ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-PENITENCE-CONSECRATION-PEACE-UKRAINE-RUSSI VATICAN-RELIGION-POPE-PENITENCE-CONSECRATION-PEACE-UKRAINE-RUSSI 

ሥቃይኩም ሥቃየይ እዩ! ዕለት ዕለት ዝውሕዝ ደምን ንብዓትን የሕዝነኒ! ር.ሊ.ጳ ንኡክሬናውያን

ከም ጽንሲ ንትሽዓተ ወርሒ ምስ መመላእታ ንሃገረ ኡክራያና ደምን ንብዓትን ከም እተውሕዝ ገሩ ሕዝባ ዝጭፍጭፍን ሃገር ዘባድምን ዘሎ ቅዱስነቶም ጽሉል ውግእ ዝበልዎ ድቃስ ለይቲ ከምዝኸልኦም ንምግላጽ ናብቲ ክቡርን ሰማዕትን ዝበልዎ ሕዝቢ ኡክራያን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት፣ ቅርበቶምን ዝስምዖም ጓሂ ንምግላጽን ምናዳ ኣደዳ እቲ ግዳይ ዝኾኑ ንጹሓት ሕጻናት ብምሕሳብ ‘ኣብ ዝጠፍአት ነፍስወከፍ ሕይወት ሕጻን ሽንፈት መላእ ሰብኣውነት ይግለጽ’ ኢሎም። ንግዳይ ዓመጽን ዘይተሓስበ ምብልናን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ከማኡ እውን ኩሎም ኣብ ምክልኻል ዝርከቡ ሠራዊትስ ይኹን መንእሰያትን ወለንታውያንን ካህናትን ‘በዚ ወራር እዚ ንዝሰዓበ ራዕዲ ከምትቅበሉን ከም እትሳቀዩን ኣብ መስቀል ኢየሱስ እጥምቶ፣ ሥቃይኩም ሥቃየይ እዩ’ እንክብሉ መልእኽቲ ከም ዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪ

ዜና ቫቲካን!

መግለጺ ዝተሳእነሉ ህልቂትን ዕንወትን ሕዝቢ ኡክራይናን ሃገሮምን ንቅዱስነቶም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከምቲ ኣቦ ሞት ደቁን ስቃዮምን እንክርኢ ዝሳቀዮ ዓይነት ስቃይ ከምዝስምዖም ኣብቲ ዕለት ዕለት ዝገልጽዎ ጓህን ዘመሓላልፍዎ ጻውዒት ሰላምን ጸሎትን እኳ ዝግለጽ እንተኾነ ሕዝቢ ከም ሕዝቢ ክሳቀ ኪዓኑ ክሳቀ ብሓለንጊ ጥሜትን ጽምእን ዛሕልን ክግረፍ ክትርኢ ከምቲ ናይ ራሄል ደቃ ብምጽናቶም ምእባድ ዝኣበየትን ብኽያታ ዝቀጸለትን እቲ ዕለት ዕለት ዝውሕዝ ደምን ንብዓትን ሕዝቢ ኡክራይና እውን ሕልና ንዘለዎ ኩሉ ዝሓቂ ብምዃኑ ቅዱስነቶም ነቲ ንትሽዓተ ኣውራሕ ብዘምቊራጽ ሕይወት ኣእላፋት እናቀዘፈ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ጽሉል ውግእ ዝበልዎ ዘስዓቦ ሥቃይ ሥቃዮም ከምዝኾነ ንምግላጽን ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘቅረብዎ ልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን ጻውዒት ሰላምን ዘተን ጸሎትን ሎሚ ከኣ ናብ ኩሎም ሕዝቢ ኡክራይና ዘቅነዔት መልእኽቲ ሰዲዶም።

