ድለ

ከምቲ እግዚአብሔር ንጥፉኣት ዘናዲ ደቂሰባት እውን ንዝጠፍኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነናዲ! ር.ሊ.ጳ

ኢየሱስ ነዚ ምስላ ነገሮም። ‘ካባኻትኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ኃዲጉ ነታ ዝጠፍአት ክሳዕ ዝረኽባ ኽደሊ ዘይኸይድ እንታዋይ ሰብ እዩ? ምስ ረኸባ ድማ ተሓጕሱ ኣብ ማእገሩ ይሕንግራ። ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ድማ ነዕርኽቱን ንጐረባብቱን ብኃባር ጸዊዑ ‘እታ ዝጠፍአትኒ በጊዐይ ረኺበያ እየ እሞ ምሳይ ተሓጐሱ’ ይብሎም። ከምኡ ኸዓ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃን ብዝንሳሕ ሓደ ኃጥእ ኣብ ሰማይ ዓብዪ ሓጐስ ክኸውን እዩ እብለኩም ኣለኹ’ (ሉቃ 15.4-7)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ዳሓንዶ ሓዲርኩም! እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ዝሓለፈ ረቡዕ ብዛዕባ ቅንኣት ስብከት ወንጌል ማለት ንቤተ ክርስቲያንን ንነፍሲ ​​ወከፍ ክርስቲያንን ህያው ክገብር ዘለዎ ሓዋርያዊ ቅንኣት ዝምልከት ሓዲስ ዙርያ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚርና። ሎሚ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብነት ስብከተ ወንጌል ክንርኢ ኢና፡ ንሱ ከኣ ኢየሱስ እዩ። ናይ ዕለተ ልደት ወንጌል  "ቃል ኣምላኽ" ቢሉ ይሰምዮ (ዮሓ 1፡1)። ንሱ ቃል ምዃኑ ሓደ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ ኢየሱስ የመልክተልና። ኢየሱስ ኩሉ ግዜ ኣብ ርክብ እዩ ዘሎ፡ ንደገ ወጺኡ ንኩሉ ይረክብ፡ ፈጺሙ ኣብ ተነጽሎ ኣይርከብን ወትሩ ኣብ ርክብን ዝምድናን እዩ ዝርከብ። እቲ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ንደገ ዝወጽእ፤ እቲ ቃል፡ ቀንዲ ህላዌኡ ናብ ካልኦት ንኽመሓላለፍ እዩ። ኢየሱስከስ ከምዚ እዩ፣ እቲ ዘለኣለማዊ ቃል ኣቦ ናባና ዝዝርጋሕን፣ ዝተመሓላለፈን እዩ። ክርስቶስ ናይ ሕይወት ቃላት ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎ ንሕይወቱ ቃል ገቢሩ፡ መልእኽቲ ይገብሮ: እሞ ኩሉ ግዜ ናብ ኣቦን ናባናን ብምምልላስ መልእኽቲ ኮይኑ እዩ ዝነብር። እዚ ማለት ኩሉ ግዜ ናብቲ ዝለኣኾ ኣቦን ናባና ናብቶም ንሱ ዝተላእኮም እናጠመተ ይነብር።

ብሓቂ እንክረአ ኣብተን ኣብ ወንጌላት ተገሊጸን ዘለዋ መዓልትታቱ ቀዳምነት ዝህቦ ዝነበረ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ምቅርራብ ኮይኑ ጸሎት ኣብ መጀመርያ ከም ዝስራዕ ንርኢ፣ እዚ ድማ ኢየሱስ ምስ ኣቦ ንምዝርራብ ኣንጊሁ ተንሲኡ፣ ገና ጸልማት ከሎ፣ ናብ ምድረበዳ ቦታታት ከይዱ ይጽሊ ነበረ (ማር 1፡35፣ ሉቃ 4፡42) ። ንኩሎም ኣገደስቲ ውሳኔታትን ምርጫታትን ነዊሕ ድሕሪ ምጽላይ እዮም ዝፍጸሞም ዝነበረ (ሉቃ 6፡12፤ 9፡18)። ኢየሱስከስ ኣብዚ ብመንፈስ ቅዱስ ገቢሩ ምስ ኣቦ ዘተኣሳስሮ ርክብ እዚ እዩ ሰብ ናይ ምዃኑ ትርጉምን፡ ኣብ ዓለም ምህላዉ ምኽንያት ዝረኽበሉን እዚ ከኣ ንኣና ኣብ ተልእኾ ምህላው ብኣቦ ከም ዝተለኣኸልና ምዃኑ ይግንዘብ።

