ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ስም ኣምላኽ ዘረክስ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥“ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐንዔ ተግባራት ዓመጽን ምዝመዛን ቀሊል ገበን ኣይኮነን። ነቲ እግዚኣብሔር ንዓለም ክህቦ ዝደለየ ስኒትን ምግጥጣም ጽባቔን ዘጥፍእ ዓቢይ ገበን እውን እዩ!“

ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እነብዕለሉ ዕለት 25 ሕዳር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ደረጃ ሰብኣውነትና በቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሎና ናይ ኣተሓሕዛ ኣገባብ ዝዕቀን ምዃኑ ከም ዘዘኻውሩን ኣብ ናይ ዕለቱ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ትዊተር እውን፥“ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝቐንዔ ተግባራት ዓመጽን ምዝመዛን ቀሊል ገበን ኣይኮነን። ነቲ እግዚኣብሔር ንዓለም ክህቦ ዝደለየ ስኒትን ምግጥጣም ጽባቔን ዘጥፍእ ዓቢይ ገበን እውን እዩ!“ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ዕለት 25 ሕዳር ኣህጉራዊ መዓልቲ ምውጋድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ 1981 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንምውጋድን ንምክልኻልን ዝዓለመን ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ንቕሓት ንምዕባይ ጎስጓሳት ንምድንፋዕ ኣብ ብድሆታትን መፍትሕን ንምዝታይን ዕድላት ንምፍጣር ዓለም ለኻዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝጽውዕ ዕለት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 11 ደቓይቕ ብናይ ገዛእ ርእሳ ስድራ ቤት ኣባላት ኢድ ግዳይ ትኸውን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዘተሓሳስቡን ዝምዕዱን ምዃኖም እንክዝከር፡ ንጓል ኣንስተይቲ ምግሃስን ኣብ ልዕሊኣ ዝፍጸም ዓመጽ “ንእግዚኣብሔር ምርካስ” ምዃኑ ብኣጽንዖት ብምዝኽካር ንዅለን ነተን ኣደዳ ንግድ ሰብ ተቓሊዔን ውግእን ግጭትን ኣብ ዘለሉ ኵሉ ዝጭወያን ዝዕመጻን ከምኡ እውን ኣብ ካልእ ብዙሕ መዓልታዊ ተርእዮታት ብዘጋጥመን ዓመጽን ኣድልዎን ዝሳቐያን፡ እዚ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ማእለያ ዘይብሉ ዓመጽ ክውገድ ኣብዚ መዳይ እዚ ንቕሓት ማሕበረሰብ ምዕባይ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ቅዱሰንቶም ደጋጊሞም ዘስምርሉ ሓሳብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

25 November 2022, 15:40