እታ መልእኽቲ ብቅዱስነቶም ዝተኸተመት ኮይና ናብ ኩሎም ሕዝቢ ኡክራይና ብቀዳምነት ናብተን ኣሚናተን ብሰንኪ ውግእ ስኢነን ኣብ ማእምንነት ዝርከባን ግዳይ ዝተፈላለየ ዓመጻት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ሃገር ኮይኖም ኣብ ግንባራት ዝርከቡ ዝቈስሉን ዝሞቱን ዘለዎ መንእሰያት ከማኡ እውን ማይ ዘስትዮምን ዝሕግዞምን ዘይብሎም ኣብ ትሕቲ ዝናብ ቦምባታት በይኖም ኣብ ገዛውቲ ተዓጽዮም ተሪፎም ዘለው ሽማግለታት ሕይወቶም ከድሕኑ ካብ መረበቶም ዝተሰደዱ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ተዓቊቦም ዘለው ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተፈናቀሉን ኣብ ተልእኮ ኣገልግሎት ዝርከቡ ወለይተኛታትን ካህናትን ሰበሥልጣን እታ ሃገርን የጠቃልል።

ብካልእ ኣዘራርባ ቅዱስነቶም ናብታ መላእ ሃገር ከም ጳጳስ ሮማን ር.ሊ.ጳጳሳትን ኮይኖም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእክቲ ብመንፈስ ቅርበቶም ብምግላጽ ኣብዚ ብርቱዕ ፈተና ዘጓንፎም ዘሎ ግዜ ተስፋ ከይቆርጹ ‘ጽኑዕ ሕዝቢ ብምዃኖም እናተሳቀየ ዝጽሊ ሕዝቢ እውን ስለዝኾነ ከም ወትሩ ይነብዕ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዝጋደል ጸኒዑ ብተስፋ ዝጽበ ክቡርን ሰማዕትን ሕዝቢ’ ስለዝኾነ ኣድናቆቶም ብምግላጽ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪት።

ውሒዝ ደምን ንብዓትን!

ክትኣምኖ ብዘጸግም ኣብታ ምዕብልቲ ትበሃል ኤውሮጳ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 24 2022 ዓም ቀዳመይቲ ጥይት ውግእ ምስ ተተኮሰት ኣብ ሃገረ ኡክራይና ዝወረደ ግፍዕታት ዘርዕድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ቈጺርካ ዘይውድኡ እዮም። ዳርጋ ዕለታዊ እንጌራ ናይታ ሃገር ዝኾነ ደብዳብ ቦምባታትን ህልቂትን ዕለት ዕለት ምቅጻሉን ደምን ንብዓት ከምዝውሕዙ ምግባሩን ዘሕዘኖም ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ።

“ኣብ ሰማያት ሃገርኩም ብዘይምቊራጽ ዝዘንም ቦምባታትን ጠፋእኩም ተሓብኡ ኣብ ጐዳጒድኹም እተው ዝብላ ዓው ቢለን ዝውጭጫን ዝፋጽያን ድምጺ ሲረን ንትሽዓተ ወርሒ መሊኽዎ ኣሎ። ከተማታትኩም ብመዳዕ እንክድብደባ ዝናም ሚሳይላት ከኣ ሞትን ዕንወትን ስቃይን ጥሜትን ጽምእን ቊርን የስዕባ። ካብ ጐደናታትኩም ብዙሓት መረበቶም ገዲፎም ኪሃድሙ ተገዲዶም። ማዕረ ማዕረ እቲ ዓበይቲ ወሓይዝኩም ዕለት ዕለት ውሒዝ ደምን ንብዓትን ይውሕዝ ኣሎ፣ እዚ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ተሳኢሉ ዝተርፍ ዘስካሕክሕ ኣሳእል እዩ።”

