ድለ

ኣብ ስሪላንካ ዓመጽ ደው ይበል! ሃረርታ ሕዝቢ ይሰማዕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 11 ግንቦት 2022 ዓም ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ኣቅረቡ ንተሳተፍቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ነታ ድሕሪ ምቅሃም ታሚል ታይገርስ ደሓን ዘላ ክትመስል ብውሽጣ ዝማህመነት ስሪላንካ ኣጋጢሙ ንዘሎ ናዕቢ ብምዝካር ምናዳ እቶም ገዓሮም ከምዝስማዕ ዝገበሩ መንእሰያት ብምዝካር ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ወሪድዎም ዘሎ ማሕበራውን ቊጠባውን ኣደራዕ ዝገብርዎ ኩሉ ሰላማዊ ምንቅስቃስ ሰበሥልጣን እቲ ዓዲ መሰላት ደቂሰብን ሓርነት ዜጋታትን ከኽብሩ ሓደራ’ እንክብሉ ጻው ዒት ኣቅሪቦም፤ ኣብ ዓለምና ብቀንዲ ዘድሊ ንዘሎ ሰላም ከኣ ብኣማልድነት ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ክንምህለል ኣዘኻርሮም።

ዜና ቫቲካን!

ሃገረ ስሪላንካ ካብ ንውሕ ዝበለ ዓመታት ምናዳ እቲ ብዙሓት ዘጽነተ ሕድሕዳዊ ውግእ ማእከላይ መንግሥትን ብታሚል ታይገርስ ዝፍለጥ ዝነበረ ምንቅስቃስን ተዛማዲ ሰላም ረኺባስ መራሒኣ ብዓቢ ተስፋ መሪጻ ተጐዒዛ እንክተብቅዕ፤ ቈጺርካ ዘይውዳእ ቊጠባውን ማሕበረሰባውን ቅልውላው ኣትዩዋስ ነቲ ብ ዓቢ ሆሆታ ዝመርጽዎ መራሒ ካብ ሥልጣኑ ክወርድ ኣገዲዳ። እዚ ግን በቲ ሕዝቢ ምናዳ ብመንእሰያት ዝቀረበ ሰላማዊ ጻውዒት ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ፍሉይ ሓሳብ ከምዚ ክብሉ ኣቅሪቦም።

ንሕዝቢ ስሪላንካ ምናዳ ኸኣ ኣብዚ መወዳእታ ዕለታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብታ ሃገር ወሪዱ ዘሎ ማሕበራውን ቊጠባውን ኣደራዕ ገዓሮም ከስምዑ ዝገብርዎ ዘለው ፍሉይ ሓሳበይ እገልጽ፤ ምስቲ መራሕቲ እምነት ናይዛ ኤስያዊት ሃገር ዝገበርዎ ጻውዒት ብምሕባር ከኣ ኩሎም ወገናት ኣብ ፈተና ዓመጽ ከይወደቁ ብሰላማዊ ምንቅስቃስ ድልየቶም ክገልጹ ሰበሥልጣን እቲ ዓዲ ድማ መሰላት ደቂሰብን ሓርነት ዜጋታትን ከኽብሩ እሞ ንተስፋታት ሕዝቢ ጽን ቢሎም ክሰምዑ እላቦ ኢሎም።

ጽም ኢ ሰላም ዓለምና ናብ ድንግል ማርያም ዘፋጢማ ኣማዕቊብ!

ቅዱስነቶም ንተዛረብቲ ቋንቋ ፖርቱጋል ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ነታ ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 13 ግንቦት ዓመታዊ ዝኽረ በዓላ ብዓቢይ መንፈሳውነት ኣብ መካነ ንግደት ድንግል ማርያም ፋጢማ ሃገረ ፖርቱጋልን ኣብ መላእ ዓለምን ንዝግበር ብምዝካር እዛ ብኩሉ ኩሉ ሰላም ስኢና ጽምኢ ሰላምን ሃረርታ ሰላምን ዝልልዋ ዘሎ ዓለምና ብ ኣማልድነት ድንግል ማርያም ዘደብረ ፋጢማ ጐይታ ክልግሰልና ንጸሊ እንክብሉ ኩልና ስለ ሰላም መላእ ዓለም ኣብዛ ቅድሚ 105 ዓመት እኖና ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ሕዝባ ተገሊጻ ካብ ዝነበረ ድነ ጥፍኣት ኣድሒና ሰላም መላእ ዓለም ዘውሓሰት ሎሚ እውን ናባኣ ክንምዕቈብን ምስቶም ካብ ፈቀዶ ዓለም ንመንፈሳዊ ንግደት ንደብረ ፋጢማ ዝውሕዙ ዘለው ብመንፈስ ሓቢርና ንማህለል ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 May 2022, 13:57