ድለ

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ካዛኪስታን ግዳያት ተቓውሞ ዝዀኑ ሰባት ይጽልዩ

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ መሰረት ገይሩ ዝተለዓዓለ ሕዝባዊ ተቓውሞ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ይዳርግ ከምዘሎን እዚ እውን ጓሂ ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፥ ማሕበራዊ ስኒት ብዘተን ፍትሕን ዳግም ውሑስ ክኸውን ተስፋ እገብር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 9 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኰይኖም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ ህልው ኵነታት ሃገረ ካዛኪስታን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ጐደናታት ካዛኪስታን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ግዳያት ንዝኾኑ ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ናብቶም ኣብ ካዛኪስታን ግዳያት ተቓውሞ ዝዀኑ ዜጋታት ሓሳቦም ኣቕኒዖም፥ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ መሰረት ገይሩ ዝተለዓዓለ ሕዝባዊ ተቓውሞ ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ይዳርግ ከምዘሎን እዚ እውን ጓሂ ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፥ ማሕበራዊ ስኒት ብዘተን ፍትሕን ዳግም ውሑስ ክኸውን ተስፋ እገብር ቢሎም “ምእንቲ እቶም ግዳያትን ኣባይቲ ስድራኦምን ንጸሊ” ህዝቢ ካዛኪስታን ንዕቝባ ቅድስቲ ማርያም ንግስቲ ሰላም አማዕቝብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ህዝባዊ ተቓውሞ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ንካዛኪስታን ናብ ሕንፍሽፍሽ ዝዳርግ ዘሎ ቅልውላው ማሕበራዊ መበቁል ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ህዝቢ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ክቃወም ዘበገሶ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ ቅልውላው፡ እታ ሃገር ካብ ነበር ሶቪየት ሕብረት ተፈልያ ሃገር ኮይና ካብ እተቐውም ኣትሒዙ ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ስልጣን ዘሎ መርሕነት ዘሰልከዮ ሕዝቢ ሓድሽ መርሕነትን ሓድሽ ፖለቲካን ክርኢ ዘለዎ ሃረርታ ዘንቀሎ ፖለቲካዊ ድራኸ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰን ዝብሉ ብዙሓት ከምዘለዉን፡ ናይታ ሃገር ሚንስትር ውሽጣዊ ጒዳያት ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን 150 ግዳያቶ ተቓውሞ ከም ዝኾኑን ልዕሊ 4 ሺሕ ዝግመቱ እውን ከም እተኣስሩ ኣፍሊጡ።

10 January 2022, 16:59