ካብ ኣእምሮኻ ዘይሕከኽ ዘስካሕክሕ ምስልታት!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ኣብቲ ውሒጅ ንብዓቶም ናቶም እውን ከምዘሎ ንምዝኽኻር ዚኣክል ‘ምሳኹም ብመንፈስ ዘይኮንኩሉ ዕለትን ሰዓትን የለን! ልበይ ስለኹም ዘይሓሰበሉን ስለኹም ዘይጸለኹሉን ዕለትን ሰዓትን የለን! ሥቃይኩም ሥቃየይ እዩ። ቃንዛኹም ቃንዛይ እዩ። ዕለት ዕለት ሰለኹም ክጽሊ ኣብ መስቀል ኢየሱስ ኣተኲረ እንክጥምት ምስልኹም ኣባኡ ይረኣየኒ፣ ምስሊ እቶም እዚ ዓመጽ እዚ ብዘስዓቦ ራዕዲ ትሳቀዩ  ናታርኩም ምስሊ ኣባኡ እርኢ። እወ እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሳቀየ መስቀል ሎሚ እውን ኣብቲ ኣብ ፈቀዶ ጋህስታት ከተማታትኩም ተቀቢሩ ዘሎ ረሳታትን ኣብ ዝተፈላለየ ካብ ኣእምሮኻ ክትሓኮ ዘይከኣል ዘስካሕክሕ ምስልታትን ‘ስለምንታይ! ከመይ ቢሎም እዮም ደቂሰባት ኣብ ልዕሊ ዝከማኦም ካልኦት ደቂሰባት ከምዚ ዓይነት ጭካኔ ዘርእዩ! ቢልካ  ንክተእውን ክትግዕርን ዝዕድም ምስልታትን ብሓዲስ ይገሃድ ኣሎ። ምናዳ ዝተቀትሉን ዝቆሰሉን ዝዘኽተሙን ሕጻናት ንሕልና ዝሓቂ እዩ እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም።

ዝተቀትሉን ዝቆሰሉን ዝዘኽተሙን ሕጻናት!

ኣብ ኡክራይና ዝፍጸም ትራጀዲ ነቲ ካብ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብዛ ዓለምና ንዝፍጸም ድራማ ኣብ ኣእምሮም ከምዝቅጀል ከምዝገበረ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ምናዳ ኣብ ኣዚዮም ናኣሽቱ ዝኾኑ ብሕልፊ ከኣ እታ ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ቦምባታት ኣብ ከርሲ ኣዲኣ እንከላ ብምኽንያት ሞት ኣዲኣ ሞይታ ዝተወልደት ከማኡ እውን ጓል ኣርባዕተ ዓመት ብደብዳብ ሚሳይል ዝሞተት ዘኪሮም እዚ ክሳብ ክንደይ ከምዘሕዘኖም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ክንደይ ዝተቀትሉን ዝቆሰሉን ዓደታቶም ተመንዚዖም ዝዘኽተሙን ሕጻናት ኣለው፣ ስለነፍስወከፍ ሕጻን ምሳኹም እበኪ ኣሎኹ! ስለቲ ብሰንኪ እዚ ውግእ እዚ ሕይወቱ ዝሰኣነ ነፍስወከፍ ሕጻን ከም በዓል ኪራ ኣብ ኦደሳ ከም ሊዛ ኣብ ቪኒትስያ ከማኡ እውን ብኣማኢት ዝቊጸሩ በዚ ውግእ ዝሞቱ ካልኦት ሕጻናት ምሳኹም እበኪ ኣሎኹ። ኣብ ሞት ነፍስወከፍ ሕጻን ጽዕረት መላእ ዘመደ ኣዳም እዩ ዝግለጽ፣ ሎሚ እዞም ንጹሓት ሕጻናት ኣብ ሕቊፉ እግዚአብሔር እዮም ዘለው! ነዚ ዘሳቅየኩም ዘሎ ዓጽረ እስትንፋስኩምን ቅልውላውን ኣብ ሰማይ ኰይኖም ይዕዘብዎ ኣለዎ ንክውዳእ ከኣ ስለኹም ይጽልዩ ኣለው። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ናይተን ደቀን ክቅዘፉ ዝዕዘባን ብሓዘን ዝልለዋ ኣደታትን መላእ ሕዝቢ ኡክራይናን ቃንዛ እውን ቃንዛይ እዩ ኢሎም።”

