳ ምንዳይን ኣብዚ መዳይ ከኣ ኵለን ሃገራት ንቕድሚት ክስጉማ ኣለወን። ገሊኡ ረብሓታት ምናልባት እውን ኤውሮጳውያን ዘይኮኑ ሰባት ንኣተሓሳስባ ኤውሮጳ ንምግዛእ ኪጥቀምሉ ከም ዝፍትኑ ዚከሓድ ኣይኰነን እዚ ኸኣ ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣይፋሉን - ሕብረት ኤውሮጳ ብሕልሚ እቶም ዓበይቲ መስረትታ ተደሪኻ ብርእሳ ክትምራሕን ኵለን ሃገራት ኤውሮጳ ብሓደ ደረጃ ክህልዋን ይግባእ። እዚ ናተይ ኣመለኻኽታ እዩ! . . .

ጋዜጠይና ቦሁሚል ፔትሪክ፥ ስሎቫኪያ እውን ሓዊስካ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተመሃዘ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ንማሕበረ ክርስቲያን ከይተረፈ ከፋፊሉ እዩ (ዝቕበልዎን ዘይቅበልዎን)። ንስዅም ነቲ ክትባት ምርካብ ናይ ፍቕሪ ተግባር ምዃኑ ትገልጹ። ስለዚ ጸረ ኮቪድ ክትባት ክኽተቡ ዘይደልዩ ብኸመይ ትገልጽዎም? ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ሰበኻታት ዝተፈላለየ ኣቀራርባታት ኣሎ . . . ስለዚህ ብኸመይ ኣብ ሓደ ሓሳብ ምሕባርን ነቲ ዝተፈላለየ ሓሳብ ብኸመይ ምትዕራቕ ይከኣል? ደቅሰብ ብዛዕባ ክትባት ዝምለከት ዓቢይ ናይ ምሕዝነት ታሪኽ ኣለዎም፥ ንኣብነት ንፍዮን ዓባይ ሰዓልን ንምእላይ ዝተገብረ ጻዕሪ ምጥቃስ ይከኣል። ምናልባት ብሰንኪ እቲ ለብዒ ጥራይ ዘይኰነስ ብሰንኪ እተፈላለየ ዓይነት ክትባት ከምኡ እውን ብቑዕን ዘይብቑዕን ዝብል ዝወሃቦ ፍርዲ ኣብ ህዝቢ ፍርሒ ፈጢሩ እዩ። እቲ ዝወሃቦ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘስዕቦ ዘሎ ይመስለኒ። ኣብ ጉባኤ ካርዲናላት እውን ነቲ ክትባት ዝነጽግዎ ወይ ዘይቕበለዎ ኣለዉ። . . . ገሊኣቶም እቲ ክትባት ገና ኣብ ሙከራ እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚ ኸኣ ፍርሓት ይፈጥር። ኣነ ሞያኡ የበልይን ብዛዕባ እዚ ክዛረብ። ንጹርን ህዱእን ዘተ የድሊ። ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብጀካ እቶም ብኸመይ ከም ዝሕገዙ መጽናዕቲ ዝካየድ ጉጅለ ዝከታተሎም ኵሎም ተኸቲቦም እያቶም።

