ብዘይ ሓጐስ ብሥራት ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝበጽሖ የብሉን! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!
ዝሓለፈ ረቡዕ ኢየሱስ ቀንዲ ኣብነት ስብከተወንጌል ምዃኑን በቲ ጓሳዊ ዝኾነ ልቡ ከኣ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ካልኦት ከምዝግደስ ኣስተንቲንና። ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተምህሮና ከኣ ንሱ መምህር ስብከተወንጌል ምዃኑ ክንምልከት ኢና። ኣብታ ዓዱ ዝኾነት ናዝሬት እትርከብ ቤተመቅደስ ብዝሰበኾ ቀዳማይ ስብከት ክንምራሕ ነፍቅድ። ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ኢየሱስ ካብ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተወስደ ክፍሊ ኣንቢቡ(ኢሳ.61፡1-2)፣ ነቲ ንባብ ኣኸቲሉ ዘቅረቦ ሓጺር ስብከት ንኩሎም የገርሞም። ብቀንዱ ከኣ በታ ናይ መወዳእታ ሓረግ ማለት:"እዚ ዝሰማዕኩምዎ ጽሑፍ ሎሚ ተፈጸመ" (ሉቃ 4፡21) ብማለት ኣዝዩ የገርሞም። ስብከት ኢየሱስከስ እዚኣ ነበረት "እዚ ዝሰማዕኩምዎ ጽሑፍ ሎሚ ተፈጸመ"፣ እዚ ማለት ንኢየሱስ እቲ ትንቢታዊ ክፍሊ እቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክብሎ ዝደሊ ኣገዳሲ ነገር ዝሓዘ ምዃኑ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኢየሱስ ክንዛረብ ከለና፡ ነዚ ናይ መጀመርታ ስብከቱ ክንከታተሎ ይግባእ እዩ። ስለዚ እዛ ስብከት እዚኣ ብምንታይ እንታይ ከም ዝቖመት ንመልከት። በዚ መንጽር እዚ እንክንምልከቶ ሓሙሽተ መሠረታውያን ባእታታት ክነለሊ ይከኣል።
እቲ ቀዳማይ ባእታ ሓጐስ እዩ። ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ ይእውጅ «መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ [...] ንድኻታት ናይ ሓጐስ ብስራት ከብጽሕ ለኣኸኒ" (ቁ. 18)። ናይ ሓሴት ዜና፣ ዘሕጒስ ብስራት፣ ብዛዕባ ኢየሱስ እንክንዛረብ ብዘይ ሓጐስ ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምኽንያቱ እምነት ምስ ካልኦት ክትካፈላ እትኽእል ዘደንቅ ዛንታ ፍቕሪ እያ። ብዛዕባ ኢየሱስ ምምስካር፡ ብስሙ ንኻልኦት ገለ ነገር ምግባር፡ ኣብ መንጎ መስመራት ህይወት ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ህያብ ምቕባል ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ንምግላጽ ዝኣክል ቃላት የለን። የግዳስ ሓጎስ ክጎድል ከሎ ወንጌል ክመሓላለፍ ኣይክእልን እዩ፣ ምኽንያቱ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ሠናይ ዜና ማለት ወንጌል ዝብል ቃል ናይ ሓጐስ ብሥራት እዩ። ሕዙን ክርስትያን ብዛዕባ ጽቡቕ ነገራት ክዛረብ ይኽእል እዩ ግን እቲ ዘመሓላልፎ ብሥራት ናይ ሓጐስ ኣይኮነን። ሓደ ኣስተንታኒ ‘ሓደ ክርስትያን ሕዙን እንተኾይኑ ሕዙን ክርስትያን እዩ’ ነዚ ኣይትረስዑ።