ቃንዛ ኣደታትን መላእ ሕዝቢ ኡክራይናን!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ካብቲ ቈጺርካ ዘይውዳእ ምኽንያታት ስቃይን ጓህን ሕዝቢ ኡክራይና ንዓበይትን ናኣሽቱን ዘሳቂ ዘሎ ካልእ ጉዳይ ከይፈተው ብሓይሊ እንተስ ከም ምሩኻት እንተስ ብግዲ ዜግነቶም ክልውጡ ዝቅሰቡ ኣብ ፈቆዶ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለውን ካልእን ንመላእ ሕዝቢ ኡክራይና ብማዕረ ዘጒሂ ዘሎ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ቃንዛን ሓዘንን ኣደታት ግን ወደር ኣልቦ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ብትብዓትን ጽንዓትን ሃገሮም ንምክልኻል ኣብ ግንባራት ዝኸዱ መንእሰያት ክንዲ ሕልምታቶም ዘግህዱ ምስ ኣጽዋር ውግእ እንክቃለሱ መውጋእትን መሥዋዕትን ሰጊሮም ንዘኽታማትን መበለታትን ከንፈሮም ነኺሶም ንደቅናን ዝኾነ መሥዋዕቲ ክንከፍል ስንድዋት ኢና ብማለት ንፍትዋቶም ክከላኸሉ ዝተኻእሎም ኩሉ ዝገብሩ ንዘለው መንእሰያት እውን መሥዋዕትነቶም ብምዝካር ንኩሉ ምሳኦም ከምዝሳተፉ ገሊጾም። ነቶም መወዳእታ ሕይወቶም ብቅሳነት ከሕልፉ ዝነበሮም ሽማግለታት ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ውግእ ኮይኖም ዝሳቀዩ ዘለው ከማኡ እውን እተን ዝተፈላለየ ዓመጻት ዝቅበላን ኣብ ልበን ሰፍ ዘይብል በሰላ ሒዘን ዝጐዓዛ ደቂ ኣንትዮን ንኩሉ ኩሎም ቅርበቶም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ወትሩ ብዛዕባኹም እሓስብ ብፍቅሪ ቅርበተይ እንክገልጽ ነዚ ሰፍ ዘይብል ፈተነ እዚ ተጻዊርኩም ብምኽኣልኩም ኣድናቆተይ እገልጽ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእክቶም ነቶም ኣብ መንጎ እዚ ገሃነመእሳት ዝኾነ ናብራ ንካልኦት ንምሕጋዝ ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ኣገልግሎታቶም ዘወፍዩ ዘለው ወለተኛታት ከማኡ እውን ኩሎም መንፈሳውያን ጓሶት ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንን ስለቲ ንኩሉ ማሕበራዊ ቦታታቶም ከም መዕቆቢ ክኽውን ዘወፈዩን ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ስለቲ ዘቅርብዎ ተቅባልን ዘወፍይዎ ሓገዝን መግብን ኣመስጊኖም።

ጸሎት ስለ ሰበሥልጣን!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዝዘክርዎም እቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተዘሪኦም ዘለው መረበቶም ገዲፎም ነዛ ሕይወቶም ከድሕኑ ዝተሰዱን ዝተፈናቀሉን ዘኪሮም ጸገሞም ከምዝካፈሉን ብጸሎት ከምዝሓስብዎምን ብምግላጽ ተስፋ ከይቆረጹ ብጽንዓት ንኩሉ ክጻወሩ ምስ ኣዘኻኸሩ ስለ ሰበሥልጣን ብሓባር ነዛ ጸሎት እዚኣ ነዕርግ ኢሎም።

“ኦ ጐይታ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብዚ ሕሱም ግዝያት ነዛ ሃገር ከመሓድሩን ንነባሪ ሰላም ውሳኔ ክገብሩን ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኣብዚ ኩሉ ፋብሪካታት ዓንዩሉ ዘሎ ቊጠባ ከደንፍዑን ዝብል መንፈስ ክተሕድረሎም ንልምነካ ኣሎና።”

ዝኸሪ ሆሎዶሞር!