ዳኒየል ቨርዱ፥ ሰንበት ንጐሆ (ዕለት 12 መስከረም 2021 ዓ.ም.) ምስ ኦርባን ተራኺብኩም እሞ ንገለ ኻብቲ ፍልልያት ምርዳእ ዝከኣል እዩ። እቲ ርክብ ብኸመይ ተኻይዱ ብዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታት ዝተንከፈ ርክብ እንተ ዀይኑ ከምኡ እውን ብዛዕባ ግብረ ሰዶማ ዝምልከቱ ዝጸድቑ ሕግታት ዘለኵም ኣመለኻኽታ እንታይ ይመስል? ርእሰ ብሔር ሃንጋሪ በጺሖምንን ተራኺብና ኢና ሰለስተ ሳዕ፥ ምስ መራሔ መንግስትን ምኽትል መራሔ መግንትን ኰይኖም። ምስ ርእሰ ብሔር ብዛዕባ ከባብን ማሓድሮን ሃንጋራውያን ብዛዕባ ማሓድሮ ዘለዎም ጥንቃቔ ዓቢይ እዩ። ወሓይዝ ሃገራቶም ንምጽራይ ዝገብርዎ ጻዕርታት እውን ሓቢሮምኒ። ኣነ እውን ብዛዕባ ገምጋም ዕድመ ሕዝቦም ሓተትክዎም። ከመይሲ ኣብ ኢጣሊያ ገምጋም ዕድመ 47 ዓመት እዩ። ኣብ ስፐይን ብዙሓት ኣቝሻት ጥራየን ወይ ብዙሓት ኣረጋውያን ጥራሕ ዝነብሩለን ኮይነን ኣለዋ። እዚ ጸገም እዚ ብኸመይ ምፍታሕ ይከኣል? እቶም ርእሰ ብሔር ንመንእሰያት ሰብ ሓዳርን ንኺምርዓዉን ንኽወልዱን ኪሕግዙ ዘተባብዕን ሕጊ ሃገሮም ገሊጾምለይ። እቲ ዘገርም ከኣ ምስ ሕጊ ፈረንሳ ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ግን ከኣ ዝማዕበለ ሕጊ እዩ። ስለዚ ከኣ እዮም ፈርንሳውያን ከምቲ ስፐይን ዘለዋ ንሕና እውን ዘሎና ዓይነት ጸገም ዘይብሎም። . . . ብዛዕባ ስደተይናታት ኣይተዘራረብናን ድሕሪኡ ብዛዕባ ምክንኻን ማሓድሮን ስድራ ቤትን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኢና ተዘራሪብና። እዚ ኸኣ ብዙሓት መንእሰያትን ቈልዕን ከምዘለዉን ከምእተሓበሮምን ኣብ ስሎቫኪያ እውን ብዙሓት ቈልዑን መንእሰያት ሰብ ሓዳር ምስ ረኣዅ ብዙሕ ተገሪመ እየ። እዚ ብሓቂ መብጽዓ ኢዩ። ሕጂ እት ብድሆ ስራሕ ምድላይ እዩ እንተዘይኰይኑ ግን ስራሕ ከደልዩ ክስደዱ እያቶም። . . . ብዛዕባ እዚ ኢና ኣብቲ 40 ደቓይቕ ዝወሰደ ርክብ ዝተመያየጥና።

ገራርድ ኦኮነል፥ ቅድም ቀዳድም በቲ ዜደንቕ ውጽኢት ዝተገበረልኩም ናይ ሕክምና መጥባሕቲ ሓጐስና ንገልጸልኵም። ኣመንኢሱም! መጥባሕቲ ክገብር ከምዘሎኒ ተሓቢሩኒን እቲ ሕክምና እውን ተገይሩለይ እዩ . . . ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ንጽባቔ ኢልካ ዝግበር ኣይኮነን . . .

ኵላትና ሓጥእ ከም ዝዀንና ቅዱስ ቍርባን ከኣ ዓስቢ እቶም ፍጹማን ዘይኰነስ ንድኹማት ዚኸውን መድሃኒትን መግብን ከም ዝኾነ ደጋጊምኵም ትነግሩና። ከም እተፈልጥዎ ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ምርጫ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንጐ ኣቡናት ንሕግታት ንምጻል ጽንሲ ዝድግፉ ፖለቲካይናታት ዛዕባ ምይይጥ ተኻይዱ እዩ። ንርእሰ ብሔር እታ ሃገርን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላት እታ ሃገር ኣብ ቅዱስ ቝርባን ሱታፌ ክኽልከሉ ኣለዎም ዝብሉ ኣቡናት እውን ኣለዉ። ካልኦት ኣቡናት ከኣ ነቲ ቅዱስ ቍርባን ከም ኣጽዋር ከይጥቀምሉ ይድግፉ። ነዞም ኣቡናት እንታይ እዩ መልስዅም? እንታይከ ትመኽርዎም? ኣብዚ ዅሉ ዓመታት ከም ኣቡን መጠንከ ነቲ ቅዱስ ቍርባን ብግህዶ ቅዱስ ቍርባን ዝኸልከልክምዎ ዝኾነ ይዅን ሰብ ኣሎ ዶ? ቅዱስ ቍርባን ንዋላ ሓደ ሰብ ከቶ ከልኪለ ኣይፈልጥን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝመጸ ሰብ እንተ ኣልዩ እውን ኣይፈልጥን እየ! እዚ ከም ካህን መጠን እዩ። ከምቲ ንስኹም ዝገለጽክምዎ ዓይነት ሰብ ኣብ ቅድመይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እየ። ጽቡቕ ነገር ዝረኽብልኩሉ እንኮ እዋን ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን ቅዳሴ ክሰርዕ ምስ ከድኩ ጥራይ እዩ፡ ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ ኮፍ ኢለ እንከለኹ መን እዩ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክሳተፍ ዝደሊ ቢለ ምስ ሓተትኵ፡ ኵሎም እቶም ኣረጋውያን ኣእዳዎም ሓፍ ኣበሉ። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፈኣ ሰበይቲ ኢደን ሓፍ ኣቢለን “አመስግነካ የቐንየለይ - ኣነ ግን ኣይሁዳዊት እየ” በላኒ ኣነ እውን “እቲ ዝህበኵም (ስጋሁ ወደሙ) ኣይሁዳውዊ እዩ” በልክወን። . . . ቅዱስ ቍርባን ነቶም ‘ፍጹማን’ ሰባት ዓስቢ ኣይኮነን . . . ቅዱስ ቍርባን ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበርሰብ እዩ። ኣብ ቅዱስ ቍርባ ክካፈሉ ዝኽእሉ ዘይኽእሉን ኣለዉ፡ ከምተን እተን  ሰበይቲ - ኣይሁዳዊ ምዃነን ዝነገራኒ። ይዅን ደኣ እምበር እቲ ዝበላኒ ቃል ጐይታ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ጸጋ ከምዝዓደለን እዩ ዘመላኽት። ስለ ዘይተጠመቝ ስለ ዝተወገዙ ወይ ካብ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝረሓቝ . . . እቲ ቃል ተሪር እኳ እንተ ዀነ ኣባል እቲ ማሕበረሰብ ስለ ዘይኰኑ ስለ ዘይተጠመቑ ወይ ንገሊኡ ነግራት ስለ ዝረሓቑ ከበሃል እንከሎ ኣብቲ ማሕበረሰብ የለዉን ማለት እዩ።

