ድለ

PERU-POLITICS/ PERU-POLITICS/ 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ስለ እታ ኣብ ዓሚቚ ቅልውላው ዘላ ሃገረ ፔሩ ጸልዮም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ነጋድያንን ምእመናንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ተቋውሞ ሃገረ ፔሩ ዝሞቱ 20 ሰልፈኛታት ብምዝካር እቲ እናዓሞቀ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደው ቢሉ እቲ ዓመጽ ብዘተን ብሰላምን ክፍታሕ ጸሎት ኣዕሪጎም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ሃገረ ፔሩ ዚሓለፈ ቅንያት ዝጀመረ ቅልውላው፡ ብቀንዱ መራሒ እታ ሃገር ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ምስተኣልየ ገዲዱ። ነዚ ስዒቡ ክግበር ዘለዎ ምርጫ ክካየድ ዝጠልብ ተቓውሞ እውን ነቲ ቅልውላው መመሊሱ ከምዝገድድ ከምዝገበሮ፣ ዝገደደ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብዕሊ ዝተፈልጡ 20 ዝኾኑ ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ቊጽሪ ክውስኽ ተኽእሎ ከምዘሎን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ነቲ ካብ ስልጣን ብሓይሊ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ፔድሮ ካስቲሎ ዝተክኣት ሓዳስ ፕረዚደንት ፔሩ ዲና ቦሉርተ፡ ህድኣት ክህሉ ጻውዒታ ተቅርብ ከምዘላ እውን ተመልኪቱ።

ጻውዒት ሰላም ር.ሊ.ጳ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነዛ ደቡባዊት ሃገረ ላቲን ኣመሪካ ሰላም ክወርዳ ጸሎት ከምዘድልን ብሓባር ክጽለን ከምዚ ክብሉ ጻውዒቶም ኣቅሪቦም።

“ስለ ሰላም ንጸሊ። እቲ ኣብ ሃገረ ፔሩ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ከቋርጽን፡ ነቲ ንህዝቢ ዝጸሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ንምብዳህ ከኣ መንገዲ ዘተ ክድንፍዕ ንጸሊ።”

ቀጻሊ ዘይርጉእነት ሃገረ ፐሩ!

ፕረዚደንት ቦሉርተ ብዝቀልጠፈ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምርጫ ክካየድ ትጽውዕ ኣላ። በዚ ጉዳይዚ ዛሕሊ ዘርኢ ንዘሎ ኮንግረስ እውን ነቒፋቶ። እንተኾነ ሰልፈኛታት ንዓዓ እውን ካብ ስልጣና ክትወርድ ይጽውዑ እንተ ንሳ እዚ ዋላ ሓንቲ ከምዘይፈትሕ ትገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ካብ ሥልጥእኑ ዝተኣልየ ነበር ፕረሲደንት ካስቲሎ ኣብ ቤትማእሰርቲ ኮይኑ ይሳቀ ከምዘሎን ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ከእስሮ ዝኽእል ዓመጽ ፍርዲ ይጽበዮ፡ እዚ ድማ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ማለት እዩ።

ፖለቲከኛታትን ላዕለዎት ኣባላት ቤተ ክርስቲያንን ዝሓቖፈ ናይ ሃገረ ፐሩ ሃገራዊ ቤትምኽሪ ተራኺቡ ናብቲ ዝተጎድአ ከባቢታት ከምዝኸዱን ምስ ሰልፈኛታት ዘተ ንምምስራት ከምዝጽዕሩን ብምግላጽ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ክካየድ ምዃኑን ገሊጹ።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 December 2022, 13:48