ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ዘተ ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከዕቢ ይኽእል! ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ዘተ ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከዕቢ ይኽእል!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ዘተ ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ከዕቢ ይኽእል!

ድኽነት ንኽብሪ ዝተገለሉ ሰባት ዘይምኽባርን ኣብ ዘመንና ብዙሕ ስቓይን ተስፋ ምቑራጽን የስዕብ። ብዛዕባ መሰረታዊ ተኣፋፍነት ከባቢና ንቕሓት ብዘስፍሕ ኩለ መዳያዊ ሜላታት ምቅላስ የድሊ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ካብ ካምቦዲያ ዝመጹ ናይ ቡድሃ ሃይማኖት ልኡካን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ስነ ምህዳራዊ ሓላፍነት ንምኹስኳስ የተባብዕ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብ ካምቦዲያ ምስ ዝመጸ ጉጅለ ልኡካን ሰዓብቲ ሃይማኖት ቡድሃ ዘካየድዎ ርክብ ናይቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ምትሕብባር ንምዕባይ ዝሕግዝን ነቲ ዘሎ ሰናይ ርክብ ዝምስክር ኮይኑ፥ ነቶም ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ንምዕባይ ዝግበር ጻዕሪ ንኢዶም እዚ ኣገዳሲ ባእታ ሕብረተሰብ፡ ንሰባት “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሰላም” ክነብሩ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ “ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ” ዙርያ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ምእካቡ ንኢዶም “እወታዊ ምልክት ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንጽቡቕ ሂወት መሬት - ናይ ሓባር ቤትና ተሃዋስነትን ሓልዮትን ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መፍትሕታት ብምልዋጥ ልቢ እዩ ዝጅምር

ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሕብረተሰባት ዘሳቕዮም ብዙሕ ሕማማት ናይ ኵለን ሃይማኖታት ሰባት ፍታሕ ክደልዩ ዝተጽውዑ ምዃኖም ብምዝኽካር፥

ድኽነት ንኽብሪ ዝተገለሉ ሰባት ዘይምኽባርን ኣብ ዘመንና ብዙሕ ስቓይን ተስፋ ምቑራጽን የስዕብ። ብዛዕባ መሰረታዊ ተኣፋፍነት ከባቢና ንቕሓት ብዘስፍሕ ኩለ መዳያዊ ሜላታት ምቅላስ የድሊ!

ንፍጥረትን ጎረባብትና እኽብሮት ክህልወና ግብኡ እውን እንተኾነ እወታዊ ለውጢ ግን “ብምልዋጥ ልቢ ራእይን ተግባራትናን” ክኸውን ከም ዘለዎ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቶም ይብል።

ውልቃዊ ምልዋጥ

ስነ ምህዳራዊ ለውጢ ክጅመር ዝኽእል “ሰብኣዊ ሱር ናይዚ ሕጂ ዘሎ ከባቢያዊ ቅልውላው” ብንጹር ምስ እንፈልጦ ጥራይ እዩ እንክብሉ ዘስተብሃሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ንመኽሰብ ካብ መጠን ንላዕሊ ምድላይን ምትሕግጋዝ ዘይምህላዉን ሓዊሱ ንምድሪ ዝጎድእ ስነ ሃልዮን ተግባራትን ደው ከብሎ ዝኽእል ሓቀይና ንስሓ ጥራይ እዩ እንክብሉ ሓቢሮም።

ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ነቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ናብ ናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ስቓይ ንምቕያርን በዚ ከምዚ ድማ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባኡ እንታይ ክንገር ከም እንኽእል ንምፍላጥ ዝኣለመ እዩ!

ሃብቲ ሃይማኖታዊ ትውፊታት

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ንሓባር ብምዕያይ ስነ ምህዳራዊ ሓላፍነት ከማዕብሉ ይሕግዝ። ቡድሃ ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ንህያዋን ነገራት ዘይምጉዳእን ተራ ናብራ ምንባርን ዘጠቓልል ልምድታት ከም ዕላማ ከም ዘረከቦም ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ ነዚ ተግባራት እዚ ብምስዓብ፡ “ብድሃውያን ንዅሎም ፍጡራት እንኮላይ ንምድሪ ከምኡ እውን ንናይ ዅሎም ህያውያን ምንባርን መንበርን ርህሩህ ሓለዋ ኪገብሩ የኽእሎም፡” ክርስቲያን ከም እሙናት ተኸናኸንቲ ንፍጥረት እግዚኣብሔር ክንከላኸል ምስ እንጽዕር ስነ ምህዳራዊ ሓላፍነትና ንፍጽም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቃለ ምስጋና ቅዱስነቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ካቦዲያ ዝመጹ ልኡካን ሃይማኖት ብድሃ፥ ግዜኦም ሰዊኦም ናብ ሮማ ብምብጻሕ ምስ ናይ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ብምትሕብባር ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብምውህሃዶም ኣመስጊኖም፥

ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ክብርቲ ሃገርኵምን ካብቲ ልዑል ፍድፋድ በረኸት እምሕጸን

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 January 2023, 16:20