ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ንኢየሱስ ምስዓብ

ነቲ ኣድካሚ ግን ከኣ ዓስቢ ዘለዎ ሓደጋ ኣገልግሎት ንምፍላጥ ወይ ድማ ምስ ጎይታ ዕርክነት ንምዕባይ ንጸሎት ግዜ ንምውፋይ፡ ኵሉ ምግዳፍ ጽቡቕ ምኾነ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥሪ ሰንበት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል “ሰንበት ዘቃለ እግዚኣብሔር” ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ፥ ምእመናን ንጐይታ ካብ ምስዓብ ዝዓግቶም ፈልዮም ብምልላይን ብምውጋድን ምስኡ ክሓብሩ” ዝላበው ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱስ ንኹሉ ሓዲግና ክንስዕቦ ይዕድመና! እዚ ናይቲ ቅዱስነቶም ዕለት 22 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሕመረት ክኸውን እንከሎ፥ ዕለቱ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ 2019 ዓ.ም. ጀመሪ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ምእመናን መጽሓፍ ቅዱስ ከዕሙቑን ከጽንዑን ንምትብባዕ ኣሚታ ክበዓል ዝወሰነቶ ከብረ በዓል ቃል እግዚኣብሔር ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፥ ናይዚ በዓል እዚ መርሕ ቃል ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ምዕ. 1, 3: “እቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግረኩም ኣሎና” ዝብል ምዃኑ ድማ ኣዘኻኪሮም ዕላማ ናይቲ በዓል ምእመናን ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘለዎም ኣፍልጦ ንምዕማቝ ሓላፍነት ሓድሽ ህይወት ክህልዎም ንምንቕቓሕ ከም ዝኾነን ኣመላኺቶም፡

ከም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ

ንኢየሱስ ክንስዕቦን ምስኡ ክንከውንን ካብ ዘዘንግዓና ዘበለ ኩሉ ክንርሕቕ ፍቓደይናታት ምዃንና ዘምጽኦ ዕጋበት ኣብሪሆም፥ ናይ ዕለቱ ምንባብ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 4, 12 – 23 ዝተወስደ ምዃኑ ገሊጾም፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ነቶም ንኽስዕብዎ ዝጸወዖምን ነቲ ንሱ ስዓቡኒ እንክብል ንዘቕረበሎም ዕድመ ዝተቐበሉ ደቀ መዛሙርቲ ይዛረበና። ከምቲ ማቴዎስ ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ ፍቕዲ 20 “ብቕጽበት መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ” እንክብል ዝሃብዎ መልሲ ይነገረና። ኣብዚ ንዓኡ ናይ ምስዓብ ውሳነ ድማ ኵሉ ዘቐይር ሓይሊ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምስዓብ፥ ምኻድን ኵሉ ምሕዳግን ይሓትት

እዚ ህሞት እዚ ምስ ኢየሱስ ወሳኒ ርክብ ዝገብርሉ ህሞት እዩ፡ ምልኡ ህይወቶም ዝዝክርዎን ኣብ ወንጌል ዝጽንብሮም ህሞት እዩ። ካብኡ ንደሓር ንኢየሱስ ይስዕብዎ። ንኽስዕብዎ ድማ ይኸዱን ኵሉ ይሓድጉን!

ምስምዓብ ‘ምሕዳግ’ ከም ዝጠልብ ቅዱስነቶም ብኣጽንዖት ገሊጾም፥ “ምስ ኢየሱስ ወትሩ ከምኡ እዩ፡” ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ድርኾትን ንኢየሱስ ክትስዕቦ ትጅምር ደሕር ግን እቲ ምስዓብ ከተዕምቖን እዚ ንቕሓት እዚ ዝያዳ ውልቃዊ ክኸውን ዝድርኽ ስምዒት የድሊ፥ ኣብ ልቢ ብርሃን የስርጽ . . . እዚ ኸኣ ይቐልጥፍ ይደንጉይ ከተካፍሎ ኵሉ ሓዲግካ ንኽትስዕቦ የነቓቕሓካ።”