ናብቲ ካልኣይ ባእታ ምስ እንመጽእ፣ ሓርነት እዩ። ኢየሱስ "ንእሱራት ሓርነት ክእውጅ" ከም ዝተላእከ ይዛረብ። እዚ ማለት እግዚኣብሔር ዝሰብኽ ሰብ ከስድዕ ቢሉ ኣይፍትንን፣ ንኻልኦት ከቃልለሎም እምበር ጸቕጢ ክገብረሎም ኣይክእልን፣ ጾር ንምጽዓን ዘይኮነስ፣ ንምፍኳስ እዩ፤ ሰላም ከምጽእ እምበር ናይ በደል ስምዒትን ወቀሳን ኣየምጽእን። ብርግጽ ንኢየሱስ ምስዓብ ንላዕሊ ምድያብ እዩ፣ እንተኾነ ብኻልእ መዳይ መስዋእትነት ይሓትት፤ እዚ መሥዋዕትነት እዚ መጠን እቲ ሕይወት ዝጠልቦ ጽቡቅ ነገራት መጠኑ እዩ። ንክርስቶስ ዝምስክር ግና ድኻም ጉዕዞ ዘይኮነስ ጽባቐ ዕላማ እዩ ዘርኢ። ብኣጋጣሚ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝገበርናዮ ጽቡቕ መገሻ ክንነግሮ ንኽእል ኢና: ብዛዕባ ጽባቐ ናይቶም ቦታታት: ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዘጋጠመናን እምበር ብዛዕባ እቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ንክንበጽሕ እንጠፍኦ ግዜን ዘሎ ሪጋታትን ኣይንዛረብን ኢና! በዚ ኸኣ ዝኾነ ስብከት መድሓኒ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ብሥራት ሓርነት ከመሓላልፍ ኣለዎ። ሓራ ክገብረና ስለዝመጸ ሎሚ መዓልቲ ሓጐስ እዩ ክንብል ክንክእል ኣሎና።
እቲ ሳልሳይ ባእታ፡ ብርሃን እዩ። ኢየሱስ "ንዕዉራት ምርኣይ" ከምጽእ ከም ዝመጸ ይዛረብ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅድሚ ክርስቶስ፡ ምፍዋስ ዕዉር ፈጺሙ ዘይምግላጹ ዘገርም እዩ። ብሓቂ ምስ መሲሕ ዝመጽእ ቃልን ዝተኣተወ ምልክትን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግን ብዛዕባ ኣካላዊ ምርአይ ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ህይወት ብሓድሽ መንገዲ ክትሪኦ ዘኽእለካ ብርሃን እዩ። ምስ ኢየሱስ ጥራይ ዝፍጸም "ናብ ብርሃን ምምጻእ" ዳግማይ ልደት ኣሎ፡ ሕስብ እንተኣቢልናዮ ከኣ፡ ሕይወት ክርስትና ብምሥጢረ ጥምቀት፡ ብከምዚ እዩ ጀሚሩልና፣ እዚ ድማ ኣብ ጥንቲ "ምብራህ" ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ኢየሱስከ እንታይ ብርሃን እዩ ዚህበና፧ ቢልና ምስ እንሓትት ብርሃን ውሉድነት