ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ኣብ ጴንጠቆስጣዊት ቤት  ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ኣብ ጴንጠቆስጣዊት ቤት ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ኣብ ጴንጠቆስጣዊት ቤት ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር መጋቤ ቦኩንዶኣ ቦ ሊካበ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጴንጠቆስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ንግዳያት ጽንዓት ካብ እግዚኣብሔር ተመንዮም፡ ንዅሎም በቲ ስቓይ ንዝተተንከፉ ድማ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከም ዘረጋገጽይ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - 3 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ሎሚ እውን እንተኾነ ሰላማውያን ሰባት ንሓደጋ ሞትን መቑሰልትን ይቃልዑ ምህላዎም ይንገር። ዕለት 15 ጥሪ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ካሲንዲ ኣብ እትርከብ ጴንጠቆስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ቦምቢ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመን ኣብታ ሰንበት በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ዝበዓለላ ዕለት ብዙሓት ሓደስቲ ኣባላት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝጥመቕሉ ብምንባሩ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ቦምቢ መጥቓዕቲ ብዙሕ ሞትን መቑሰልትን ከም ዘስዓበን ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት 40 ድማ ከም ዝቖሰሉን ናይቲ ዝተፈጸመ ናይ ቦምባ መጥቓዕቲ ተሓታቲ ኣነ እየ እንክብል ምስ ዳዒሽ ምትእስሳር ዘለዎ ‘ሓይልታት ደሞክራሲያዊ ኪዳን’ ከም ዘፍለጠ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጓሂ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር መጋቤ ቦኩንዶኣ ቦ ሊካበ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ በቲ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ገሊጾም፡ “ኣብ ካሲንዲ ኣብ እትርከብ ጴንጠቆስጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዘውረዶ ሞትን መቑሰልትን ንጹሓት” ብዙሕ ከም ዘጓሃዮምን፡ “ንዅሎም እቶም በቲ ዘሕዝን መጥቓዕቲ እተጐድኡ ኣባይቲ ስድራ ርህራሄን ቅርበትን” ገሊጾም፥ “ንዅሎም ግዳፍያ ንምሕረት እግዚኣብሔር አማዕቁብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ነቶም ዝተጐድኡ ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር” ተመንዮም፡ “ኣብ እግዚኣብሔር ክውከሉን ነቲ ህይወት ዝኾነ ክርስቶስ ክጽልዩን እምሕጸን” ቢሎም እግዚኣብሔር ሰላሙ ከውርደሎም ክጽለይ ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ህይወት ብዙሓት ሰባት የጥፍእ ምህላዉን ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 120 ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጒጅለታት ከም ዝንቀሳቐሱን በቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ ብውሕዱ 6 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከም እተመዛበሉን  ብዙሃት ካብኣቶም ድማ ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ምዃኖም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ይሕብር።

18 January 2023, 16:08