ንኽትብገስ ትብዓት

እቲ “ዝነበረካ ርጉጽ ዝኾነን ሓዲግካ ናብ ሓድሽ ህይወት ምኻድ ሓደጋ እዩ፥ ነዚ ሓደጋ ፈሪሐ ኣብ ዘለኽሉ ምጽናሕ ድየ ዝመርጽ?” እዚ ንነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ወሳኒ ህሞት እዩ፡ ምኽንያቱ ትርጉም ናይ ኵሉ ካልእ ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ እንተዘይኮነ ኣብ ዘለኻሉ ናይ ምትራፍ ሓደጋ ጥራሕ እዩ ዝህልው።  ስለዚ ምስ ኢየሱስ ምዃን ትብዓት ይሓትት። ንዓኡ ንምስዓብ እንታይ ኢና ክንሓድግ እንሕተቶ? ብርግጽ ርኽሰትናን ሓጢኣትናን፡ ከም መልሕቅ ዝሕዘና ንመርከብ ክይትጓዓዝ ዝዓግታ! ምሉእ ብምሉእ ካብ ምንባር ዝዓግተና ከም ፍርሒ ርእሰ ፍትወት ዝኣመሰለ ኵሉ ምግዳፍ ኣድላዪ እዩ። ኣብ ስሌታት ውሑስ ካብ ምዃን ነቲ እቲ ምሕዳግ ዝህቦ ውሕስነት ምንባር ይበልጽ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መስዋዕቲ መናእሰይ ስድራ ቤት

“ንኣብነት ነቲ ኣድካሚ ግን ከኣ ዓስቢ ዘለዎ ሓደጋ ኣገልግሎት ንምፍላጥ ወይ ድማ ምስ ጎይታ ዕርክነት ንምዕባይ ንጸሎት ግዜ ንምውፋይ፡ ኵሉ ምግዳፍ ጽቡቕ ምኾነ” ኢሎም፥

ኣብዚ እዋን ናይቶም ንሓድሽ ህይወት ኣቦነትን ኣደነትን ምስ ኵሉ ከንብሮ ንዝኽእል ሓደጋታቱ ገዛእ ራሶም ክፉታት ዝገብሩ መስዋዕቲ መንእሰይ ስድራ ቤት እሓስብ፡ እተወሰነ ህርመትን ምሾትን ገዲፍካ ቅኑዕ ምርጫ ከተቐድም መታን”

ምስ እዚ ኣተሓሒዞም እውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሙያ ዝሓቶ መስዋዕትነት ከም ዘሎ እውን ንዘክር።

ተወፋይነት ሓኻይምን ሰብ ሙያ ሕክምናን

“ሓኪም ወይ ሰራሕተይና ኣገልግሎት ጥዕና ብዙሕ ናጻ ግዜኡ ገዲፉ ነዚ ሞያ እዚ ብቑዕ ክኸውን ንኸመሃርን ገዛእ ርእሱ ከም ዘዳልው፡ ከምኡ እውን . . . ግዜኡ የወፍይ . . . ሕሙማን ንምእላይን ንምሕካምን ክንድዚ ዝክኣል ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸዓት የፍስስ . . . ህይወት ንምንባር ምውጻእ ዘቕርቦ ብድሆታት ክንቅበሎ ይግባእ . . . ሎሚ እውን ኢየሱስ ነዚ ንኽንገብር ነፍሲ ወከፍና ይዕድመና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ገዛእ ርእስና ንሕተት!

ቅዱስነቶም ንዅሎም “ነቲ ድሮ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸቡላ ብርቱዕ ህይሞት ክዝክርዋ . . . ድሕሪ ዝሓደግዎ ኵሉ ባህ ዘብልን ኣገዳስን እንተ ልዩ ገዛእ ርእሶም ክምርምሩ ዓዲሞም፥

ሎሚ ኢየሱስ ኣብ ዘቕርበልና ጸዋዕታ ንኽንሓድጎ ዝሓትተና ነገር ኣሎዶ? ንኽስዕቦ ክሓድጎ ዘሎኒ ስጋዊ ነገራት ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን እንታይ እዩ!”

ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ ንዓኡ ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ክንስዕቦ እንታይ ክንገድፍ ከም እንኽእል ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ “እነዅልካ” ንኽንብሎ ክትሕግዘና በማላድነታ ንጸልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 January 2023, 15:29