ድለ

ናይጀሪያ፥ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም መጥቓዕትን መቕተልትን ናይጀሪያ፥ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም መጥቓዕትን መቕተልትን 

ናይጀሪያ፥ ኣብ ልዕሊ ካህናት ዝፍጸም መጥቓዕትን መቕተልትን

ነቶም መጥቃዕት ዝፈጸሙ ሰባት ንምሓዝ ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉ . . .

ኣብ ናይጀሪያ ሓደ ካህን ኣብ ዝቕመጥሉ ቤቶም እንከለው ብዕጡቓት ሸፋቱ ከም እተቐትሉን ካልኣይ ካህን እውን ከምልጡ እንከለዉ ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝቖሰሉን ኣብ ሕክምና ከም ዘለዉ ካብ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ናይጀሪያ ዝሓለፈ ሰንበት ቅድሚ ወጋሕታ ዕለት 15 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ክልተ ካቶሊካውያን ካህናት ግዳይ ትርጉም ኣልቦ ዓመጽ ከም ዝኾኑ ክንገር እንከሎ፡ ካብቶም መጥቓዕቲ ዝወረዶም ክልተ ካህናት እቶም ሓደ ሸፋቱ ብዝፈጠርዎ ባርዕ ሓዊ ኣብ ቤቶም እንከለዉ ከም ዝሞቱን እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ናይጀሪያ ግዝኣት ኒጀር ኣብ ዝርከብ መንበሪ ሰበኻ ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ዞባ ፓይኮር ካፊን ኮር ኣብ ዝርከብ ቤተ ካህናት ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ባርዕ ሓዊ ኣባ ኢሳክ ኣቺ ቆሞስ ናይታ ቤት ክርስቲያን ከም እተቐትሉን ነቶም ካልኣይ ካህን ተራዳኢ ቆሞስ ኣባ ኮሊንስ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክሃድሙ እንከለዉ ካብቶም ሸፋቱ ብዝተተኮሰ ጥይት ከም ዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን ናይ ናይጀሪያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት ናይቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ከም ከም ዝሓበሮ እውን ነቶም መጥቃዕት ዝፈጸሙ ሰባት ንምሓዝ ጻዕርታት ይቕጽል ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ እቶም ዝቖሰሉ ካህን ኣባ ኮሊንስ ኣብ ሕክምና ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

17 January 2023, 15:51