በዚ ከምዚኸስ፡እቲ ጐይታ ኣብ ምጅማር ሕዝባዊ ተልኮኡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ናዝሬት ዝጸንሐ ሕቡእ ህይወቱ ዝገብሮ ናይ መጀመርታ ቅሉዕ ምልክት መሳጢ እዩ። እንተኾነ ኢየሱስ ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘለዎ ዓቢ ተኣምር ኣይኮነን ዝፍጽም፣ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ዚሓትት መልእኽቲ እውን ኣይሰድድን፣ እንታይ ደኣ ምስቶም ብዮሓንስ ክጥመቑ ዝኸዱ ሰባት ይሕወስ። በዚ ኸኣ መፍትሕ ናይቲ ኣብ ዓለም ዝገብሮ ተግባር የቕርበልና: ንርእሱ ስለ ሓጥኣን ምውፋይ: ካባና ከይረሓቀ ምስ ንምድግጋፍ ኣብ ጐድንና ደው ምባል: ብኩሉ ኩሉ እንትርፊ ብሓጢት ሕይወትና ምክፋል የጠቃልል። ከም ሓቁ ከኣ ብዛዕባ ተልእኾኡ ክዛረብ እንከሎ "ወዲሰብ ከገልግልን ህይወቱ በጃ ክህብን እምበር ክግልገል ኣይመጸን" (ማር 10፡45) ይብል። ኢየሱስ ዕለት ዕለት ድሕሪ ጸሎት ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ምሉእ መዓልቱ ብተወፋይነት ንሰባት ብፍላይ ድማ ንዝደኸዩን ዝደኸሙን ሓጥኣንን ሕሙማትን የገልግል ነበረ (ማር 1፡32-39)። እዚ ማለት ከኣ ኢየሱስ ቅድሚ ዝኣገረ ብጸሎት ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ይራኸብ ድሕሪኡ ምስ ኩሎም ሰባት ንተልእኾ፡ ንትምህርቲ፡ ንመገዲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሃር ይራኸብ።

እምበኣር ሕጂ፡ ቅዲ ህይወቱ ብስእሊ ክነቅርቦ እንተደሊና፡ ንክንረኽቦ ኣይንጽግመናን እዩ፡ ኢየሱስ ባዕሉ ይቕርበልና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ከም ሕያዋይ ጓሳ፡ እቲ «ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣባጊዕ በጃ ዝህብ» (ዮሃ 10፡11) ምዃኑ ሰሚዕናዮ ኣለና፡፡ እዚ ኢየሱስ እዩ። ብሓቂ ጓሳ ምዃን እጃም ስራሑ ጥራይ ኣይነበረን፡ እዚ ድማ ግዜን ብዙሕ ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ ነይሩ፤ ናይ ብሓቂ መሥዋዕትነት ዝሓትት መነባብሮ እዩ ነይሩ። ዕለት ዕለት ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት: ምስ መጓሰ ምንባር: ብዛዕባ መጓሰ ምሕሳብን ምክንኻንን: ኣብ መንጎ መጓሰ ኣባጊዕካ ምድቃስ: ነተን ዝደኸማ ምሕብሓብ ዓቢ ተወፋይነት ይሓትት። ብኻልእ ኣዘራርባ ኢየሱስ ገለ ነገር ኣይኮነን ዝገብረልና ዘሎ እንታይ ደኣ ኩለንትናኡ የወፍየልና ኣሎ። ምእንታና ህይወቱ ይህብ። ናቱ ጓሳዊ ልቢኸስ እዚ እዩ (ህዝ 34፡15)። ንኹላትና ይጓስየና ኣሎ።

