ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ መላእ ዓለም ብኣማላድነት ቅድስተ ድንግል ማርያም ጸሎት የብጽሑ

ቅዱስነቶም ኣብ ፊት ምስሊ ጽንሰታ ለማርያም ጻዕዳ ጽጌረዳ ኣንቢሮም ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት፥ “ናይ ኵሎም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝርከቡ ደቅኺ ምስጋናን ልመናን ሒዘ ናባኸ እቐርብ” ቢሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ሮማ ቅርዓት ስፓኛ ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ፊት ተረኺቦም፥ ኣብዚ ግዜ እዚ ምእንቲ ኩሎም ህዝብታት ዓለም ከምኡ እውን ምእንቲ ሰላም ብፍላይ ኣብ ዩክሬይን ኲናት ደው ክብልን ሰላም ክወርድ በማላድነት ንጽሕቲ ቅድስተ ማርያም ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ታሕሳስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሮማ ናብ ዝርከብ ቅርዓት ስፓኛ ናብ ዘሎ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ትርጋጽ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ሕቝፊ ጻዕዳ ጽገረዳ ኣንቢሮም ምእንቲ ዅሎም እቶም ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ዓበይትን ንኣሽቱን ብጠቕላላ ምእንቲ መላእ ህዝቢ ዓለም በማላድነት ጽንሰታ ለማርያም ጸሎት ከም ዘብጽሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክሬይን

ቅዱስነቶም ኣብ ፊት ምስሊ ጽንሰታ ለማርያም ጻዕዳ ጽጌረዳ ኣንቢሮም ኣብ ዘዕረግዎ ጸሎት፥ “ናይ ኵሎም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዝርከቡ ደቅኺ ምስጋናን ልመናን ሒዘ ናባኸ እቐርብ” ቢሎም ምእንቲ ኣረጋውያንን ኣረገውትን መንእሰያትን ኣባይቲ ስድራን ከምኡ እውን  ምእንቲ ሰላም ኣብ መላእ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክሬይን ሰላም ክወርድ በማላድነታ ጸሎት ኣቕሪቦም፥ “ናባኺ ንጽሕቲ ኣደ እናጠመትና ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ሓሶት፡ ምህረት ኣብ ልዕሊ በደል፡ ክዕወትን ሰላምን እምነትን ተስፋን ክህሉ ንጽሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸሎት ቅዱስነቶም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ምርያም ድሕነት ሮማውያን

ቅዱስ ምስሊ “ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን” ካብ ቅድስቲ መሬት ብቅድስቲ ሄለን ኣደ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ናብ ሮማ ከም እተመልሰን ኣብ ሮማን ከባቢኣን ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘሰንብድ ተላባዒ ሕማም ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ጎርጎርዮስ ዓቢይ ደሓር ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ዝብል መጸውዕ ዝተወሃባ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ኣምሪሖም ምስ ምእመናን ሓቢሮም በማላድነታ ሮማን ህብዛን ካብቲ ለብዒ ከተናግፍ መንፈሳዊ ዑደት ፈጺሞምን ሮማን ከባቢኣን እውን ካብቲ ለብዒ ከም እተናገፈ ዜና ቫቲካን ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ጠቒሱ እንከመላኽት፥ ቅዱስነቶም ቅድሚ ናብ ቅርዓት ስፓኛ ምኻዶም እቲ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናብ ዝርከበሉ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ እቲ ቅዱስ ምስሊ ናይ ጽሞና ጸሎት ከም ዘዕረጉ ይሕብር።

09 December 2022, 15:51