እቲ ካልኣይ ጸገም ከኣ ምንጻል ጽንሲ ዝብል፥ ጸገም ጥራይ ዘይኮነስ ቅትለት እውን እዩ። ዝኾነ ይዅን ምንጻል ጥንሲ ዝፍጽም ሰብ መቕተልቲ እዩ ዝፍጽም። . . . ዝዀነ ይኹን ናይ ሕክምና መጽሓፍቲ ከምዝሕብሮ ሃደ ድቒ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን . . . ኵሉ ክፍለ ኣካል ዘለዎን መፈጠራዊ ሓበሬታ ዘለዎን ሰብኣዊ ህይወት ኢዩ። እዚ ሰብኣዊ ህይወት እዚ ከኽበር ኣለዎ። እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ኸኣ ኣዚዩ ንጹር እዩ። ነቶም ክርድእዎ ዘይክእሉ ‘ጸገም ንምፍታሕ ሕይወት ሰብ ምቕታል ቅኑዕ ድዩ? ህይወት ሰብ ንምቕታል ሃዳናይ ምቑጻር ቅኑዕ ድዩ? ብስነ ፍልጠታዊ መዳይ ሕይወት ሰብኣዊ ህይወት እዩ፡ ንሓደ ጸገም ንምፍታሕ ምንጻል ቅኑዕ ድዩ? ስለዚ ከኣ ኢያ ቤተ ክርስቲያን ነዚ እንተድኣ ተቐቢላቶ መዓልታዊ ቅትለት ከም እትቕበል ገይራ ስለ እትቕበሎ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ነቕ ዘይትብል ተራር ዝዀነት። ሓደ ርእሰ ብሔር ቍጽሪ ህዝቢ ኪንኪ ዝጀመረ ኣብቲ ዓመታት እቲ ንምንጻል ጽንሲ ዝድግፍ ሕጊ ስለ ዝነበረ ሽዱሽተ ሚሊዮን ምንጻል ጥንስ ዝለ ዝተፈጸመ ኣብ ሕብረትሰብ እታ ሃገር ሕርሲ ከም ዝንኪ ምግባሩ ገለጸለይ።

ሕጂ ናብቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘይኮነ ናብቲ ሱታፌ ዝኾነ ሰብ ንገስግስ . . . ሱታፌ ኣብ ማሕበረሰብ ምሕባር ማለት እዩ፡ እቲ ጸገም ቲዮሎጊያዊ ኣይኮነን ጉዳይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። ከመይሲ ኣቡናት ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብጒስነት ኢና እንቈጻጸሮ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያን እንተድኣ ርኢና ኸኣ እቶም ኣቡናት ጸገም ብፖለቲካዊ ወገን ወጊኖምዎ ዝምልከትዎ ከም ጓሶት ክፈትሕዎ ኣብ ዘይክኣሉሉ ነፍሲ ወከፍ ኣዋን ዘርእዩና ባህርይ እዩ። ናይ ቅዱስ በርጠለመዎስ ዘሕለፎ ጸላም ለይቲ ንዘክር እሞ፡ . . . መናፍቓውያን፡ መናፍቕነት እቲ ኣርዚንካ ክርአይ ዘለዎ ዓቢይ ስግኣት እዩ። ንዅሎም ክንቀትሎም ኣሎና ማለት ድዩ? ጆቫና ዳኣርኮ . . . ካልኦትን ንዘክር . . . ።