ይህበና! ንሱ እቲ ፍቑር ወሉድ ናይቲ ንዘለኣለም ህያው ዝኾነ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ፣ ሳላኡ ከኣ ንሕና እውን ምስ ገበታ ጉድለታትናን ንዘልኣለም እንፍቶ ደቂ ኣምላኽ ኰና ኢና። ህይወት ድሕሪ ደጊም ዕዉር ምግስጋስ ናብ ባዶነት ወይውን ናይ ዕጫ ጉዳይ ወይ ናይ ዕድል ሕቶ ኣይኮነን፣ ኣብ ዕድል ወይ ከዋኽብቲ፣ ወይ’ውን ኣብ ጥዕናን ፋይናንስን ዝምርኮስ ነገር ዘይኮነስ፣ ኣብ ፍቕሪእቲ ወትሩ ዚሓልየልና እግዚአብሔር ኣቦ ዝምርኰስ እዩ። ነዚ ብርሃን እዚ ምስ ኻልኦት ምክፋል ክንደይ ደስ ዘብል እዩ!ናይ ነፍስወከፍ ሕይወትና ናተይ ናትካ ናይ ኩልና ሕይወት ተግባር ፍቅሪ ምዃኑ ዕድመ ፍቅሪ ምዃኑ ሓሲብናሉዶ ንፈልጥ! እዚ ዘደንቅ እዩ።እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቅድሚ ሽግርን ሕማቅ ዜናን እቲ ዝኸፍኤ ዓለማውነት ማለት ዓለማዊ ናብራ ክንነብር ኣብ እንፍትነሉን ነዚ ንርስዖ።
ራብዓይ ባእታ ናይቲ ብሥራት ስብከት ምሕዋይ እዩ። ኢየሱስ "ንውጹዓት ሓራ ከውጽኦም" ከም ዝመጸ ይዛረብ። ውጹዕ ማለት ኣብ ህይወት ብገለ ነገር ዝተጨፍለቐ ኮይኑ ዝስምዖ ሰብ እዩ። እዚ ሕማማት፡ ድኻም፡ ጾር ኣብ ውሽጢ ልቢ፡ ስምዒት በደልን ወቀሳ ሕልናን፡ ጌጋታት፡ ክፍኣት፡ ሓጢኣት ወዘተ ክኸውን ይኽእል። በዝን ካልእን ተወጺዕናን ተጨቊናን ኣብ እንነብረሉ ግዜ ብዛዕባ ጸጸት ሕልና እሞ ሕስብ ኣብሉ! ካባና ክንደይ ኮን ንኸውን በዚ እንሳቀ! ዝገደደ ከኣ ናትና ገዲፍና ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጒድለታት ካልኦት ንሓስብ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ዝጭቁነና፡ ዝኾነ መድሃኒት ወይውን ሰብኣዊ ፍወሳ ከሕውዮ ዘይክእሎ ክፍኣት ሓጢኣት እዩ። ሓደ ሰብ ብዝፈጾሞ ጌጋ ወቀሳ ሕልና እንክስምዖ ይሳቀ። እንተኾነ እቲ ሠናይ ብስራት ምስ ኢየሱስ ኰንካ ነዚ ዘይስዓር ዝመስል ጥንታዊ ክፍኣት ማለት ሓጢኣት ድሕሪ ደጊም ናይ መወዳእታ ቃል የብሉን። ድኹም ብምዃነይ ኣብ ሓጢኣት ክወድቅ ዚከኣል እዩ። ነፍስወከፍና ክወድቅ ይኽእል እዚ ግን መወዳእታ ኣይኮነን። ናይ መወዳእታ ቃልሲ እታ ንክተተንስኣና ወትሩ ተዘርጊሓ እትጽበየና ኢድ ኢየሱስ እያ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ኣባቴ! ነዚ ንክንደይ ግዜ እየ ዝገብረ! ንሓንሳእዶ ወይስ ክልተ ግዜ ወይስ ሰለስተ ግዜ ቢሉ ምስ ዚሓተና መልሲ ናይ ኩለን ኣይፋል ኮይኑ እታ ቅንዕቲ መልሲ ኢየሱስ ነዚ ኩሉ ግዜ እዩ ዝገብሮ። እናክትወድቅ ኢየሱስ ወትሩ ኢዱ ዘርጊሑ ይጽበየካ! ሓንቲ ካባኻ ትድሊ ነታ ዝተዘርገሐ ኢዱ ሒዝካ ንከተንሳኣካ ምፍቃድ እዩ። እቲ ሠናይ ዜናኸስ ክፍኣተ ግብሪ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነ እዩ። ናይ መወዳእታ ጒዳይሲ እታ ንክተትንሳኣካ ብምሕረት ተዘርጊሓ ዘላ ኢድ ኢየሱስ እያ። