ድለ

2023.01.18 ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ምያንማርን ፐሩን ኡክራይንን ዘሎ ዓመጽ ይዅንኑ 2023.01.18 ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ምያንማርን ፐሩን ኡክራይንን ዘሎ ዓመጽ ይዅንኑ 

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ኣብ ምያንማርን ፐሩን ኡክራይንን ዘሎ ዓመጽ ይዅንኑ

ተጠቓሚ ኣብ ዝኾነ ዞባ ዘሎ ግጭት ፍታሕ ንኽርከቦ ዝርአ ተስፋ ዘለዎ እወታዊ ምዕባለታት ዘኪሮም፥ ንዅሎም እቶም ሰላም ንኽርከብ ዝተበጽሑ ውዕላት ኣብ ምትግባሩ ክነጥፉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ዩክረይን ሚያንማርን ኣብ ፐሩን ዘሎ ዓመጽ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን እትዓንወሉን ንሓደጋ እተቓልዓለትላን ሃገረ ምያንማር ዝርአ ዘሎ ንህዝቢ ንስቓይ ዝዳርግ ዓመጽ ደው ክብል ብውዕዉዕ ስምዒት ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ ዘሕዝን ተግባር ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ እንኮላይ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ባርዕን ዕንወትን ዘኪሮም ምእንቲ ምያንማር ጸሎት መቑጸርያ ንድገም።”

ጻውዒት ምእንቲ ፐሩን ዩክረይንን ካሜሩንን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብ  ዩክሬይንን ፐሩን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ እውን ኮኒኖም ኣብ ካመሩን ናብ ሰላም ዝወስድ ስጉምትታት ክቕጽል ዘለዎም ተስፋ እውን ገሊጾም፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፐሩ ዝርአ ዘሎ ወሳኒ ኵነታት ከም ዘተሓሳስቦም ገሊጾም፥ ነቲ ዝርአ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መገድን ዘተን ክፍታሕ ተላብዮም፥ ድምጾም ምስ ናይ ፐሩ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣሕቢሮም “ንዓመጽን ናይ ሞት ባህልን” ኣይፋል ንበል ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱሰንቶም ነቲ ኣብ ዩክረይን መዕለቢ ዘይረኸበ ህዝቢ ዘሳቕይ ዘሎ ውግእ ብምዝካር ሰላም ንኽህሉ ልባዊ ምሕጽንታ አቕርብ። ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ጐይታ ኬጸናንዖ እጽልይ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ካመሩን ቋንቋ እንግሊዘይና ተጠቓሚ ኣብ ዝኾነ ዞባ ዘሎ ግጭት ፍታሕ ንኽርከቦ ዝርአ ተስፋ ዘለዎ እወታዊ ምዕባለታት ዘኪሮም፥ ንዅሎም እቶም ሰላም ንኽርከብ ዝተበጽሑ ውዕላት ኣብ ምትግባሩ ክነጥፉ ዝግብኦም ኵሎም ኣብ መገዲ ዘተን ሓባራዊ ምርድዳእን ንኽጸንዑ አተባቢዖም ምኽንያት ንሓድሕዶም ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ጥራይ እዩ መጻኢ ክህነጽ ዝኽእል” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

23 January 2023, 15:33