ቊስሊ ምሕካኽ ደኣ ከይከውን እምበር ሕዝቢ ኡክራይና ጽንተትን ህልቂትን ዕንወትን ከጋጥሞ ንመጀመርያኡ ከምዘኮነ ዝዝከሩ ቅዱስነቶም ነቲ ቅድሚ ዓመታት ካብ 1932-1933 ዓም ሕብረት ሶቭየት ንሕዝቢ ኡክራይና ንምንብርካኽ ራዕዲ ጥሜት ወይውን ብዓቢ ጥሜት ዝፍለጥ ህልቂት ልዕሊ ሽድሽተ ሚልዮን ዘስዓበ ብህልቂት ሆሎዶሞር ዝፍለጥ ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ዘኪሮም ትብዓቶም ብምድናቅ ሕጂ እውን ኩሉ ኪሓልፍ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ሎሚ እውን እንተኾነ ነዚ ክትገልጾ ዘይከኣል ትራጀዲ እናሕለፈ ሕዝቢ ኡክራይና ፈጺሙ ተስፋ ከምዘይቈርጽን ኢዱ ከምዘይህብን ርግጽ እዩ። ዓለም ብዓለሙ ሕዝቢ ኡክራይና ተባዕን ሓያልን ሕዝቢ ምዃና ዝሳቀን ዝጽልን ዝነብዕን ዝጋደልን ዝቃወምን ዝትስፎን ሕዝቢ ክብረት ዘለዎን ሰማዕትን ምዃኑ ይምስክር ኣሎ። በይንኹም ከምዘይኰንኩም ንከረጋግጸልኩም ከማኡ እውን ንውግእ ከይትለምዱን ሎሚ ከማኡ እውን ምናዳ ጽባሕ ፈተና ምርሳዕ ስቃይኩም ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ከይትሽነፉ ኣነ ብልበይን ብጸሎትን ብሰብኣዊ ሓገዝን ወትሩ ኣብ ጐድኑኹም ኣሎኹ። ሽሕኳ ልብኻ ዝፍሑቅ ሥቃይን ነቲ ተሪፉ ብሕይወት ዘሎ ዝሓቂ ቀዝሒ ተፈጥሮን እንተሎ ድሕሪ ቁሩብ ግዝያት ልደት ክነብዕል ኢና። በዚ ከኣ ቁሩብ ናብ ቤተልሔም ክምለስን ነቲ ቅድስት ሥድራ ዘጋጠማ ፈተና ብምዝካር እቲ ቀዝሕን ኩሉ ጸልማትን ዝዓሰላ ለይቲ እቲ ብርሃን ዝመጸላ ለይቲ ምዃኑ ከዘኻኽረኩም እደሊ። እቲ ብርሃን እቲ ካብ ደቂሰባት ኣይኮነን መጺኡ ካብ እግዚአብሔር እዩ መጺኡ፣ ካብ ምድሪ ዘይኮነ ካብ ሰማይ እዩ መጺኡ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእክቶም ንሕዝቢ ኡክራይና ዳግም ናብታ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ንኡክርያናን ንሩስያን ንዝገበርክዎ ወፈያ ናብ ጥቀ ንጹሕ ቅዱስ ልበ ማርያም ንኩሉ ስቃያትኩምን ንብዓትኩምን ናብዚ ንጹሕ ልቢ ኣደ ኣወፍዮ ኣሎኹ እንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 November 2022, 13:47