ቤተ ክርስቲያን ንሓደ መሰረታዊ ስርዓት ብምጥባቕ ኢላ ከምኡ ክትገብር ከላ ብጒስነት ዘይኮነስ ብፖለቲካዊ ደረጃ እያ እትውግን። ንታሪኽ እሞ ርኣዩ። እቲ ጓሳ እንታይ ክገብር ኣለዎ? ጓሳ ንምዃን ደኣ እምበር ንምዅናን ኣይኮነን ዝተጸውዔ። እንተዀነ ግን ጓሳ ናይቲ ውጉዝ እተባህለ ሰብ ድዩ? እወ ጓሳ እዩ ምስኡ ድማ ጓሳ ክኽውን እዩ ዘለዎ ብመልክዕን ኣገባብን ኣምላኽ ጓሳ ዝኾነ። ኣገባብ እግዚኣብሔር ቅርበትን ለውሃንት ድንጋጸን እዩ። ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ ኢዩ ዝብል። ኣብ ዘዳግም ንእስራኤላውያን “ኣየኖት ህዝብታት እያቶም ከምቲ ኣነ ኣምላኽካ ቀረባኻ ዝኾንኵ ጣዖታቶም ቀረባ ዝኾንውም።”

ምቕሉል ርሕራሔ - ቅርበት። ከምቲ ጐይታ ንዓና ርሕሩሕ ዝዀነ። ንነቢይ ህዝቅኤል ነንብቦ ንሆሴእ እውን። ንወንጌልን ነግራት ኢየሱስ እሞ ርእይ ነብል። ሓደ ብገባብ ኣምላኽ ዘይዓዪ ጓሳ ሸተት ኢሉ ጉስነት ኣብ ዘይኮነ ብዙሕ ነገራት እዩ ዝጽመድ። ብዛዕባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተዛሪብኩም ስለ ዝነበርኩም ነቲ ዝርዝር ነገራት ኣጸቢቐ ኣይፈልጦን፡ መሰረታዊ ስርዓት እየ ዝህብ። ብግምት ሓደ ጓሳ እንታይ ከምዝገበር ክርዳእ እኽእል ኢየ። ካብ ግብረ ኖላዊ ምክንኻን ቤተ ክርስቲያን እንተ ወጺኡ ግን ብኡንብኡ ፖለቲከይና እዩ ዝኸውን። ነቲ ቤተ ክርስቲያን እትገብሮ ናይ ጒስነት ዘይኮነ ኩኔነታት ክትረእይዎ ትኽእሉ ኢኻትኵም። በዚ መሰረታዊ ስርዓኣት እዚ ሓደ ጓሳ ብጽቡቕ ኪንቀሳቐስ ከም ዚኽእል እኣምን እየ። መሰረታዊ ስርዓታት ቲዮሎጊያዊ እዩ። ጓሶት ኪከናኸኑኻ ቲዮሎጊያን መንፈስ ቅዱስ በገባብ እግዚኣብሔር ንኽትክውኖ ዝመርሓካ እዩ። . . . ኣብ ልዕል ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖድስ ብዙሓት . . . መናፍቕነት ገይሮም ዝረኣይዎ መናፍቕነት ዝብሉ ነይሮም እዮም። እግዚኣብሔር ይመስገን እቲ ዓቢይ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ካርዲናል ሾንበርን መብርሂ ሂቡሉን ኣረዲእዎን እውን እዩ . . . ኵሉ ሳዕ ግን እዚ ኵነኔ . . . ውጉዝ ኣንተ ምባል ይኣክል . . . ውጉዝ ምባል ይኣክል። ዘሕዝን ህዝቢ፡ ደቂ እግዚኣብሔር እያቶም፣ . . . ናይ ጒስነትና ቅርበትን ርህራሄን ዘድልዮም እያቶም። ድሕሪኡ እቲ ጓሳ ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ዝሕብሮ ነቲ ጒዳይ ይፈትሖ።

