ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን ብሓባር መገዲ ሰላም ክጸርጉ ይኽእሉ እዮም! ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን ብሓባር መገዲ ሰላም ክጸርጉ ይኽእሉ እዮም!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን ብሓባር መገዲ ሰላም ክጸርጉ ይኽእሉ እዮም!

ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብናቱ ኣርኣያን ምስሉን ዝፈጠረ ንደቂ ሰባት ገዛእ ርሱ ኣብ ዝገለጸ ሓደ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እምነት ከም ዘለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ኣብቲ ናይ መወዳእታ ነገራት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ” ከም ዘለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንልኡካን ዓለም ለኸ ጒባኤ ኣይሁድ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይ ኣይሁድን ክርስቲያንን ሓባራዊ ሃይማኖታዊ ውርሻ ኣብዛ ዝተሰብረት ዓለም ንሕውነትን ሰላምን ብሓባር ንኽዋስኡ ድርኺት ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ብኣቦ መንበርነት ሮናልድ ኤስ ላውደር ዝምራሕ 200 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣይሁድ ዕለት 22 ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሓባራዊ ሃይማኖታዊ ውርሻ ኣይሁድን ክርስቲያንን “ብሓባር ንኽዋስኡ መተባብዒ” ኮይኑ ክረአን “ንሕውነትን ሰላምን ዓለም ድርኾት” ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን ብሓባር መገዲ ሰላም ክጸርጉ ይኽእሉ እዮም!
ር.ሊ.ጳ.፥ ኣይሁድን ክርስቲያንን ብሓባር መገዲ ሰላም ክጸርጉ ይኽእሉ እዮም!

ቀጻሊ ዘተ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካብ ካልኣይ ጒባኤ ቫቲካን ጀሚሮም እቲ ውድብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጒዳያት ሃይማኖታዊ ዝምድና ምስ ኣይሁድ  ቤት ጽሕፈት ከም እተራኸበ ዘኪሮም፡ እቲ “ዓለም ለኸ ጉባኤ ሃይማኖት ኣይሁድ” ኣብ ቅድስቲ መንበር ዘካይዶ ምብጻሕ ናይ ምሕዝነትን ዝምድናን “ምስክርን ዘደልድልን” ምዃኑ ገሊጾም፥

ናይ ሓባር ሃይማኖታዊ ውርሻ

ኣይሁድን ክርስቲያንን ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ብናቱ ኣርኣያን ምስሉን ዝፈጠረ ንደቂ ሰባት ገዛእ ርሱ ኣብ ዝገለጸ ሓደ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እምነት ከም ዘለዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ኣብቲ ናይ መወዳእታ ነገራት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ” ከም ዘለዎም እውን ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ጉዕዞ ህይወት ናብ ዋላሓደኣውነት ዘይኮንና ናብቲ ዝሓልየልና ልዑል ኣምላኽ ኢና እንስጒም . . . እዚ ፍጻሜ እዚ ብኸመይ ከም ዝመጽእ ኣብ ኣይሁድነትን ክርስትናን ዝተፈላለየ ኣምር ክህሉ ይኽእል እዩ፡ እቲ ንሕና እንካፈሎ ዘጸናንዕ ቃል ኪዳን ግን ይቅጽል ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንሰላምን ሕውነትን ብሓባር ምስራሕ

እምበርኣር እቲ ክርስቲያንን ኣይሁድን ዝካፈልዎ ሃይማኖታዊ ውርሻ፥ “ንዓለም ዝያዳ ሕውነታዊት ንምግባር፡ ንመልክዓት ዘይምሩይነትን ንምብዳህን ዝዓበየ ፍትሒ ንምስፋሕን ሰላም ካልእ መብጽዓ ካልኣዊ ዓለም ኮይኑ ክይተርፍ፡ ግን ከኣ ኣብ ዓለምና ህልው ክውንነት ንምግባር ዝድርኽ እዩ፥ ቢሎም ቀጺሎም “ፍትሒ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ሓባራውን ጭቡጥን ተበግሶታት ትብዓትን ምትሕብባርን ፈጠራን ይጠልብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ዩክሬይን ዝርአ ዘሎ “መስዋዕቲ ኲናት”

ብፍላይ ነቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ “ዓቢ ናይ መስዋዕቲ ኲናት” ደጊሞም ብምዝካር። እዚ ድማ “ንኣይሁድን ክርቲያንን” ብማዕረ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ካብ ዝፈትውዎም ሰባትን ገዝኦምን ንብረቶምን ህይወቶምን ዝምንዝዖም እዩ!”

ከም ኣይሁድን ክርስትያንን ንውግእ መወዳእታ ንኽግበሮ መገድታት ሰላም ንምጽራግን ብሰብኣዊ መገዲ ዝከኣል ኩሉ ክንገብር ንጽዓር”

ቢሎም ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቶም ናብ ሃገረ ቫቲካን ንዑደት ንዝመጹ ልኡካን ዓለም ለኸ ጒባኤ ኣይሁድ ኣመስጊኖም፥ እዚ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኣይሁድ፥ ንሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድን እምነት ክርስትናን ብሓባር ኣብ ጉደና ሰላም ንኽጓዓዙ ዝድግፍ ከም ዝኸውን ኣይጠራጠርን” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለማዊ ጉባኤ ኣይሁድ

ዓለማዊ ጉባኤ ኣይሁድ ኣብ 1936 ዓ.ም. ዝተመስረተ ንመሰላት ኣይሁድን ኣብ ምቅላስ ንግዳያት ስርዓት ናዚን ወረስታኦምን ፍትሒ ክረኽቡ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት ዘሳልጥ ከምኡ እውን ዳግማይ ዝትንስእ ጸረ-ሴማውነትን ንህልውና ኣስራኤል ዘይሕጋዊ ንዝብል ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ኣብ ምቅላስ ቅድመ ግንባር ዝስራዕ፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣይሁድን ኣብ ሚእቲ ሃገራት ዝርከባ ውድባት ኣይሁድን ወኪሉ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ባይቶታት ኣህጉራውያን ትካላትን ካልኦት እምነታትን ስሌኦም ዝጣበቕ ከም ዝኾነን ዜና ቫቲካን ይተዘኻኽር።

23 November 2022, 16:41