ድለ

ስሪ ላንካ፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ስሪ ላንካ፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ  (ANSA)

ስሪ ላንካ፥ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ

ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት ነቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ “ታሪኻዊ ስርሒት” እንክብሉ ገሊጾም

ኣብ ስሪ ላንካ ናይ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. በዓለ ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ናይ ዝኾኑ ኣባይቲ ስድራ ብነበር ርእሰ ብሔር ማይትሪፓላ ካሕሳ ክኽፈሎም ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላልፎ ውሳነ ግቡእ እንክብሉ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ስሪ ላንካ ነበር ርእሰ ብሔር ማይትሪፓላ ሲሪሰናን ኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ንስድራ ቤት ግዳያት ናይቲ ኣብ ዕለተ ፋሲካ 2019 ዓ.ም. ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ 273 ሺሕ ዶላር ካሕሳ ክኸፍሉ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስሪ ላንካ ከም እተፈርዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ሚያዝያ 21 ኣብ ኮሎምቦ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሰለስተ መዕረፊ ኣጋይሽን በኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተፈጸመ ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ልዕሊ 270 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 500 ዝግመቱ ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣዘኻኺሩ፥ ብመሰረት እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃብዎ ውሳነ ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ክፍጸም ምዃኑ ቅድም ክብል ናይታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ደሕንነት ጸብጻብ ንመንግስቲ ኣፍሊጡ እውን እንተነበረ ኣብቲ እዋን ርእሰ ብሔር ዝነበሩ ሲሪሰና ናይ ቅድመ ምክልኻል ውሳኔ ከመሓላልፉ ብዘይ ምኽኣሎም ከምኡ እውን ነበር ሓለፍቲ ሓይሊ ጸጥታን ስለያን ምክልኻልን ሲሪላንካ ስጒምቲ ብዘይ ምውሳዶም ተሓተቲ ከም ዝኾኑን ንስድራ ቤት ግዳያት ካሕሳ ክኸፉሉ ይእዝዝ ቢሉ ሓደ መራሒ ሃገረ ስሪ ላንካ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምክልኻል ብዘይምኽኣሎም ገበነይና ኮይኖም ክሕተቱ እዚ ናይ መጀመርታ ምዃኑ የመላኽት።

ራንጂት፥ ታሪኻዊ ስርሒት እዩ

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ድሕሪ እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ዝተኻየደ ዕጹው መርመራ፥ ሰበ ስልጣን ስሪ ላንካ ብዛዕባ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጸብጻባት ስለያ ሸለል ኢሎምን ንፖለቲካዊ ረብሓታቶም ክጥቀሙሉ ፈቲኖምን ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበን እዚ ዓይነት ክስታት ብተደጋጋሚ ዘቕርቡ ዝነበሩን ነቲ ግብረ ሽበራ ብትሪ ዝኾነኑ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ውሑስ ክኸውን ከይተሓለሉ ጻውዒት ዘቕርቡ ናይ ኮሎምቦ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማልኮልም ራንጂት ነቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ “ታሪኻዊ ስርሒት” እንክብሉ ገሊጾም ንዘመሓላለፎ ውሳነ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 January 2023, 15:55