ስቴፋኖ ማሪያ ፓቺ፥ እዛ ክህበኵም ዝኾንኵ መልእኽቲ ኤዲት ብሩክ እትበሃል ኣይሁዳዊት ደራሲት ሃበለይ ቢላ ዝሃበትኒ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ . . . ስለ እቲ ብዘይ ምቁራጽ ብፍላይ ኣብዚ ዘካየድክምዎ ሓዋርያውዊ መገሻ ዘመሓላለፍክምዎ ጸረ ሴማዊነት  ዝቓወምን ብንጹር ዝኹንን መልእኽትዅም አመስግነኵም ዝብል እዩ፥  ጸረ ሴማዊነት ይትንስእ ኣሎ ልክዕ ከም ሓደ ኣገባብ እዚ ብሓቒ ሕማቕን ነገር ግብረ ክፍኣትን እዩ።

ሕቶይ ብዛዕባ ስድራ ቤት እዩ - ብዛዕባ እዚ ምስ ሰበ ስልጣን ሃንጋሪ ተዘራሪብኩምሉ ኢዅም ትማሊ ኸኣ ኣብ ስትራስበርግ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎ ሰባት መርዓን ምስኡ እተተሓሓዘ ኣንጻራዊ ኣተዓባብያን ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝጠልብ ናይ ባይቲ ኤውሮጳ ውሳኔ ሰሚዕኩም ኢዅም። ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስምዓኵም? ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብንጹር ተዛሪበ እየ። መውስቦ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ጐይታ ዝሰርዖ ገይራ ትነብሮ እምበር ክትኽቕይሮ ሓይሊ የብላን። ንዅነታት እቶም እተፈልየ ጾታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ብዙሓኣት ሰባት ንምሕጋዝ ዚጽዕር ሕግታት ኣሎ። ንሰባት ክንሕግዞም ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ ብተፈጥሮኦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚዓዩ ዘይቅቡል ዝብለው ነገራት ብጸቕጢ ብዘይ ምቕራብ ክንሕግዞም ኣሎና። ሓደ ዓይነት ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት - ግብረ ሶዶማ ጾታ ዘለዎም ብሓባር ኪነብሩ እንተ ደልዮም ግና መንግስታት ብበርገሳዊ መገዲ ኪድግፍዎምን ውርሻን ጥዕናን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ብሕጊ ውሕስነት ክህብሉ ኪኢሎም እዮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ፈረንሳ ሕጊ ኣለዋ። እዚ ሕጊ እዚ ንግበረ ሶዶም ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሎም እቶም ኪሓብርዎም ዚደልዩ ሰባት እውን ዚምልከት እዩ። ሓዳር ግን ሓዳር እዩ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን ክንኵንኖም ኣይግባእን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኢያቶም። ከምዚ ዓይነት ሰባት በጃኹም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እያቶም። ከነሰንዮም ኣሎና፣ ከም ስነ ግብሪ መጠን ግን ሓዳር ንጹር ኢዩ። . . . ግብረ ሰዶም ዚገብሩ ዝፈጥርዎ ብሓደ ናይ ምንባር ውሳኔ ምስ መርዓ ዝብል ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ውህደት ክደናገር የብሉን። ምስጢረ ተክሊል ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ። . . . ጐይታ ሕያዋይ እዩ ንዅሉ ድማ ከድሕን እዩ ዝደሊ ( . . . ) ጐይታ ድሕነት ኵሉ እዩ ዝደሊ እንተዀነ ግን በጃዅም ቤተ ክርስቲያን ሓቂ ክትክሕድ ኣይትፍቀዱላ።  ብዙሓት ግብረ ሶዶም ዝፍጽሙ ሰባት ካብ ካህናትን ቤተ ክርስቲያንን ምኽሪ ንምሕታት ናብ ስነ ግብሪ ንስሓ ይቐርቡ እዮም ኣብ ህይወቶም ንቕድሚት ንኽስጒሙ ይሕግዞም እዩ፣ ምስጢረ ተክሊል ካልእ ነገር እዩ።  እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ቅድሚ ምዛዞሞም፥ ብዛዕባ ሃደ ኣብ መንጐዅም ዘሎ ሰብ ጽቡቕ ነገር ትደልዩ ኢኹም፣ ብዙሓት ኣብ 24 ሰዓት ውሽጢ ን24 ሰዓት ንምግልጋል ስንዱዋት ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ትሕት ትሕት ዘብሉ ካልኦት ዘቐድሙ ካልኦት ይሕተቱ ደሓን ኣነ ሱቕ ክብል ዝብሉ ኣለዉ። ከምቲ ማኑኤል በልትራን ብዛዕባ ኤቫ ፈርናንደዝ ዝብሎ እዩ። የቐንየለይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 September 2021, 08:49