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ካብ ሓጢኣት ይፍውሰና። ምናልባት ኣብዚ እውን ነዚ ምፍዋስ እዚ ክንደይ ይኽፈሎ! ቢሉ ዚሓትት ኣይሰኣንን! ምንም ዝኽፈል የለን! ወትሩ ብነጻ እዩ ዘሕውየና። ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ንኹሎም "ዝደኸሙን ዝተጨቆኑን" ናብኡ ክመጹ ይዕድም ይብለና(ማቴ 11፡28)። ስለዚ ንሓደ ሰብ ምስ ኢየሱስ ክራኸብ ናብኡ ምውሳዱ ናብቲ ህይወት ዘመሓይሽ ሓኪም ልቢ ምውሳድ እዩ። "ሓወይ ሓፍተይ ንብዙሕ ጸገማትኪ መልሲ የብለይን ኢየሱስ ግን ይፈልጠካን የፍቅረካን እዩ ክፍውሰካን ልብኻ ከህድኣካን ይኽእል እዩ" ይብል ኣሎ። ጾር ሒዙ ዝጐዓዝ ሰብ ብዛዕባ ሕሉፍ ምጽንናዕ የድልዮ፣ ብዙሕ ግዜ ‘ንሕሉፍ ሕይወተይ ክፍውስ ምደለኹ! ነዚ ዝኸብደኒ ዘሎ ጾር ሕሉፍ ሕይወተይ ዘቅልለይ ምደለኹ’ ዝብሉ ንሰምዕ! ይቕሬታ የድሊ ማለት እዮ። ብኢየሱስ ዝኣምን ንኻልኦት ናይ ምዕዳል ጸጋ ኣለዎ: እቲ ንነፍሲ ካብ ኩሉ ዕዳኣ ሓራ ዘውጽእ ሓይሊ ይቕረታ ማለት እዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ኣይትረስዑ! እግዚአብሔር ንኩሉ ይርስዕ፣ ከመይ ቢሉ እንተበልና! ንሱ ንኩሉ ሓጢኣትና ይርስዕ! ፈጺሙ ኣይዝክሮን። እግዚአብሔር ንኩሉ ይምሕረና ምኽንያቱ ከኣ ንኩሉ ሓጢኣትና ኣይዝክሮን ይርስዖ። ካባና ትድለ ምቅራቡ ጥራይ እዩ ንሱ ከኣ ኩሉ ሓጢኣትና ይምሕረና። ናይቲ ጥፉእ ወዲ ምሳሌ ኣብ ወንጌል ምስ እንምልከት! እቲ ጥፉእ ወዲ `ኣቦ ኣብ ቅድሜኻን ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለ እየ` ክብል ጅምር ከብል! እቲ ኣቦ ክውድእ ኣየፍቅደሉን ኣየዛርቦን እውን! ዳርጋ ደሓን ዝወደይ ምንም ኣይኮነን ዝብሎ ይመስል። እዚ ብጣዕሚ ደስ ይብል። ኢየሱስ ንክምሕረናን ንክፍውሰናን ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ። ክንደይ ሳዕ ሓንሳእዶ ክልተ ግዜዶ እንተበልኩም ንወትሩ እብለኩም። ሕጂ እውን እንተኾነ ሓደ ካባኹም ‘ኣባቴ ኣነ ወትሩ ኣብ ተመሳሳሊ ሓጢኣት ደጋጊመ እወድቅ’ ክብለኒ ይኽእል! ኣነ ኸኣ ጐይታ ነቲ ወትሩ ዝገብሮ እዩ ዝገብር! ምሕረት እያ ናይ ወትሩ ተግባሩ እብሎ። በጃኹም ኢለኩም ነዚ ጉዳይ እዚ ኣይንጠራጠሮ እሙን እዩ። ጐይታ ከማኡ ምግባር እዩ ዝፈቱ። ክበድ ሓጢኣት ሒዙ ዝጐዓዝን ሕወየት ሕሉፍ ሕይወቱ ዝደልን ኢየሱስ ነዚ ከምዝገብር ይፍለጥ። ኢየሱስ ዝህበናኸስ እዚ እዩ ማለት ንነፍሲ ካብ ዕዳኣ ሓራ ምግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኩሉ ሰብ ካብ ጾር ዕዳ ዝናገፈሉ ሓደ ዓመት ይዛረብ፡ ንሱ ድማ ዓመት ኢዮቤል፡ ዓመት ጸጋ እዩ። እዚ ከኣ ከም ናይ መወዳእታ ነጥቢ ናይቲ ብሥራት እዩ።