ብርግጽ ንተግባር ቤተ ክርስቲያን ብሓንቲ ቃል ንምጥቕላል፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ጒስነታዊ" ዝብል ቃል እዩ ንጥቀም። ከምኡ’ውን ጉስነትና ንምግምጋም፡ ምስቲ ኣብነታዊ ጒስነት ሕያዋያ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ ክነወዳድሮ ኣሎና። ልብና ምስ ልቡ ተወሃሂዱዶ ኣሎ! ቢልና ብቐዳምነት ንርእስና ክንሓትት እሞ ልብና ምስ ናቱ ምእንቲ ክሰማማዕ፡ ካብ ምንጪ ጸሎት ብምስታይ ንዕኡ ንመስሎ ዲና? ምስኡ ምቅርራብ ከምቲ ኣበምኔት ሾታር ዝብሎ "ነፍሲ ኩሉ ሓዋርያነት" እዩ። ኢየሱስ ባዕሉ ንደቀ መዛሙርቱ ብንጹር "ብዘይካይ ዋላ ሓንቲ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" (ዮሓ 15፡5) ቢልዎም እዩ። ምስ ኢየሱስ እንተሃሊኻ ጓሳዊ ልቡ ኩሉ ግዜ ነቶም ዝጠፍኡን፣ ዝረሓቁን ንምሕቋፍ እናሃረመ ዝርክብ ህርመት ልቢ እዩ።  ናትናኸ ክማኡ ድዩ? ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ክብድ ዝበሉ ኣጸገምቲ ሰባት እንከጓንፉና "ኤእ ናቱ ጉዳይ እዩ! ናቱ ጸገም እዩ! ባዕሉ ይስገሮ ወዘተ" ዝብል ዝንባሌ ዘርኣና! ኢየሱስ ግን ፈጺሙ ከምዚ ኢሉ ኣይፈልጥን፣ ኩሉ ግዜ ምስ ኩሎም ዝተገለሉን፣ ሓጥኣንን ይራኸብን ይጐዓዝን እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ምስ ሓጥኣን ብምዃኑ፡ ድሕነት ኣምላኽ ስለ ዘምጽኣሎም ተኸሰሰ።

ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 15 ዝርከብ ምስላ ዝጠፍአት በጊዕ ሰሚዕና ኣሎና (ቁ. 4-7)። ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ዝጠፍአ ሳንቲምን እቲ ጥፉእ ወድን እውን ይዛረብ እዩ። ሓዋርያዊ ቅንኣት ከነደንፍዕ እንተደሊና ምዕራፍ 15 ወንጌል ሉቃስ ወትሩ ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ይግባእ። ብዙሕ ግዜ ነንብቦ፣ ኣብኡ ሓዋርያዊ ቅንኣት እንታይ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ብዛዕባ ደምበ ኣባጊዑ ከም ዘይግደስ ወይውን ስለምንታይ ኣብቲ ደምበ ዘይኣትዋ ቢሉ ከፈራርሕ ኣይረኤን። እንታይ ደኣ ሓንቲ ካብቲ ደምበ ወጺኣ እንተ ጠፊኣ ኣይሓድጋን እኳ ደኣ ንኩሉ ገዲፉ ኣብ ምድላያ ይወፍር። "ከይዳ፡ በደላ እዩ፡ ባዕላ ትፈልጥ!" ኣይብልን። እቲ ጓሳዊ ልቡ ይሳቀ መጓሲኡ ከኣ ኣብ ሓደጋ ይወድቅ። ርግጽ እዩ ይሳቐ: ​ እግዚኣብሔር በቶም ዝጠፍኡ ምእንቲ ይሳቐ እዩ: እንተኾነ እናሓዘነ ከሎ ድማ ዝያዳ የፍቅሮም። ካብ ልቡ ምስ እንርሕቕ ጐይታ እዩ ዝሳቐ። ጽባቐ ፍቕሩን ምዉቕ ሕቑፉን ብዘይምፍላጥና ይሳቐ። እንተኾነ ግና፡ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ስቓይ እዚ፡ ንድሕሪት ኣይስሕብን፡ ንቅድሚት ብምኻድ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ: ነተን ኣብ ውሑስ ቦታ ዘለዋ ተስዓን ትሽዓተን ኣባጊዕ ገዲፉ ነታ እንኮ ዝጠፍአት ከናዲ ይወፍር። በዚ ኸኣ ሓደገኛን ዋላ ዘይርትዓውን ነገር እንተኾነ ምስቲ ንዝጥፍኡ ዝናፍቅ ጓሳዊ ልቡ ዝሰማማዕ ነገር ይገብር። እዚ ንዝኸዱ ምንፋቅ ኣብ ኢየሱስ ወትሩ ቀጻሊ እዩ። እስኪ ናባና ምልስ ቢልና ሓደ ሰብ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝወጸ ክንሰምዕ እንከሎና እንታይ ይስመዓና!  እንታይከ ክንብል ንኽእል? "ባዕሉ ይፈልጥዶ ንብል"! ኣይፋሉን ኢየሱስ ነቶም ዝጠፍኡ ክንናፍቅ ይምህረና፤ ኢየሱስ ቁጥዐ ወይ ቂምታ የብሉን፣ እንታይ ደኣ ወትሩ ዘይጐድል ናፍቖትና ኣለዎ። ኢየሱስ ናፍቆትና ኣለዎ  እዚ ድማ ቅንኣት ኣምላኽ እዩ።

