ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፓል ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፓል ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፓል ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ምኽንያት ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ

እቶም ዝሞቱ ንምሕረት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ አማዕቁብ ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ናይ ምሕዋይ በረኸት እግዚኣብሔር ክጽግዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ነፓል ከተማ ፖካራ ነፋሪት መገዲ ኣየር የቲ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምኽንያት 70 ሰባት ግዳያት ከም ዝኾኑ ምስ ተሰምዐ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 15 ጥሪ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ደቡባዊት እስያ ነፓል ብዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ብውሑዱ 70 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ምስ ተሓበሩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ናብ ርእሰ ብሔር ሃገረ ነፓል ቢድያ ደቪ ባንዳሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፡ ኣብ ሓዘን ኣባይቲ ስድራ ምዉታት ከም ዝሓብሩን እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ክህቦም ጸሎቶም ምዃኑ ኣረጋጊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እታ ነፋሪት ካብ ካትማንዱ ነቒላ ናብ ሰሜናዊ ነፓል ናብ እትርከብ ከተማ ፓካራ ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ እናቐረበት እንከላ ወዲቓ ከም እተሓምሸሸት ናይ መገዲ ኣየር የቲ ወሃቢ ቃል ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሱ እንከመላኽት፥ ብጀካ እቶም ኣርባዕተ ሰራሕተይናታት ናይታ ነፋሪት ካልኦት ሓሙሽተ ህንዳውያን ኣርባዕተ ሩስያውያን ክልተ ደቡብ ኮርያውያንን ሓደ ካብ ኣየርላንድ ካብ ፈረንሳን ኣውስትራሊያን ኣርጀንቲና ዝመጹ ዝርከብዎም ወጻእተይናታት በጻሕትን ብጠቕላላ ኣስታት ሰብዓ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም መግለጺ ወሃቢ ቃል የቲ መገዲ ኣየር ጠቒሱ ይሕብር።

ቅርበት ር.ሊ.ጳ.

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ንህዝቢ ነፓል ቅርበቶምን ምእንቲ እቶም ግዳያትን ከምኡ እውን ኣብ ሕክምና ንዝርከቡን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፡ እቶም ዝሞቱ ንምሕረት እቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ አማዕቁብ ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቶም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ናይ ምሕዋይ በረኸት እግዚኣብሔር ክጽግዎም እምሕጸን ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

17 January 2023, 15:47