ከም ሓቂ ኸኣ ኢየሱስ "ዓመት ጸጋ ጎይታ ክእውጅ" ከም ዝመጸ ይዛረብ (ሉቃ 4፡19)። ከምዚ ሕጂ ንገብሮ እዚ ዓመት ኢዮቤል እዚ እንታይ ይግበር እንታይ ኣይግበርን ንምዝኽኻር ብዕሊ ዝተወጠነን ዝተኣወጀን ኣይነበረን፡ እንተኾነ ምስ ክርስቶስ ንህይወት ሓድሽ ዝገብርን ወትሩ ዘደንቅን ጸጋ እዩ። ክርስቶስከስ ኢዮቤል ነፍስወከፍ ዕለትን ሰዓትን ኮይኑ ንክምሕረካ ንከጸናናዓካን ወትሩ ዝቀርበካ እዩ። ብሥራት ስብከት ኢየሱስ ወትሩ ኣግራሞትን ጸጋን ከምጽእ ኣለዎ። እዚ ኣግራሞት እዚ ‘ኣይኣምንን እየ ብሓቂ ተመሓረ’ እናበልካ ትድነቀሉ እዩ፣ እንተኾነ እግዚአብሔር ክሳብ ክንድዙይ ዓቢይ እዩ። ምኽንያቱ ዓበይቲ ነገራት እንገብር ንሕና ኣይኮናን፡ እንታይ ደኣ እቲ ብኣና ኣቢሉ ከይተረፈ ዘይግመት ዓበይቲ ነገራት ዝገብር ጸጋ ጎይታ እዩ። ዘደንቁ ብሃንደበት ዝፍጸሙ ተግባራት እግዚአብሔርከስ እዚ እዩ። እግዚአብሔር ናይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ብሃንደበት ዝፍጸሙ ኣደነቅቲ ነገራት መምህር እዩ። ንሕና ናባኡ ገጽና ተጓዒዝና ኣባኡ ንበጽሕ ንሱ ከኣ ወትሩ ምስ ተጸበየና እዩ። ቅዱስ ወንጌልከስ ብናይ ኣድናቆትን ሕዳሴን መንፈስ የሰንየና እዚ ከኣ ስም ኣለዎ ኢየሱስ ከኣ ይበሃል። ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ገቢርና ሓጐስን ሓርነትን ብርሃንን ሕውየትን ኣድናቆትን እናኣመሓላለፍና ንክነበስሮ ይሓግዘና።
ሓደ ናይ መወዳእታ ጉዳይ ከካፍለኩም፣ እዚ ዘሐጒስ ብሥራት እዚ ወንጌል ከምዝብለና "ንድኻታት" እዩ(ቁ. 18)። ብዙሕ ግዜ ንርስዖም፡ እንተኾነ ግን እቲ መልእኽቲ ናብኣቶም ዘቅነዔ ስለዝኾነ ብግልጺ ተጠቂሶም ንረኽቦም ምኽንያቱ ከኣ እግዚኣብሔር ዝፈትዎም ናቱ ሕሩያት ስለዝኾኑ እዩ። ነዚኦም ንዝክሮም ከማኡ እውን ንጐይታ ንኽንቕባል፡ ነፍሲ ወከፍና ንነብስና "ብውሽጥና ድኻ" ክንገብራ ከምዘለና ንዘክር። እዛ ድኽነት እዚኣ ከኣ ‘ኦ ጐይታ ምሕረት የድልየኒ ኣሎ! ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ! ሓይሊ የድልየኒ ኣሎ’ ከም እንብል ትገብረና። እዚ ብውሽጥኻ ድኻ እትኾነላ ድኽነት ኲልና ክትህልወና ኣለዋ። እዚ ማለት ካብቲ ርእሰይ ክኢለ እየ ዘድልየኒ የልቦን ዝብል ምስትምሳል ስዒርካ ጸጋ ኣምላኽ ከምዘድልየካ ጐይታ ከምዘድልየካ ምርዳእ የድሊ። ገለ ካባና `ኣባቴ ንኢየሱስ ንክትረክብ እታ ዝሓጸረት መንገዲ ኣየነይቲ እያ` ቢሉ ምስ ዚሓትት፣ ድኻ ኩን ጽጉም ኩን ጸጋን ሓጐስን ሓገዝን ከምዘድልየካ ተኣመን። ንሱ ከኣ ብኡ ንብኡ ክቀርበካ እዩ።