ንነብሰይ ከምዚ ቢለ እሓታ! ኣቲ ንሕናስ ተመሳሳሊ ስምዒትዶ ኣሎና? ነቶም ካብ መጓሰ ዝወጹ ከም ተጻባእቲ ወይ ጸላእቲ ጌርና ክንርእዮም ንኽእል ኢና። ነንሕድሕድና ኸኣ "እዚኸ? –ኣይ እዝስ ኣይፋልን ድሮ ናብ ካልእ ከይዱ፡ እምነት ኣጥፊኡ፡ ሲኦል ይጽበዮ ኣሎ...” ክንብል ንኽእል፡ ምንም ከምዘይበልና ከኣ ቀሲና ክንመላለስ ንኽእል! እንድዒኸ! ካብዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ጎደናታት ከተማ ጐፈጎፍ እንተተባሃሂልና፡ ንምንታይ ኣብ ክንዲ ከማኡ ምሕሳብ፡ ሓጎስ ናይቲ ወትሩ ዘፍቅሮምን ዘይረሰዖምን ሰማያዊ ኣቦ ክንምስክረሎም ጽቡቕ ዕድል ምዃኑ ዘይንሓስብ? እዚ ናባኻ ክተስድዕ ቢልካ ዝግበር ጐስጓስ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ከምዚ ብምግባርካ ቃል ኣቦ ይበጽሖ፣ ብሓንሳብ ክትመላለስ ይከኣል። ወንጌል መስድዒ ኣይኮነን: ክትሰድዕ ምፍታን ኣረማዊ ተግባር እዩ፣ ሃይማኖታዊ ወይውን ወንጌላዊ ኣይኮነን። ነቶም መጓሰ ዝገደፉ ንምዕዳም ጽቡቅ ቃል ኣሎ! ነታ ቃል ክንሰብኮ ክብርን ጾርን ኣለና። ምኽንያቱ ቃል ኢየሱስ  ከምዚ ይእዝዘና፣ ኩሉ ግዜ ንኹሉ ሰብ፣ ብኽፉት ልቢ ክንቀርቦ፣ ምኽንያቱ ከኣ ንሱ ከማኡ ስለ ዝኾነ እዩ። ምናልባት ንኢየሱስ ንነዊሕ እዋን ተኸቲልናዮን ኣፍቂርናዮን ስምዒቱ ንካፈል ዲና ኢልና ሓሲብና ኣይንፈልጥን፣ ምስ ልቢ ኢየሱስ ተሰማሚዕና፣ ምስቲ ጓሳዊ ልቡ ተወሃሂድና፣ ናብቲ ጓሳዊ ልቢ ኢየሱስ ቀሪብና ስለ እዞም ዝረሓቁ ከም ኢየሱስ ንሳቐን ንሓደጋ ንቃላዕንዶ ንኸውን! ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ካልኦት "ሓደ ካባና" ኣባልና ምእንቲ ክኾኑ ናይ ምስዳዕ ሕቶ ኣይኮነን፣ ምስዳዕ እሞ ፈጺምካ ዘይከውን እዩ ከመይ ክርስትያናዊ ኣይኮነን። ሕጉሳት ደቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክኾኑ ናይ ምፍቃር ሕቶ እዩ። ብጸሎት ገቢርና እስከ መንፈስ ጒስነት ዚዓሰሎ ልቢ፡ ክፉት፡ ንርእሱ ናብ ኩሉ ዘቕርብ፡ መልእኽቲ ጐይታ ከብጽሕን ንነፍሲ ​​ወከፍ ናፍቖት ክርስቶስ ክስምዕን ዝኽእል ልቢ ክህበና ንለምን። ምኽንያቱ ከኣ፡ ብዘይካ እዚ ዝሳቐን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ፍቕሪ እዚ፡ ህይወትና ጽቡቕ ኣይክኸይድን እዩ። ንሕና ክርስትያን እዚ ዝሳቐን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ፍቕሪ እንተዘይብልና፡ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ንምምጋብ ኣብ ሓደጋ ንወድቕ። ጓሶት ገዛእ ርእሶም ዝኾኑ ጓሶት፡ ኣብ ክንዲ ጓሶት መጓሰ ክርስቶስ ዝኾኑ፡ ተኸናኸንቲ "ብሉጻት" ኣባጊዕ እዮም። ጓሶት ገዛእ ርእስና ዘይኮነስ ጓሶት ኩሉ ክንከውን ኣሎና።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 January 2023, 15:28

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >