ድለ

 CONGO-SECURITY/PROTESTS CONGO-SECURITY/PROTESTS 

‘ኣብ ቆርበት ክርስትያን ክንድዚ ዝኣክል ዓመጽ` ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ናይጀርያ ብህይወት ዝተቓጸለ ካህ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሮቡዕ ነቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ፈጸሙ ንተጋባእቲ ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ሰበኻ ሚና ዝተፈጸመ ቅትለት ኣባ ይስሃቅ ኣቺ፣ ከማኡ እውን ነታ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዝፍጽሙላን፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘኪሮም፡ "ጐይታ ዝሳቐን ንምስክርነት ኣብ ሓደጋ ዚኣቱን ጓሳዊ ልቢ ክህበና ንለምኖ" ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱነቶም ነቲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝረኤ ዘሎ ዘስካሕክሕ ስደት ክርስትና እንክዝክሩ ‘ሬሳታት ብህይወት ተቓጺሎም፡ ንምቅታል ብቐጥታ ናብ ሰባት ተኲሶም፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ቦምባታት፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ስደት ተፈጺሙ። ጭካነ ዓመጽ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝተፈላለየ መልክዕ ይሕዝ፡ እቲ ቃንዛ ግን ሓደ ጥራይ እዩ’ እንክብሉ ክርስትያን ብምዃኖም ዝወርዶም ኣደራዕ ኰኒኖም። ቅዱስነቶም  ኣብ ጐድኒ እቶም ንኣዋርሕ ወይ መዓልታት  ዘይኮነ ንዓመታት ገጾም ማለት ናይጀርያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዘቊስልን ዝድህልን ዘሎ መብዛሕትኡ ባህሪ ስደት ዝመልኦ መጥቃዕትታት ብምኹናን ምስቲ ሕዝቢ  ቀረባ ምዃኖም ገሊጾም።

ፍሉይ ዝኽሪ ግን ነቲ ነቲ ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ሰሜናዊ ክፍላ ናይታ ሃገር እትርከብ ሰበኻ ሚና ብሸፋቱ ዝተቀትለ ኣባ ይስሃቅ ኣቺ  ምዃኑ ብምግላጽ ምሳኦም ሓቢርና ስለኡን ስለቲ ምሳኡ ዝተሓጋገዝ ዝነበረን ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ሕቈኡ ዝተወግኤን ኣባ ኮሊንስ ክንጽሊ ተላብዮም። እቲ ኩነት እዞም ገበርቲ እከይ ሸፋቱ ኣብ ዞባ ፓይኮር ኣብ ዝርከብ ካፊን-ቆሮ ዝርከብ ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ድሕሪ ምጥቃዖም፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ ሓይልታት ጸጥታ ምስ ኣጓየይዎም ቅድሚ ምህዳሞም፡ ነቲ ገዛ ብሓዊ ኣቃጺሎምዎ፡ እቶም ካህን ኣብ ውሽጢ ብምንባሮም ብሕይወቶም እንከለው ብሓዊ እናተለብለቡ እዮም መይቶም። ነዝን ካልእ ስደት ክርትያንን ዘኪሮም ከምዚ ኢሎም።

“ክንደይ ክርስትያን ግዳይ ዓመጽ ስደትን መከራ ብምዃን ይሳቐዩ ኣለው: እስኪ ስለኦም ንጸሊ! ኣብ ልዕሊ ኩልኹምን ኣብ ልዕሊ ስድራኹምን ሰላም ጎይታ ኢየሱስ ክወርድ እምህለል ኣሎኹ።”

ጸሎት ስለ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ!

ሃምን ቀልብን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕጂ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ናብታ ካብ ዝመጽእ 30 ጥሪ ጀሚሮም ምስኣ ኣተሓሒዞም ኣብ ደቡብ ሱዳን’ውን መንፈሳዊ ንግደት ክግብሩ ብምምዳብ ሓውጾተ ኖልዎ ክፍጽሙላ ዚሓስቡላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምዃኑ ይገልጹ። እዛ ሃገር እዚኣ እውን እንተኾነ ራዕዲ ይቀላቀላ ኣሎ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥሪ 2023 ኣብ ካሲንዲ ዝርከብ ጴንጠቆስጣዊ ቤተክርስትያን ብኣይኤስ ዝተባህለ ጒጅለ ዳዒሽ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንጹሃት ሰባት ክሞቱ ርእያ እያ። ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ናብ ፕረሲደንት ቤተክርስትያን ክርስቶ ቀሺ ኣንድሬ ቦኩንዶኣ-ቦ-ሊካበ ኣብ ዝለኣኽዎ ቴሌግራም ምስ ስድራቤት ግዳያት ዘለዎም ደንጋጼን መንፈሳዊ ቅርበትን ገሊጾም እንከብቅዑ ኣብቲ ትማል ሮቡዕ ኣብ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንፈረንሳውያን ውሉደ ክህነት ሰላምታ ኣብ ዝህብሉ እዋን፡ ስለ እዝን ስለ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝፍጽምዎ ሓውጾተ ኖልዎን ክጽልዩ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ፡ ዝሳቐን ንምምስካር ኣብ ሓደጋ ዚኣቱን ጓሳዊ ልቢ ክህበና ንጸሊ። ቃል ኣምላኽ ኣብቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቡናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንረኽቦም ሰባትን ከነብጽሕ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነስ ግዴታ እውን እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
19 January 2023, 17:31